እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ቱርኪ ምብጻሕ ኣካይዱ
ጠቕላሊ ኢታማጆርሹም፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝመርሖ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቱርኪ ምብጻሕ ብምግባር ምስ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ እታ ሃገር ከምዝዘተየ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ጸብጺቡ።
እቲ መንግስታዊ ወኪል መራኸቢ ብዙሓን ከምዝበሎ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ምስ’ቲ መሪሕዎ ዝኸደ ጉጅለ ልኡኽ፡ መንግስቲ’ታ ሃገር ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘዳለዎ ወተሃደራዊ ምርኢት 2022 ተሳትፎ ከምዝገበረ ይሕብር።
ቱርኪ ቅድም ክብል፡ ኣብ’ቲ ኣስታት 19 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ደማዊ ኲናት ትግራይ ስማ ክለዓል ከምዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።
ቱርኪ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን] ካብ ዘእተዋ ሓሙሽተ ቀንዲ ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ጸብጻባት የመልክቱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ወርሒ ነሐሰ 2021፡ ናብ ቱርኪ ዘምረሐ ኾይኑ፡ ብቕሉዕ ዘይተነግሩ ወተሃደራውን ጸጥታውን ስምምዓት ገይሩ ከምዝተመልሰ ይዝከር።
ፊልድ ማራሻል ብርሃኑ፡ ምስ ቱርካዊ መዘንኡ ፡ ጀነራል ኣሳር ጉለር ኣብ ክልታኣውን ሓበራዊን ጉዳያት ከምዝዝተዩ ዝሕብር እቲ ጸብጻብ፡ ዝርዝር ዛዕባ እቲ ልእኽቶ ኰነ ትሕዝቶ እቲ ዘተ ግን ኣይተሓበረን።
እንተኾነ፡ ‘ኣብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ምትሕግጋዛት ሓቢረን ንምስራሕ’ ኣብ ዘኽእል መገዲ ምዝታዮም እቲ ጸብጻብ የመልክት።
እቲ ጸብጻብ ንሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ጠቒሱ ወሲኹ ከምዝሓበሮ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ቱርኪ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘትዩ ኣሎ።
ድሕረ ባይታ ርክባት
ብ25 ሓምለ 2013 ዓ.ም ግእዝ፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ምስ ኣብዪ ኣሕመድ ብስልኪ ምስ ተዘራረበ፡ ሃገሩ ንኢትዮጵያ 'ኩለመዳያዊ ሓገዝ’ ክትገብር ድሉውቲ ምዃና ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ናብ ቱርኪ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝጀመረሉ መበል 125 ዓመት ምዃኑ ኮምዩኒኬሽን ዳይሮክተሬት ቱርኪ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ብምግምጋም ርክበን ንምጥንኻር ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ዝምድናታት ከምዝተመያየጡ ድማ ጸብጻት ይሕብሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዓሪጉ ዝነበረሉ እዋን እንትኸውን፡ ሓይልታት ትግራይ ንኣብዝሓ ከባብታት ትግራይ ተቖጻጺሮም፡ ንገለ ከባብታት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተቖጻጸርሉ እዋን ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ቱርኪ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮናት] ተቕርብ ኣላ ዝብሉ ጸብጻባት ምስ ወጽኡ፡ ኢምባሲ መንግስቲ ቱርኪ 'ሓሶት እዩ' ኢሉ ነይሩ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ትግራይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምጥቃም ዝተፈላለዩ ስርሒታት ፈጺሙ ምንባሩ ይፍለጥ።