እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ኣብ ግብጺ ተራኺቦም
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድን ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ግብጺ ከምዝተራኸቡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።
ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ርክቦም ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ሱዳን ኣመልኪቶም ዓሚቝ ዘተ ከምዘካየዱ’ውን እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ንምርኻቦም ዝምልከት ብወግዒ ዝተነግረ የለን።
ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኤርትራ ንሓይልታት ፈደራል ደጊፋ ከምዝተሰለፈት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብፍላይ ድሕሪ'ቲ ነቲ ኲናት ደው ዘበለ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ርክብ እዞም ክልተ መራሕቲ ዝተፈላለየ ግምታት ክወሃቦ ጸኒሑ እዩ።
ክልቲኦም፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭት መዕለቢ ዝርከበሉ መንገዲ ንምዝታይ ዝዓለመ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝጋባእ ኣኼባ መራሕቲ ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን ንምዝታይ’ዮም ናብታ ሃገር ኣምሪሖም ዘለዉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሎሚ ቅድሚ ቐትሪ ምስ ኣአንጋዲ ፕረዚደንት ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ ተራኺቡ፡ ንምፍታሕ ቅልውላው ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ኵነታት እቲ ዞባን ዝተኣሳሰር ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ተፊሊጡ።
ብዘይካ'ዚ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምስ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ እውን፣ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ትማሊ ኣጋ ምሸት ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ክልቲኦም መራሕቲ "ብናይ ምትሕብባር መንፈስ፡ ቀንዲ ኣብ ዝዀኑ ክልተ'ኣዉን ዞባውን ጉዳያት" ከም ዝዘተዩ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዝወጸ ሓበሬታ የረድእ።
ብዘይካ'ዚ
ብዘይካ'ዚ ርክባት እዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ናብ ግብጺ ከም ዘምርሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ምስ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን - ሳልቫኪር ሚያርዲትን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪን ኣብ ምፍታሕ ጉዳይ ሪፓብሊክ ሱዳን ዘተኮረ ርክብ ምክያዱ’ውን ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።
ኣብቲ ሎሚ ዝጅምር ኣኼባ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ጐረባብቲ ሱዳን፡ ማለት ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ሊብያ፡ ጫድ፡ ኢትዮጵያ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ከምኡ’ውን ኣቦ-ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ዋና ጸሓፊ ማሕበር ሃገራት ዓረብን ክሳተፉ ትጽቢት ከምዝግበር’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ከም ዝዝከር፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን፡ ንጉዳይ ሱዳን ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ዝተመዘዛ ኣርባዕተ ሃገራት ኢጋድ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘትየን ነይረን። ኣብቲ ዘተ፡ ኣፍሪቃዊ ዓቃብ ሰላም ሓይሊ ንምእታው ዝዓለመ ዋዕላ ክካየድ ጸዊዐን ኣለዋ።
"ሲቪላውያን ንምሕላውን ሰብኣዊ ደገፍ ንምእታው ውሕሰነት ንምሃብን ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪቃ (EASF) ዝዋፈረሉ ተኽእሎ ንምግምጋም" ዋዕላ ክካየድ ከምዝወሰኑ እቶም መራሕቲ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።
ኣብ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻእን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ጂቡቲ መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ ንኣቦመንበር ኢጋድ ዝኾነ ፕረዚደንት ዑመር ገለ ወኪሉ፡ ፍሉይ ልኡኽ ደቡብ ሱዳን ቦል መል ድማ ነቲ ምክትል ኣቦመንበር ኢጋድ ዝኾነ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ብምውካል ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፎም።
እቶም ቀንዲ መቐናቕንቲ ጀነራላት ሱዳን ኣብቲ ዋዕላ ናይ ኣዲስኣበባ ከምዘይተሳተፉ ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ኣብዚ ኣብ ካይሮ ዝቃናዕ ዘሎ ሰፊሕ ዘተ ግን ንምስታፎም ዝምልከት ዛጊት ዝተባህለ ነገር የለን።
ሓያለ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ካይሮ ተረኺቦምሉ ዘለዉ ዛጊት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዝዝቲ ሰፊሕ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ዘተ፡ ጭቡጥ ፍታሕ ከምጽእ ትጽቢት ይግበር።