ሰራዊት እስራኤል ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሰራዊት እስራኤል ናብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ቓዛ ሰሊዂ ከምዝኣተወን፡ ታንክታት ነበርቲ ሰሜን ቓዛ ናብ ደቡብ ቓዛ ዝግዕዝሉ መስመር ዓጽየን ከምዝነበራን ፍልስጤማውያን መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።
ሳላሕ ኣ'ዲን ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ጐደና ዝተኣርኣየት ታንኪ ድማ፡ ምናልባት ሰራዊት እስራኤል ቓዛ ንምቍጽጻር ይግስግስ ክህሉ ከምዝኽእል ጥርጣረ ፈጢራ።
ሰራዊት እስራኤል ጸኒሑ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ለይቲ ሓደ ብሓማስ ተታሒዛ ዝነበረ ወታሃደር ንምድሓን ስርሒት ከምዘካየዱ ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ነታ ፕቲ ኦሪ መጊዲሽ ዝተባህለት ወታሃደር ነጻ ዝወጸሉ ስርሒት “ዘሐጕስ ዓወት” ብምባል እስራኤል ነቶም ዝተረፉ ልዕሊ 230 ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ነጻ ንምውጻእ ዘለዋ ተወፋይነት ኣብሪሁ።
ነታንያሁ፡ ነቲ ሓማስ ዝዘርግሖ ሰለስተ ጅሆ ዝተትሓዛ እስራኤላውያን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምልውዋጥ እሱራት ክገብር ዝጽውዕ ምሕጽንታ “ጨካን ስነኣእምሮኣዊ ፕሮፖጋንዳ” ክብል ኰኒኑዎ።
እቶም ህጻናት፡ ሽማግለታትን ወታሃደራትን ዝርከቡዎም እሱራት፡ ኣብቲ ሓማስ ናብ እስራኤል ብምእታዉ ኣስታት 1400 ሰባት ዝቐተለሉ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ተጨውዮም ዝተወሰዱ እዮም።
እስራኤል ድሕሪ ንሰለስተ ሰሙን ዘካየደቶ ጽዑቕ ደብዳብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ “ካልኣይ ደረጃ” ክብል ዝገለጾ ሓማስ ናይ ምጥፋእ ብኣጋር ዝተሓገዘ ስርሒታት እናስፈሐት መጺኣ ኣላ።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ቓዛ ልዕሊ 8300 ሰባት ከምዝተቐተሉን፡ ልዕሊ ኣስታት 2.2 ሚልዮን ነበርቲ ከቢድ ሕጽረት ምግቢ፡ ማይ፡ ነዳድን መድሃኒትን ከምዘጋጠሞምን ኣፍሊጡ።
ነታንያሁ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ክብል ንዝቐረበ ጻውዒት፡ ወታሃደራዊ ስርሒት ደው ምባል “ ንሓማስ፡ ንግብረ ሽበራውያንን ንጨካናትን ኢድ ምሃብ ማለት እዩ” ብምባል ነጺግዎ።
እቲ ጐንጺ ኣብ መንጐ ሓይልታት ስልጣነን ሓይልታት ድሕረትን ይካየድ ከምዘሎ፡ ብሰኑይ ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር “እስራኤል ክሳብ እትዕወት ኣንጻር ሓይልታት ድሕረት ደው ክትብል እያ። ኣብ ዝዀነ ሸነኽ ዘለዋ ዝሰልጠና ሃገራት እውን ነዚ ክድግፋ ተስፋ እገብርን እጽልይን” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, IDF
ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብታ ተኸርዲና ዘላ ወሽመጥ ረድኤት ንምእታው ተዅሲ ደው ክብል ብቐጻሊ ይጽውዑ ኣለዉ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ብዛዕባ እተን ናብ ቓዛ ሰሊዀን ተራእየን ዝተበሃላ ታንክታት ተሓቲቱ፡ ንጹር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ሪር ኣድሚራል ዳንኤል ሃጋሪ “ኣብ ውሽጢ ወሽመጥ ቓዛ ከበድቲ ኣጽዋር፡ እግረኛን መጥቃዕትን ዘወሃሃደ ስርሒት ኣስፊሕና ኣለና። እዚ ክልተ መባእታዊ ዕላማታት እቲ ኲናት ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ፤ ንሓማስ ንምግጣምን ዝተጨውዩ ውልቀሰባት ክምለሱ ምግባርን” ክብል ገሊጹ።
“ዋላ'ኳ ኣብዚ ደቂቕ ሓበሬታታት እንተዘየቕረብና፡ ድሕነት ሓይልታትና ግን ቀዳምነት ከምእንህቦ ከረጋግጸልኩም እፈቱ።"
ሰራዊት እስራኤል፡ ታንክታትን ኣጋር ሰራዊትን ኣብ ቓዛ ዘካይድዎ ስርሒት ከምዘስፍሑን፡ ዓሰርተታት ዕጡቓት ሓማስ ከምዝቐተሉን ትማሊ ገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ መኽዘናት ኣጽዋር፡ ጸረ-ታንክ ሚሳይላት ዝትኮሱሎም ማእከላትን መሕብኢታትን ዘጠቓለለ ኣስታት 600 ዒላማታት ሓማስ ብነፈርትን ከቢድ ብረትን ከምዝደብደቡ እውን ገሊጹ።
ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣብ ዝገብርዎ ግስጋሰ ኣተኲሮም ዘለዉ ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ መጥቃዕቲታት ኣየር ከምዝቐነሱ፡ ኣብ ከሃን ዩኒስ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ራሽዲ ኣቡ ኣሎውፍ ገሊጹ።
ዋላ'ኳ ነበርቲ ሰሜን ቓዛ ናብ ደቡብ ክግዕዙ እስራኤል መጠንቀቕታ እንተሃበት፡ ሕጂ'ውን ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ኣብ ሰሜን ቓዛ ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ።
ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ ድማ፡ ሕሙማትን 117 ሽሕ ተፈናቐልትን ዘዕቈባ 10 ሆስፒታላት እውን ክግዕዛ ተነጊርወን እዩ።
ኣብ ቓዛ ዝርከብ ሆስፒታል ኣልቕዱስ ጥራይ፡ 400 ተሓከምትን 14 ሽሕ ተፈናቐልትን ኣዕቊቡ ይርከብ።
ትማሊ ሰኑይ ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል ደብዳብ ከምዝተፈጸመ ዝገልጹ ሰብሞያ ጥዕና እቲ ሆስፒታል፡ ካብቲ ኣሸሓት ዝተዓቘቡሉን ኣብ ጽኑዕ ኵነታት ዝርከቡ ተሓከምቲ ዝሓዘን ሆስፒታል ምግዓዝ ከምዘይከኣል ይዛረቡ።
ዝዓበየ ሆስፒታል ቓዛ ኣ'ሺፋ ብተመሳሳሊ ኣስታት 55 ሽሕ ተፈናቐልቲ ከምዘዕቈበን፡ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኵነታት ከምዘሎን ላዕለዋይ በዓል ሞያ መጥባሕቲ እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ማርዋን ኣቡሳዳ ብሰንበት ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።
ሰራዊት እስራኤል ሓማስ ኮነ ኢሉ፡ ኣብ ሆስፒታልን ካልኦት ትካላት ህዝባዊ ኣገልግሎታት ከምዝዓረደ እዩ ዝኸስስ፤ ሓማስ ግን ነቲ ክሲ ይነጽጐ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
