እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣባል ቤት ምኽሪ ኣፍጋኒስታን ነበር ብዕጡቓት ተቐቲላ
ኣባል ቤት ምኽሪ ኣፍጋኒስታን ነበር ምስ ሓላዊኣ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካቡል ኣብ ዝርከብ መንበሪኣ ከምዝተቐትለት ተገሊጹ።
ጓል 32 ዓመት ሙርሳል ናቢዛዳ፡ ጣሊባን ኣብ ነሓሰ 2021 ናብ ስልጣን ምስተመለሰ፡ ካብተን ኣብ ካቡል ዝጸንሓ ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ፓርላማ እያ ነይራ።
ሓዋን ካልእ ሓላዊኣን እውን ኣብቲ ብሰንበት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቈሲሎም።
መሳርሕታ ኣፍጋኒስታን ገዲፍካ ንምውጻእ ዝነበራ ዕድል ዝነጸገት፡ “ዘይትፈርሕ ሻምፕዮን ኣፍጋኒስታን” ክብሉ ይውድስዋ።
“ሓደጋ ኣብ ቅድመኣ እናሃለወ'ውን፡ ዓው ኢላ እትዛረብ ሓያል” ክትብል ትገልጻ ሓጋጊት ዝነበረት ሚርያም ሱለይማንኪል።
ጣሊባን ዳግማይ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን ዳርጋ ካብ ኵሉ ህዝባዊ ንጥፈታት ተገሊለን እየን።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ካቡል፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ቕትለት ብዕቱብ የጻርይዎ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ኣብ 2018 ኣባል ፓርላማ ኰይና ዝተመረጸት ናቢዛዳ፡ ጣሊባን ናብ ስልጣን ክሳብ ዝምለስ ኣገልጊላ እያ።
ኣባል ቤት ምኽሪ ኣውሮጳ ሃና ኒውማን፡ “ሓዚነን ጉህየን ኣለኹ፤ ዓለም እውን ክፈልጦ ኣለዎ” ክትብል ነቲ ቅትለት ኰኒና።
“ንሳ ኣብ ጸላም እያ ተቐቲላ፤ ጣሊባን ግን ነቲ ጾታ ዝጓኒ ስርዓት ብቐትሪ ይሃንጽ ኣሎ” ኢላ።
“ወኪልን ኣገልጋሊትን ህዝቢ” ክብል ነታ ግዳይ ዝገልጻ ካብ ሰብመዚ እቲ ብምዕራባውያን ዝድገፍ ዝነበረ መንግስቲ ዝዀነ ዓብዱላህ ዓብዱላህ ብወገኑ እቶም ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ተስፋ ከምዝገብር ገሊጹ።
ብዙሓት ፍሉጣት ኣፍጋናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብታ ሃገር ኣብ ዝወጸሉ ሃገረን ገዲፈን ከምዝተሰደዳ ዝዝከር እዩ።