ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያን ግብጽን ንፍሽለት 'ናይ መወዳእታ' ልዝብ ነንሕድሕደን ይካሰሳ

ተሳተፍቲ ስሉሳዊ ዘተ

ምንጪ ስእሊ, @SELESHI_B_A

Published

ግብጽን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ክግበር ዝቐነየ ስሉሳዊ ልዝብ፡ ብዘይ ስምምዕ ከምዝተበተነ ኣፍሊጠን።

ሱዳን እትርከበን ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ምምላእ ማይን ዓመታዊ ኣሰራርሓ ግድብ ህዳሰን ብዝምልከት መምርሒታት ክዘራረባ ከምዝቐነያ ይፍለጥ።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ንኣርባዕተ ዙራት ክካየድ ዝጸንሐ "ናይ መወዳእታ" ዝተበሃለሉ ልዝብ፡ ብሰንኪ ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ዘሎ ሰፊሕ ፍልልይ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይከኣለን።

ኢትዮጵያን ግብጽን ንፍሽለት እቲ ዝርርብ ነንሕድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ።

ኣብ እዋን’ቲ ልዝብ፡ ብሰንኪ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ስምምዕ ንኸይብጻሕ ግብጺ ዕንቅፋት ኰይና ምህላዋ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ሃብቲ ማይን መስኖን ግብጺ ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ ንረብሓ ሰለስቲአን ሃገራት ክሕሉን ከሰማምዕን ዝኽእል ሕጋዊ ይዅን ተክኒካዊ ፍታሕ ክትቅበል ድልውቲ ከምዘይኰነት ከሲሱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ እዋን እቲ ልዝብ፡ ምስ ግብጽን ሱዳንን ዝነበረ መሰረታዊ ፍልልያት ኣብ ህንጸት፡ ምምላእን ኣሰራርሐን እቲ ግድብ ብዝምልከት ንምፍታሕ ከምዝፈተነት ሓቢሩ።

ይዅን’ምበር፡ ምምላእ እቲ ግድብን ዓመታዊ ስርሒትን ብዝምልከት ኣብ መምርሒታትን ደንቢታትን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ብናይ ግብጺ መግዛእታዊ መርገጺ ከምዝተዓንቀፈ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ፡ ብፍትሓውን ምኽንያታውን መትከላት፡ ድሌት ዜጋታታ ንምምላእ እትገብሮ ጻዕሪ ክትቅጽሎ ምዃና ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ።

ብኣንጻሩ ግብጺ፡ ምምላእ እቲ ግድብን ነቲ ስርሒትን ብቐረባ ብምክትታል መሰላ ክተሕሉ ምዃና ዕቱብ መግለጺ ኣውጺኣ ኣላ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መግለጺኡ፡ "ግብጺ በቲ ግድብ ዝበጽሓ ዝዀነ ይዅን ጉድኣት ብዘየገድስ፡ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ቻርተራትን ስምምዓትን፡ ብጽሒት ማይን ሃገራዊ ድሕነትን ናይ ምሕላው መሰላ ዝተሓለወ እዩ" ኢሉ።

ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ግብጺ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ልዝብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ከምዘይትቕበሎ ብምግላጽ፡ ኣንጻር ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ሕገ መንግስታዊ ድንጋገታት ሕብረት ኣፍሪቃን ምዃኑ ገሊጻ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ትሃንጾ ዘላ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪታ፡ ምስ ግብጽን ሱዳንን ዝርርባት ክትገብር ጸኒሓ።

ኢትዮጵያ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ሩባ ኣባይ ዝህልወን ብጽሒት ማይ ክሰማምዓ እንተኽኢለን፡ ካብ ግድብ ህዳሰ ዝወጽእ መጠን ማይ ብዝምልከት ቀያዲ ስምምዕ ክበጽሓ ከምዝኽእላ መርገጺኣ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።

ብኣንጻሩ ግብጺ፡ ህንጸት እቲ ግድብ፡ ንዋሕዚ ማይ ሩባ ኣባይ [ኒል] ንሓደጋ ዘቃልዕን፡ ረብሓ ናይተን ታሕተዎት ሃገራት እቲ ተፋሰስ ዕሽሽ ዝበለን ምዃኑ ኣማሪራ።

ግብጺ፡ ኣብ ምምላእ ማይ እቲ ግድብን ካብቲ ግድብ ዝወጽእ መጠን ማይን ዝምልከት፡ ሕጋውን ቀያድን ስሉሳዊ ስምምዕ እንተዘይተፈሪሙ፡ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ደው ክብል ክትሓትት ጸኒሓ እያ።