ኣሜሪካ፡ ንፕረዝደንት ብራዚል ፕሮፖጋንዳ ብምግዋሕ ከሲሳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዋይት ሃውስ፡ ኣብ ዩክረይን ንዘሎ ኵናት፡ ኣሜሪካ “ኣተባቢዓ” ንዝብል ክሲ ፕረዚደንት ብራዚል ሉዊዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲሊቫ ብትሪ ነቒፉ።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቻይና ምብፃሕ ዘካየደ ሉላ፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ ሰላም ኣብ ዩክረይን ምዝራብ ክትጅምር ኣለዋ ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ብራዚል ምብፃሕ ዝገበረ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፡ ንፕረዝደንት ሉላ ብምርካብ፡ ብራዚል ንዝገበረቶ ፃዕሪ ኣመስጊኑ።
ወሃቢ-ቃል ሃገራዊ ደሕንነት ኣሜሪካ ጆን ከርቢ፡ ንሉላ “ፕሮፖጋንዳ ሩስያን ቻይናን የጋውሕ ኣሎ” ብምባል ከሲሱ።
ነቲ ጐንፂ ንምዝዛም ንርእሱ ከም ደላሊ ሰላም ገይሩ ዝገለፀ ፕረዝደንት ብራዚል ሉላ ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ “ኣሜሪካ ንኵናት ምትብባዕ ደው ብምባል፡ ስለ ሰላም ምዝራብ ክትጅምር ኣለዋ” ክብል ተዛሪቡ።
ሉላ፡ ምስ ቻይናዊ መዘንኡ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒን ድሕሪ ምርኻቡ እዩ ነዚ ርኢቶ ሂቡ።
ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ ሩስያ ካብ ዩክረይን ንክትወፅእ ዝጠልብ እማመ ሰላም፡ ወግዓዊ ምግባራ ይዝከር።
ሩስያ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ንዩክረይን ከም ዝወረረት ይፍለጥ።
ዓለም-ለኸ ቤት-ፍርዲ ገበነኛታት፡ ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንክእሰር ትእዛዝ ኣውጺኡ ኣሎ።
ብሰኑይ ኣብ ብራዚል ዝበፅሐ ላቭሮቭ፡ ሞስኮ፡ “ብራዚላውያን መሓዙትና ብዛዕባ ጠንቂ እቲ ኩነታት ብንፁር ምርድኦም ነመስግን” ኢሉ።
ላቭሮቭ፡ “ነዚ ኩነታት ንምፍታሕ፡ ግደኦም ከበርክቱ ንዘርኣይዎ ተበግሶ ድማ አመስግን” ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ደሕንነት ኣሜሪካ ጆን ከርቢ፡ ርኢቶታት ሉላ “ብቐሊሉ ዝተሰሓሓቱ” ከም ዝኾኑ ብምሕባር፡ “ኣሜሪካን ኣውሮጳን ንሰላም ድሌት ከምዘይብልና የግዳስ ሓላፍነት እቲ ኵናት ከም ንካፈል ምሕባሩ ጌጋ እዩ” ክብል ነቒፉ።
ንርኢቶ ከርቢ ምላሽ ዝሃበ ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ብራዚል ማውሮ ቪየራ ብወገኑ፡ “ብኸመይን ንምንታይን ናብ ከምዚ ዓይነት ድምዳመ ከም ዝበፅሐ ኣይፈልጥን፡ ግና ኣይሰማመዐሉን” ኢሉ።
እታ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቐብ ንምንባር ምስ ምዕራባውያን ዘይተሓባበረት ብራዚል፡ ንዩክረይን ተተኳሲ ክተቕርብ ንዝቐረበላ ሕቶ እውን ኣይተቐበለትን።
ብራዚል ፃውዒት ሰላም ተቕርበሉ ኣብ ዘላ ኣብዚ እዋን፡ ዩክረይንን መሻርኽታን ግና ቅልጡፍ ተኹሲ ደው ምባል፡ ሩስያ ነቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብሓይሊ ዝሓዘቶ ግዝኣት ክትሕዝ ዘኽእላ እዩ ይብላ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
