ኣብ ኢትዮጵያ ስለምንታይ እዮም ብስም ወንጌል ዘታልሉ 'ነብያትን ፓስተራትን’' ዝበዝሑ ዘለዉ?

Published

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ንነብሶም ‘ነቢይ’ ወይ ‘ፓስተር’ ኢሎም ብዝጽውዑ ሰባት ገበናት ይፍጸሙ ኣለዉ።

እቶም ብሰዓብቶም 'ፓስተር'፡ ‘መጋቢ’፡ 'ነቢይ'፡ 'ናይ ኣምላኽ ሰብ' እናተባህሉ ዝጽውዑ ሰባት ዝፍጽምዎ ገበናት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት የዛርብ ኣሎ።

እቲ ጉዳይ ከኣ ወንጌላውያን ጥራይ ዘይኮኑ ካልኦት እውን ‘እንታይ እዩ ዝግበር ዘሎ?’ ብምባል ይነቕፉን ይሓቱን ኣለው።

እዞም ስም ነቢይ ፓስተርን ካልእን ዝተጠመቝ ሰባት፡ ንገንዘብካ ባሪኾም ከምዘሰስኑ፡ ብዝተዋህቦም መንፈሳዊ ሓይሊ ናብ ሕሳብ ባንክ ሰባት ገንዘብ ኣታዊ ከምዝገብሩ፡ ምስ ኣምላኾም ብምዝርራብ ዝተፈላለየ ፍወሳን ተኣምራትን ከምዝፍጽሙ ብግልጺ ክዛረቡ ይስምዑ።

ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ምውታን የተንስእ እየ ብምባል መቓብር ሰብ ዘኹዓተን ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጹ ዝተፈርደን ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰዓብቲ እቲ እምነት፡ እቶም ፍጻመታት ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ ምዃኑ እቲ ተግባር ኣብ ልዕሊ ዝፈልጥዎምን ዝቐርብዎምን ሰባት ከምዝተፈጸመን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት'ውን ከምዝተዓዘብዎ ገሊጾም።

"እዞም ወንጌላውያን ንክርስትያን ኣይውክሉን፤ ብሃይማኖት’ውን ሓደ ኣይኮንናን" ይብል ፓስተር ናይ ሓንቲ ኣብ ለንደን እትርከብ ቤተ ክርስትያን ዝዀነ ጳውሎስ ፈቃዱ።

“ንሳቶም፡ ኢና ስለ ዝበሉ ጥራይ ከም ኣካልና ኣይንቈጽሮም። ክውክሉና ኣይክእሉን" ክብል ብትሪ ነቒፉ።

ፕረዚደንት ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ፡ ፓስተር ጻድቁ ኣብዶ’ውን ነዚ ሓሳብ ይድግፍ።

መምህር ስነ መለኮት ዶክተር ተካልኝ ነጋ፡ እዞም ሰባት ኣብ ምዕራባዊ ዓለም "ፓስቶፕረነርስ" (pasterpreneurs) ከምዝበሃሉ ብምግላጽ "ነጋዶ" እዮም ይብል።

"ፓስቶፕረነር"፡ “ፓስቶ” ካብ "ፓስተር" ከምኡ’ውን "ፕረነር" ካብ "ኢንተፕረነር" ብምውሳድ ዝተፈጥረ መጸውዒ’ዩ።

እዞም ብንግዳዊ መንፈስ፡ መንፈሳዊ ትካላት ዘመሓድሩ ሰባት፡ ብዘይካ ገንዘብ ምትላል ካልእ ዘየገድሶም ጨካናት ሸፋቱ ተባሂሎም ከምዝጽውዑ እውን የረድእ።

ሓሰውቲ ነብያት ስለምንታይ በዚሖም?

መጋቢ ጻድቁን መጋቢ ጳውሎስን ከምዝብልዎ፡ እዞም ሓሰውቲ ነብያት ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ኣይኮኑን በዚሖም።

ኣብ ናይጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዛምብያን ገለ ስልጡናት ሃገራትን’ውን እቲ ዘሕዝን ተግባራቶም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ይግለጽ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ እዚ ዓይነት ግጉይ ኣስተምህሮን ተግባርን ካብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ናይጀርያን ደቡብ ኣፍሪካን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመጽአ ንቢቢሲ ገሊጾም።

መጋቢ ጻድቁ፡ "ቡሽሪ ዝተባህለ ሰብ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽእ ንደሓር፡ ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ነዚ መንገዲ ክኽተሉ ፈቲኖም" ይብል።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣመንቲ ወንጌላውያን ከምዝብልዎ፡ ንረብሓኦም ክብሉ ንቅዱሳት መጻሕፍቲ ጠምዚዞም ጁባኦም ክመልኡ ዝደልዩ ሰባት እናበዝሑ ይኸዱ ኣለው።

እቶም ኣመንቲ፡ እቶም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብስም ሃይማኖት ዘደናግሩ ሰባት ዝበዝሑሉ ሓደ ምኽንያት፡ እተን ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ከም ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብሓደ ቀኖና [ምሕደራ] ዝመሓደራ ክርስትያናዊ ትውፊት ዘይምዃኑን’ዩ።

ምኽንያቱ ውልቀ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ኣብያተ ክርስትያን ክኸፍቱ ዝኽእልሉ ዕድል ኣሎ።

እዚ ዕድል ዝተፈጥረሉ ምኽንያት፡ ሰባት ብቝዓትን 'ጥዑያትን' ምዃኖም ብኣብያተ ክርስቲያናት ተመርሚሮም ናብ ከምዚ ዝበለ ኣገልግሎት ዝኣትውሉ ስርዓት ስለዝተቛረጸ ከምዝኾነ ዶክተር ተካልኝ ይሕብር። እዚ ብዘይ ዝዀነ ይዅን ተሓታትነት ናይ ገዛእ ርእሶም መድረኽ ፈጢሮም ከምድላዮም ክኾኑ ኣኽኢልዎም’ዩ።

"ኢህወደግ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት እኵል ምድላውን ስልጠናን ከይገበራ ብሓደስቲ ኣመንቲ ከዕለቕልቓ እንከለዋ፡ እቶም ሰባት ቀልጢፎም መሪሕነት ምሓዞም ዝጐድኣና ይመስለኒ" ይብል ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ፕሮፌሰር ስነ-መለኮት።

እታ ቤተ ክርስትያን፡ ናይ እምነት ነጻነት ምስ ረኸበት፡ ብዘይ እኹል ምድላውን ጽጹይ ገምጋምን ብንጹህ ሕልና ንኵሉ ማዕጾኣ ብምኽፋታ፡ ብፍላይ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝተፈላለየ ኣስተምህሮ ሒዞም ንዝመጹ ውልቀሰባት ከምዝተቓልዐት ይገልጽ።

"ሰበኽቲ ወንጌል ብልጽግና ኣዕለቕሊቘምና" ዝብል እዚ ምሁር፡ እቲ መንፈሳዊ ጽንዓት እናተሸርሸረ፡ ኣመንቲ ሕብረት ንምርካብ ጥራይ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይህውትቱ ከምዘለዉ ይዛረብ።

ጴንጠቆስጠ ምስ ተዘርግሐ፡ ኵለን ኣብያተ እምነት፡ “ሓሰር መሰር ካብ ምህርቲ” ከይፈለያ ነቲ ምንቅስቓስ ተቐቢለንኦ። እዚ ድማ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን፡ ንሓድሽ ወለዶ ዘድሕን ኣገልግሎት ከይህሉን ብውልቀ ሰባት ዝካየድ ንጥፈታት ንኽዝርጋሕ ምኽንያት ከምዝዀነ የረድእ።

ዶክተር ተካልኝ ብወገኑ፡ ትውፊት ጰንጠቆስጠን ካሪዝማቲክን ዝኽተሉ ማሕበረሰብ ኣመንቲ ወንጌል፡ ምስቲ ኣብ መጻኢ ንክኸውን ዘለዎም ትጽቢት ዝተኣሳሰር እዩ ይብል።

እቶም ምንቅስቓሳት እምነት ካሪዝማቲክን ጴንጠቆስጠውን ትውፊት ዝኽተሉ ኣመንቲ፡ "ሓደ ካብቶም ፍቓደ-ምሕደራ ኣምላኽ ኣብ መንጐና ዝሰርሓሉ መገዲ፡ ህያብ ጸጋ ኣብ ልዕለና ምውሓዝ እዩ" ኢሎም ይኣምኑ።

ብፍላይ ድማ ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ እናቐረበ ምስ ዝኸይድ፡ እቲ ኣገልግሎት ህያብ ጸጋ እናወሰኸ ክኸይድ ትጽቢት ከምዘለዎም ይገልጽ።

እዚ ድማ ሓሰውቲ ነብያትን ፓስተራትን በቲ ትጽቢት ክነግዱን እቶም ነቲ ኣገልግሎት ዝቕበሉ ድማ ንገዛእ ርእሶም ብትዕግስቲ ከዳልዉን ገይርዎም ኣሎ ክብል እቲ ዶክተር ወሲኹ የብርህ።

እቶም ሊቃውንቲ ስነ-መለኮት፡ ማሕበረሰብ ተኸተልቲ እምነተ ወንጌል ኣብ ዘበነ ደርግ ብእምነቶም ይሳደዱ እምበር ከምዚ ዓይነት ሃብቲ ከዋህልሉ ይፍቀድ ኣይነበረን። ከም ውጽኢቱ ድማ ትውፊት ወንጌላዊ ክርስትና ምኽታል ብገለ መገዲ ንገዛእ ርእስኻ ንስደት ምድላው ማለት ከምዝነበረ ይገልጹ።

“ሽዑኡ፡ ብመስዋእቲ ዝፍፀም ዓይነት ኣገልግሎት እምበር ናብ ጁባ ዝዀነ ሰብ ገንዘብ ይኣቱ ኣይነበረን። ሕጂ ግን ስደት ምስ ተረፈ [ኣገልገልቲ] እታ ቤተ ክርስትያን ልክዕ ከምቶም ኣብ ካልኦት እምነታት ዘለዉ ሰባት ገንዘብ ክእክቡ ስለዝጀመሩ፡ ብዘይ ጥዑይ ኣገባብ ገንዘብ ከኻዕብት ዝደሊ ሰብ ክፍጠር ግድን ኰይኑ ይብል ዶክተር ተካልኝ።

ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ፡ ኣብ 22 መጋቢት 2009 ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብዙሕ ኑፋቄኣዊን ግጉይን ኣስተምህሮ ካብ ዝመሓላለፈሉ መንገዲ ሓደ መራኸቢ ብዙሃን ምዃኑ ይጠቅስ።

ካብዞም መራኸቢታት ድማ ተለቪዥንን ማሕበራዊ ሜድያን ዝዓበየ እጃም ይወስዱ።

ዶክተር ተካልኝ፡ "ቅድሚ ሕጂ ሓደ ሰብ በቲ ኣሎኒ ዝብሎ ጸጋ ከገልግል ክሓስብ ከሎ፡ ኣብ ዝፍተነሉን ዝፍተሸሉን ሕብረተሰብ ይጅምር ነይሩ" ይብል።

"ሕጂ ግን ካብ ጁባኡ ዝኾነ ገንዘብ ከየውጽአ፡ ኣነባብራኡን ብቕዓት ትምህርቱን ከይተረጋገጸ፡ ሃንደበት ንነብሱ መዚዙ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መወዓውዒ ገይሩ፡ ብዓርሰ እምነት ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ኣሎ ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ከታልል ዝኽእለሉ ዕድል ተፈጢሩ ኣሎ።"

መንፈሳዊ መዓርግ ዝህብ መን እዩ?

እዞም ብስም ወንጌላውያን ኣመንቲ ዝተፈላለየ ምትላል ዝፍጽሙ ውልቀሰባት፡ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መዓርጋት ክጥቀሙ ይረኣዩ።

ብዓይኒ ወንጌላዊ ክርስትና ናይዞም መዓርጋት ወሃቢ እግዚኣብሔር ባዕሉ እዩ ተባሂሉ ከምዝእመን ዶክተር ተካልኝ ይዛረብ።

"እንተዀነ ነቲ ሰብ ዝተወሃበ ህያብ ኣፍልጦ ትህብ ኣካል፡ እታ ቤተ ክርስትያን ኰይና ኣገልገልቲ፡ ተገልገልቲን እቲ መሓውርን ብሓባር ማለት እዩ።"

ወሲኹ፡ እታ ቤተ ክርስትያን፡ እቲ ብእግዚኣብሔር ዝተወሃበ ተልእኾ ቅኑዕ ምዃኑ እተረጋግጽን ኣፍልጦ እትህብን እምበር ወናኒት እቲ ስም ከምዘይኮነት ሓቢሩ።

ፓስተር ጳውሎስ ብወገኑ፡ ብመሰረት መስርሕ ወንጌላውያን ኢትዮጵያ፡ ነፍሲ ወከፍ ቤተ እምነት ነናቱ ርእሰ-ምሕደራ ከምዘለዎን ንናይ ገዛእ ርእሱ ኣገልገልቲ ሽመት ከምዝህብን ምዝካር ግቡእ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

"ቀጺሉ፡ እዞም ሰባት ካብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ናብ ካልእ ቤተ ክርስትያን ከይዶም ስለ ዘገልግሉ ... ናይ ኣገልጋሊ ምቅብባል ስለዘሎ ገሊኦም ጸጋኦም ንጹር ይኸውን።"

ዶክተር ተካልኝ ከምዝብሎ፡ ንሰብ ወንጌላዊ ትገብሮ ቤተ ክርስትያን ኣይኮነትን፤ ኣብ ህይወቱ ዝሰርሖ ጸጋ ምስ ረኣየት ግን ወንጌላዊ ምዃኑ ተረጋግጽ። እቲ መስርሕ ኣብ ነቢይ፡ ሃዋርያን መጋቢን እውን ተመሳሳሊ እዩ ብምባል ንሓሳብ ጳውሎስ የደልድል።

እዚ ስነ-መለኮታዊ መስርሕ ግን ሃጓፍ ከም ዝፈጠረ ክልቲኦም ምሁራት ይሰማምዑ።

ዶክተር ተካልኝ፡ "ሰባት ብኣምላኽ እየ ተመዚዘ፤ ነዚ ህያብ እዚ ሂቡኒ። ሰባት ግን ኣብ መገዲ ኣምላኽ ደው ኢሎም ነቲ ኣባይ ዝሰርሕ ጸጋ ኣይተቐበሉን፡ ኣፍልጦ ኣይሃቡን ንዝብል ኣረኣእያ ሃጓፍ ይፈጥር’ዩ" ይብል።

ኣብዚ ሃጓፍ፡ ቤተ ክርስትያን ብትካላዊ መንገዲ ሓቅነቱ ፈቲሻን ኣረጋጊጻን ነቲ ኣለዎም ዝበሃል ጸጋ ከየጽደቐት፡ ሰባት ብገዛእ ርእሶም ተለዓዒሎም ዝደለይዎ መዓርግ ንገዛእ ርእሶም እናሃቡ፡ “ኣነ ነብይ እየ፡ ኣነ ሃዋርያ እየ...” ዝብልሉ መንገዲ ከምዝተፈጠረ ይገልጽ።

"ሕጂ ግን ጸገም ዝፈጥሩ ዘለዉ... እቶም 'ዋን ማን ሊደርስ’ [ብሓደ ሰብ ዝምራሕ ቤተ ክርስትያን] እዮም። ወነንቲ እታ ቤተ ክርስትያን ባዕሎም፡ ሸየምቲ ባዕሎም። ተሓታቲ ዝዀኑሉ ካልእ ኣካል የለን" ይብል ጳውሎስ።

ኣብ መንጐ ኣመንቲ’ውን፡ ካብ ኣወዳድባ እቲ ትካልን እቲ ትካል ዝህቦ ኣፍልጦን ንላዕሊ ኣብቲ ሰብ ይረአ ኣሎ ኣብ ዝበሃሉ ምልክታት ትኹረት ናይ ምግባር ኣድልዎን ወገናውነትን ከምዘሎ ዶክተር ተካልኝ የመልክት።

"ሓደ ሓደ ግዜ ህያብ ኣምላኽ ካብ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ክበልጽ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ስለዘሎ ማለት እዩ። ነቶም ኣብ መንጐ’ዚ ዘሎ ሃጓፍ ተጠቒሞም ንህዝቢ ክምዝምዙ ዝደልዩ ማዕጾ ይኸፍት’ዩ።"

ሓሰውቲ ነብያት መለለዪ ባህርያት ኣለዎም’ዶ?

ቀንዲ ባህርያቶም፡ ማእከል መልእኽቶም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ባህሪ (ስብእና) ምህናጽ ዘተኩረ ምዃኑ፡ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምሁራት ስነ-መለኮት ይገልጹ።

ዘይከም ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ኵሉ ተግባራቶምን ትምህርቶምን እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማኦም ንኣመንቲ ምግራም እዩ። ኣብ መንጐ እዚ ዝናኦም ብምግላጽ፡ ኣብ መወዳእታ ነቲ ዝተሃንጹዎ ርእሰ-ዓብየት ተጠቒሞም ገንዘብ ናብ ምእካብ ይዋፈሩ።

ብኻልኣይ ደረጃ መልእኽቶም፡ "ብኸመይ ይቐርብ ብዘየገድስ፡ ቀንዲ ትኹረቱ ካብ ጁባ ምእመናን ገንዘብ ምምንዛዕ እዩ" ይብሉ።

"እዚ ኣካይዳ'ዚ ካብቲ ነገልግሎ ዝብልዎ ሕብረተሰብ፡ ናይቶም ገንዘብ ኣለዎም ዝብሉዎም ሰባት ሓበሬታ ምእካብ፡ ኣብ ዙርያ እቶም ሰባት ብዛዕባ ዝናኦም ዝዛረቡ ሰባት ምውፋር፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ነቶም ሰባት ኣእሚኖም ጁባኦም ምምላእ እዩ" ይብል እቲ ዶክተር።

ሰብ ገበን ይፈጽም ኣይፈጽም፡ የጥፍእ ኣየጥፍእ ኣይግድሶምን ዝብሉ መማህራን ስነ-መለኮት፡ ብገለ መልክዑ ስነ-ልቦና ሰዓብቶም ኣብ ምድጋፍ ከምዝተዋፈሩ ይገልጹ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ኣመንቲ ምስኦም ጥቡቕ ርክብን ሕብረትን ስለዝህልዎም እቶም መራሕቲ ብተግባሮም ስክፍታ ከምዘይስመዖም ይዀኑ።

ሕጊ መፍትሒ ኣለዎ ድዩ?

"ዝዀነ ሽፋን ኣገልጋሊ ዝለበሰ ሰብ ብስም ምግልጋል ንኻልእ ሰብ ይብድል ኣሎ፣ ካልእ ሰብ ብዝኽሰሰሉ ገበን ንሱ ዘይክሰሰሉ ምኽንያት የለን" ይብል ዶክተር ተካልኝ።

እቲ ሕቶ ግን ብዙሓት ሰባት እዚ ዕድል ከም ዘሎ እናፈለጡ ስለምንታይ ዘይጥቀሙሉ ዝብል እዩ?

ብሓደ ምኽንያት ወይ ብኻልእ ዝበጽሖም በደል ከስምዑ ፈቲኖም ብተደጋጋሚ ምፍርራሕ ዘጋጠሞም ሰባት ከምዘጋጠምዎ እውን ይዛረብ።

"ስለዚ ናይ ፍርሒ ዕንቅፋት ኣሎ።"

“እቶም ነዞም ሰባት ከቃልዑ ዝፍትኑ ሰባት ሕማቕ ነገር ከጋጥሞም ከምዝኽእል ዘምስል ፍርሒ ስለዝሰረጸ፡ ሓደ ነገር እንተኢልና፡ ኣብ ልዕለናን ስድራቤትናን ኣዝዩ ሓደገኛ ነገር ክመጽእ ይኽእል’ዩ ዝብል ፍርሒ ኣሎ" ክብል ወሲኹ የረድእ።

ካልእ ናብ ቤት ፍርዲ ከይዶም ጥርዓን ከየቕርቡ፡ እቶም ሰባት ምትላል ከምዝፈጸሙ መርትዖ ንምቕራብ ኣጸጋሚ ምዃኑ እዩ።

ኣብቶም ወንጌላውያን ክርስትያን ኣመንቲ ዋላ እንተተበደልኩ፡ "ናብ ሕጊ ካብ ምኻድ ንኣምላኽ ገዲፍካ ኣምላኽ ኣብ ግዜኡ ክፈርድ ይሓይሽ" ዝብል ኣተሓሳስባ ከምዘሎ እውን እቲ ዶክተር ይገልጽ።

ብኸምዝን ከምኡ ዝኣመሰለ ምኽንያታትን እቶም ዘታልሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ግቡእ መቕጻዕቲ ንኸይረኽቡ ከም ዝኽልክሎም ሰዓብቲ እምነት ይዛረቡ።

ሰባት ክጥንቀቝ ምግባር ናይ መን ተራ እዩ?

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ መበል 32 ስሩዕ ጉባኤኡ ነዚ ጉዳይ ቀንዲ ዛዕባ ገይሩ መርገጺኡ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ምትላል ዝተሳተፉ ሰባት ስሞም ተጠቒሱ መግለጺ ዝተወሃበሉ እዋን’ውን ኣሎ።

ብደረጃ ቤተ ክርስትያን ድማ፡ ቤተ ክርስትያን መሰረተ ክርስቶስ ብስም ጸዊዓ ኣብ ኣገልግሎት ከይሳተፉ ክትብል መርገጺኣ ብወግዒ ኣፍሊጣ’ያ።

እቲ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ምሁር ስነ-መለኮት፡ "እቲ ሓላፍነት ናይ ቤተ ክርስትያን’ዩ" ይብል።

ቤተ ክርስትያን ጌጋታት ንምእራም ካብ ምቅላስ፡ ቅኑዕ ትምህርቲ ኣብ ምምሃር ከተተኩር ከም ዘለዋ ይምጕት።

“ብቐንዱ ተራ ናይ ኵሎም ሓቀኛታት ኣገልገልቲ’ዩ። ምኽንያቱ ሓቂ ምግላጽ፡ ሓሶት ናይ ምግላጽ ሸነኽ’ውን ኣለዎ" ይብል ዶክተር ተካልኝ።

ብፍላይ ምሉእ ግዜና ንህብ ኣለና፤ ስነ-መለኮት ናይ ምምርማር ክእለት ኣሎና፤ ዝብሉ ኣመንቲ ኵሎም ሓላፍነት ከምዘለዎም ይገልጽ።

ፓስተር ጻድቁ፡ እቲ ማሕበር ቅድሚ 7 ዓመት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ መግለጺ ኣብ ዘውጽኣሉ እዋን፡ መጽናዕቲ ከምዝተገበረ ይዝክር።

ንሱ፡ ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ፡ ገሊኦም ትምህርቶም ቅኑዕ ከምዘይኰነ፡ እቲ ልምዲ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዘይሳነ፡ እቲ ስነ-ምግባራዊ መርገጺ ድማ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝፈቕዶ ወጻኢ ምዃኑ ከምዘለለዩ ይዛረብ።

እቶም ካልኦት፡ "ኣስተምህሮኦም ቅኑዕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብትምህርቲ ብዙሕ ዘይክጋገዩ ይኽእሉ። ኣብዝን ኣብቲን ዝረግጹ እዮም። ግን ብተግባር ዝጋገዩ እውን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም" ይብል።

ብተወሳኺ፡ ካልኦት እቲ ትምህርቶም ቅኑዕ'ኳ እንተዀነ፡ እቲ ሞራላዊ መርገጺኦም ግን ቅኑዕ ዘይክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ።

መጋቢ ጻድቁ፡ እቲ ማሕበር ነዚ መጽናዕቲ ኣካይዱ መግለጺ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ተመኺሮም ካብ ጌጋኦም ዝተመልሱን "ዝሰንበዱን ዝተኣረሙን" ከምዝነበሩ ይሕብር።

ብኻልእ ወገን እቶም ዝዓግቶም ነገር የለን ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ብዘይፍትሓዊ መገዲ ከም ዝተነቐፉን ነቶም ክስተኻኸሉ ዝሓተቱዎም ዳግም "መንፈስን ሓይልን ኣምላኽ ኣይቅበሉን" ኢሎም ከምዝወቐሱን ይዝክር።

እቲ ማሕበር ነዚ መግለጺ ምስ ኣውጽአ፡ ዝተፈላለየ ሓደስቲ ተግባራት ከም ዘስተብሃሉ እውን ወሲኹ ይገልጽ።

"ብወንጌል እኣምን እንተይልካ፡ እቲ ናይ መወዳእታ በዓል ስልጣን መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ኣምላኽ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጻረር፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይርከብ ሓድሽ ነገር ይገብር፣ ተኣምር ይሰርሕ’ዩ እናበልካ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ።"

"እቲ ዘሕዝን ነገር እቶም ዝተጐድኡ ተማሂሮም ክወጽኡ እንከለዉ እቶም ዘይተጐድኡ ከኣ ናብኡ ይኣትዉ" ይብል።

ብተወሳኺ፡ "ክትብልጽግ ኢኻ ኢሎም የወዓውዑ፤ ንሱ [እቲ ምእመን] ኣይብልጽግን። ንሳቶም ግን ንነብሶም የበልጽጉ" ብምባል ኣመንቲ ፍረ ረሃጾም ዘይኮነ ገንዘብ ናብ ጁባኦምን ኣብ ባንክ ሕሳቦምን ከምዝኣቱ ብምስባኽ ምትላል ከካይዱ ከምዝረኣየ ይዛረብ።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ተግባራት፡ "ንወንጌላውያን ኣይውክለናን" ዝብል ጻድቁ፡ ምእመናን’ውን ነዚ ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ተግባር ብንጹር ክቃወሙ ይምዕድ።

ዶክተር ተካልኝ ብወገኑ፡ ብስም ወንጌላውያን ኣመንቲ ዝተመስረተ ወንጌላዊ ሕብረት (ቤት ምኽሪ) ከምዘሎ ብምዝኽኻር፡ እዚ ሕብረት “መንነቶም ዘይተጻረዩ፡ ኣብ ከምዚ ዝሳተፉ ኣካላት ዝሓቘፈ ስለዝዀነ ኣብ ቀረባ እዋን ኣዝዩ ድልዱል መርገጺ ክሕዝ እዩ ዝብል እምነት የብለይን" ይብል።

መጋቢ ጳውሎስ’ውን፡ እዘን ትካላት ብዛዕባ ሓሰውቲ ነብያት ብግልጺ ክሕብራ፡ ክምህራ፡ ክዅንናን ምሳና ርክብ የብሎምን ኢለን ከቃልዓን ከምዘለወን ሓቢሩ።

ነዚ ክገብራ እንተዘይክኢለን ግን ካብ ስልጣነን ክወርዳ ከምዝግባእ’ውን ወሲኹ ኣመልኪቱ።