ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ ዓሪፉ

ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ

ምንጪ ስእሊ, @hawelti

Published

ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ ኣብ መበል 73 ዕድሚኡ ከምዝዓረፈ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝነበረ ጀነራል፡ ብሕማም ህይወቱ ከምዝሓለፈ ሚኒስተር የማነ ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ዘውጽኦ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ሓደ ካብ ቀዳሞት ተጋደልቲ ቃልሲ ንናጽናት ኤርትራ ዝነበረ ጀነራል ካሪካረ፡ ኣብ 1969 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየ ካሪካረ፡ ቅድሚ ሓርነት ኤርትራ ሓደ ካብቶም ንሓይሊ ባሕሪ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝመስረቱ ወተሃደራውያን መራሕቲ’ዩ።

ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ጀነራል ካሪካረ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን ኣባል ናይቲ ፈሪሱ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብ ሓደ እዋን ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ደንካልያ (ናይ ሎሚ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ) ኮይኑ ተመዚዙ ከምዝነበረ’ውን ይግለጽ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን፡ እስቲፋኖስ ኣፍወርቂ ንምቕሉልነት፡ ኣበርክቶን ጅግንነትን እቲ ጀነራል ዘለዎ ክብሪ ብምግላጽ “ኣንታ ለባም! ኣንታ ጅግና! ብሰላም ዕረፍ” ክብል ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ጽሒፉ።

ስነስርዓት ቀብሪ ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ ብዓርቢ 15 መጋቢት 2023 ተፈጺሙ። ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ መቓብር ሓርበኛት ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝርከቦም ሰበስልጣን መንግስቲን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተረኺቦም ነይሮም።

እቲ ጀነራል፡ ካብቶም ኣብ 1996 ናይ ሜጀር ጀነራል መዓርግ ዝተዋህቡ 9 ላዕለዎት መኮንናት ኤርትራ’ዩ።

ሓደ ካብኦም፡ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ዝነበረ ሜ/ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ከምዝዓረፈ ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ፡ ሜ/ጀነራል ኣሕመድ ዑመር ካካይ፡ ሜ/ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም ውጩ፡ ሜ/ጀነራል ስዒድ ፈረጅ ኣቐዲሞም ብሞት ዝተፈልዩ እዮም።

ጀነራል ሑመድ ካሪካረ

ምንጪ ስእሊ, @hawelti

ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኣባል ጉጅለ-15 ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝጊሄር ንልዕሊ 20 ዓመት ሃለዋቱ ኣይፍለጥን። ብዓል ሰለስተ ኮኾብን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍን ዝነበረ ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ’ውን ኣባል ጉጅለ-15 ኮይኑ ሽዑ ምስተኣስረ ተሰዊሩ ከምዝርከብ ይፍለጥ።

ኣብ ሓደ እዋን ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ዝነበረ ሜ/ጀነራል ዑመር ሓሰን (ጠዊል) ምስቲ ኣብ 2013 ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ፈተነ ዕልዋ ምንባሩ ዝግለጽ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣተዉ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብቶም ዝለዓለ መዓርግ ዝተዋህቦም ላዕለዎት መኮንናት ኤርትራ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ኮይኑ ዘሎ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስን ሓላፊ ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ሜ/ጀነራል ሮሞዳን ኣውሊያይ፡ ከምኡ'ውን ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሜ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰን ጥራይ’ዮም ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዝርከቡ።

እቲ ፈላሚ ምሉእ መዓርግ ጀነራል ዝተዋህቦን ሚኒስተር ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ንነዊሕ እዋን ዘገልገለን ስብሓት ኤፍረም’ውን ድሕሪ’ቲ ኣብ 2018 ዘጋጠሞ ክሳብ ሎሚ ዘይነጸረ መጥቃዕቲ ካብ ስራሕ ተኣልዩ ከምዝርከብ ይግለጽ።

ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ኤርትራ ድሕሪ’ቲ ኣብ 1996 ዝተዋህብዎ፡ ብዘይካ ንገለ ውሑዳት፡ መዓርግ ኣይተወሰኾምን።