እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻት ጂፒቲን ሕብረተሰብናን፡ 'ብትግርኛ ዝሰርሕ ምህዞ'
ሓበሬታ ብኣዝዩ ቅልጡፍ ፍጥነት ምልውዋጥ ኣብ ዝከኣለሉ፣ ንፍልጠት ወድሰብ ዝዳረግ ሰብሰርሖ ብልሒን ፍልጠትን ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ መድረኽ፡ ኣበይናይ ደረጃ ንቕሓት ንህሉ ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህሪያዊ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ንመላእ ዓለም ኣዘራራቢ ኰይኑ ብዛዕባ ዘሎ ሰብሰርሖ ብልሒ፡ ቻት ጂፒቲ (ChatGPT) እንታይ ንፈልጥ? ስለምንታ’ከ እዩ ክሳብ ክንድኡ ኣካታዒ ዝኸውን ዘሎ? ረብሓኡ ዶ ጉድኣቱ ይዓዝዝ?
ዝዀነ ሰብ ምስ ቴክኖሎጂን ኢንተርነትን ዝጸንሖ ምተእስሳር ይዅን ፍልጠት እናማዕበሎ ምስ ዘይከይድ ማዕረ ማዕረ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለ ምስጓም ከጸግሞ ከም ዝኽእል እዩ ዝግመት።
ቢቢሲ ኣብዚ ዛዕባ'ዚ ብምትኳር ክፍላይ ተወልደብርሃን ዝተባህለ ክኢላ እዚ ዓውዲ ዝዀነ ኤርትራዊ ኣዘራሪቡ'ሎ።
እዚ ብልሒ'ዚ ብትግርኛ ከም ዝሰርሕ ንምግባር፡ ሓያለ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ሞያውያን፡ በብመገዶም ነናይ ገዛእ ርእሶም ጻዕሪታት ይገብሩ ከምዘለዉ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም፤ ሓደ ካብኦም ክፍላይ ተወልደ መድህን እዩ።
ክፍላይ፡ ኣብ ሊልዮድ ባንክ ለንደን ከም ሶፍትዌር ኢንጅነር ዝሰርሕ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ብጾቱ ቋንቛ ትግርኛ ኣብ ጉግል ክኣቱ ዝገበረ፡ ሕጂ ድማ ብትግርኛ ዝሰርሕ ቻት ጂፒቲ ናብ ህዝቢ ከቕርብ ኣብ ምሽብሻብ ዝርከብ ሞያዊ እዩ።
ንሱ ንሰብሰርሖ ብልሒ ክገልጾ እንከሎ፡ "ብልሒ ዋላ'ኳ ብዙሕ ኣገላልጻ እንተሃለዎ ብሓፈሻ ግን ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ብዓይንኻ ተዓዚብካ ወይ ካብ ሕሉፍ ዝነበረ ድዩ ኣብታ ህሞት ዘሎ ብምስማዕ ወይ ብምድህሳስ ከተስተውዕል እንከለኻ እዩ፡" ይብል።
ብቐንዱ፡ ንዘለዉ ሽግራት ይዅን ኣብ ከባቢኻ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ነገራት ኣፍልጦ ሂብካ ውሳነታት ምሕላፍ ምዃኑ የረድእ።
ብልሒ ብኢድካ ዝጭበጥ ነገር ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ሰብ ዝርከብ ባዮሎጂያዊ ንብሎ ኣብ ማሽን ክኣቱ እንከሎ ድማ ማሽን ኢንተሊጀንስ ወይ ሰብሰርሖ ብልሒ ንብሎ፡ ብምባል የረድእ።
እዚ ሰብሰርሖ ብልሒ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ንዅሉ ተጠቃሚ ተኸፊቱ።
ኣብ ሕዳር 2022 ዝጀመረ ቻትጂፒቲ ኣብ ሓደ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተጠቀምቲ ከም ዝነበሮ ወናኒ እቲ ኩባንያ ኦፐን ኤኣይ ኣብቲ እዋን ገሊጹ ነይሩ።
እዚ እንብሎ ዘሎና ሰብ ሰርሖብልሒ፡ ኣብዚ ግዜ ኵሉ ዓይነት ሕቶታት ብብቕዓት ኣብ ምምላስ ይርከብ ። ከምኡ ናይ ባዕሉ ጥቕምታትን ኣሉታዊ ጐድንታታትን ድማ ኣለዎ።
ምኽንያቱ እቲ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ምንጪ ሓበሬታ ምዃኑን ዘይተኣደነ ፍልጠት ድማ መምዩ ምሃቡ ብዓይኒ ቍጠባ ግዜን ኣሳልጦ ዕዮታትን ብእወታ ይርአ።
ብኻልእ መዳይ፡ እቲ ዝህቦ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ተኸዚኑ ካብ ዝጸንሐ ዳታ ወይ ምንጪ ኣዋህሊሉ ዝህበካ ብምዃኑ ምናልባት እቲ ሓበሬታ 100 ካብ 100 ቅኑዕ ወይ ሓቂ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ።
ብዘይካኡ’ውን ኣብ ኢንተርነት ብዙሕ ዝዓይነቱ ሓበሬታ ብምህላዉ፡ ባህልን ክብርታትን ሕብረተሰብና ዘይቅበሎ ወይ'ውን ጽዩፍ ዝዀነ ትሕዝቶ'ውን ክቕርበልካ ከምዝኽእል፡ ክፍላይ የዘኻኽር።
ብዙሕ ሰብ፡ ንትምህርታዊ ይዅን ዝተፈላለየ ሓበሬታ ንምምእራር ንጐግል፡ ኢንሳይክሎፐድያ ዝኣመሰሉ መኽዘን ሓበሬታ ክጥቀም ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።
እዚ ሓድሽ ሰብሰርሖ ብልሒ’ኸ እንታይ’ዩ ፍሉይነቱ?
ክፍላይ ብዛዕባ'ዚ እንከረድእ፡ እቲ ፍልልይ ኣብ ኢንሳይክሎፐድያ፡ ጎግል ሰርች ወዘተ... ዝዀነ ሕቶ ምስ እትሓትት፡ ዝተፈላለዩ ምንጪታት እዩ ዘቕርበልካ፡ ካብኡ ንስኻ ኢኻ ዘድልየካ ሓበሬታ ናብ ነፍሲ ወከፍ ምንጪ ኣቲኻ ብምንባብ ዘዘድልየካ ትወስድ፡ ይብል።
ወሲኹ፡ ቻት ጂፒቲ ግን ንዅሉ እቲ ምንጪታት ዝህቦ ሓበሬታ ብምርኣይ እዚኣ መልሲ እያ ነዛ ሕቶ ብቕዕቲ ብምባል ጽማቝን ቅርጡውን ሓበሬታ ይህበካ፡ ብምባል የረድእ።
ልክዕነት ሓበሬታ’ኸ?
ቻት ጂፒቲ ብሓፈሻ ኵሉ ዝህቦ ሓበሬታ ካብ ኢንተርነት ስለዝወስድ፣ ብዛዕባቲ ሕቶኻ እኹል ሓበሬታ ምስ ዘይህሉ፡ ወይ ካብ ሓደ ክልተ ዘይበዝሕ ምንጪታት ምስዝኸውን፡ ወይ እውን እቲ ኣትዩ ዝጸንሐ ሓበሬታ ግጉይ ምስ ዝኸውን፡ ንዓኻ እውን ካብኡ ወሲዱ ክህበካ ተኽእሎ ኣለዎ፣ ኢሉ ክፍላይ የረድእ።
ምኽንያቱ፡ ንሱ ንዝረኽቦ ሓበሬታታት ንምምማይ ኣዝዩ ቅልጡፍ ምዃኑ ዘይከሓድ'ኳ እንተዀነ፡ ንሱ ዝፈጥሮ ሓበሬታ ግን የለንን፡ ይብል።
ብተወሳኺ፡ ጽፉፍ መልሲ ንምርካብ ኣቐዲሙ እቲ ሕቶ ቅርጡው ክኸውን እንተኽኢሉ፡ ናብቲ እተደልዮ መልሲ ዝቐንዐ ሓበሬታ ኣብ ምርካብ ወሳኒ ምዃኑ እቲ በዓል ሞያ የብርህ።
“በዚ ዘለዎ ዓቕሚ ብልሒ ብኣሃዛዊ ቅማረታት ዝተሰነየ ሕቶ ይዅን ኮዲን ምስ ዝሕተት፡ ኣዕጋቢ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ምናልባት ዘይነጸረ ነገር ምስ እትዕዘብ፡ ካብቲ ዝሃበካ ምላሽ ደጊምካ እዚ ማለት እንታይ እዩ ክትብሎ፡ ወይ ምስቲ ዝጸንሓካ ፍልጠት ብምንጽጻር ርትዓዊ ሓሳብ ክትወስድ ይከኣል እዩ፡" ብምባል ከኣ ንኣጠቓቕማኡ የረድእ።
ቻት ጂፒቲ፡ ተመሃሮ ብዘያግባቡ ይጥቀምሉን፡ ንስርዓተ ምስትምሃር ኣብ ፈተና ኣውዲቕዎ ከም ዘሎን ካብቲ ዝቐርብ ዘሎ ስክፍታታት እዩ።
ክፍላይ፡ "ኣብዚ ግዜ'ዚ ማዕረ ናይ ዩኒቨርስቲ ተምሃሮ ፈተናኦም ብኡኡ ይምልስዎ ኣለዉ፡" ኢሉ ብምጥቃስ፡ "እዚ ሕጂ ዘሎ 2ይ ቅዳሕ (ቨርጅን) ብምዃኑ ኣብ ቀረባ መጻኢ ብዝተዓጻጸፈ ከምዝምዕብል ኣየጠራጥርን እዩ፡ “ ብምባል እቲ ተኽእሎ እናዓበየን እናሰፍሐን ክኸይድ ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብ ተመሃሮ ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ጽልዋ?
“ብርግጽ ኣዝዩ ኣስጋኢ እዩ። ምናልባት ሕጂ እኳ እንተዘኰነ ኣዝዩ እናማዕበለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ፡ ሰባት ነቲ ባዮሎጂያዊ ብልሖም ሓዲጐም ኣብቲ ሰብሰርሖ እናተጸግዑ ስለዝኸዱ፡ ዳርጋ እቲ ምሕሳብ እናጠፍአ ክኸይድ እዩ፡" ይብል።
ነገራት ኣክንዲ ባዕልኻ ትሰርሖ፡ ነቲ ማሽን ስርሓለይ ትብሎ ስለዘለለኻ መወዳእታኡ ሂወትና በቲ ማሽን ከይምራሕ ስግኣቱ ይገልጽ።
ኰይኑ ግን ኣብዚ ዘመን እዚ "ኣብ ኣፍደገና በጺሑ ብምህላዉ ዝግበር የለን፡ " ብምባል ክፍላይ ነቲ ዘሎ ሰብሰርሖ ብልሒ ኣብ ረብሓና ከነውዕሎ ከም ዝግባእ የተሓሳስብ።
"ነቲ ዘይትፈልጦ መፍለጢ ነቲ ዝጸንሓካ ኸኣ መደንፍዒን መማዐበልን ክትገብሮ ዝከኣል እዩ፡" ይብል።
ብመንጽር ረብሓ ሕብረተሰብና እንክግምገም?
ክፍላይ፡ ቻት ጂፒቲ ወይ ሰብሰርሖ ብልሒ፡ ብዙሕ ረብሓት ስለዘለዎ ንሕብረተሰብና ጠቓሚ እዩ ዝብል ርእይቶ ከም ዘለዎ የቐምጥ።
"ምክንያቱ ብመጠን እቲ እንረኽቦ ሓበሬታ ኵላትና ፍልጠት ብምዕጣቅ ንኣዎንታዊ ነገር ምስ እንጥቀመሉ፡ ከም ማሕበረሰብ ክሳብ ክንድምንታይ ተረባሕቲን ኣድማዕትን ክንከውን ከም ንኽእል ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን፡" ይብል።
እንተዀነ፡ ኩሉ ንጽቡቕ ጥራይ ክጥቀመሉ እዩ ክንብል ስለይንኽእል ድማ ሃስያኡ ኣብ ግምት ክኣቱ ከም ዘለዎ የዘኻኽር ።
"ብቋንቛ ትግርኛ ኣብ ኢንተርነት ዝጸንሕ ምንጪ ውሱን ክኸውን ስለዝኽእል፡ ምስ ምምጻእ ቻት ጂፒቲ ብዝተዓጻጸፈ ተጠቃምነቱ ስለዝበዝሕ ንምማዕባሉን ምህብታሙን'ውን ዓቢ ተራ ኣለዎ።”
ብርግጽ ሰብሰርሖ ብልሒ ዘይተኣደነ ጥቕምታት'ኳ እንተሃለዎ፡ ሽቕለት ኣልቦነት ከየስዕብ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
ስርሓት፡ ብሮቦት ይዅን ማሽን ክዕመሙ እንተጀሚሮም፡ ሚልዮናት ሰባት ዕድል ስራሕ ክስእኑ ይኽእሉ እዮም። ገለ ሰብ ሞያ ናይቲ ዓውዲ እውን ነዚ ሕጂ ዘሎ ምቅይያራት ተክኖሎጂ ምስ እዋን ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ የመሳስልዎ።
ነዚ ኣመልኪቱ ክፍላይ “ሓቂ እዩ ብዙሕ ዓይነታት ስራሕ ክቕየር እንከሎ፡ ብዙሕ ሞያታት'ውን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክኸውን እዩ ። ብዙሕ ምስቲ ዘሎ ዝኸይድ ሓደስቲ ስራሕ'ውን ክተኣታቶ እዩ፡" ብምባል፡ "ኣነ ግን ከምሰብ እንታይ እየ ዝብል ፡ ብዝተኻእለ መጠን ገዛእ ርእስና ኣብ ምምዕባል ምስቲ ግዜ ዝኸይድ ትምህርቲታት ኣብ ምውሳድን ክንሰንፍ የብልናን፡" ክብል ምኽሩ ይልግስ።
" በዓል ጐጉል እውን፡ ብዙሕ ነጻ ትምህርትታት ይህቡ ኣለዉ።"
ብተወሳኺ ኤኣይ ዝተሰርሑ፡ ብዙሓት ነጻ መለማመዲታት እውን ስለዘለዉ፡ ገዛእ ርእስኻ ምስቲ ምዕባለታት ምልላይ፡ ኣብቲ ዝመጸ ስርሓት ተወዳዳሪ ምዃን ከም ዝከኣል፡ የዘኻኽር።
ኣብዚ ግዜዚ ብዙሓት መንእሰያት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ዩጋንዳ፡ ኬንያን ካልኦትን ተሰዲዶም ናብ ሳልሳይ ሃገር ንኽሰጋገሩ ኣብ ሰንፈላልነት ዝነብሩ፣ ገለ ውሒዳት ድማ ብኣዝዩ ትሑት ማሃያ ተቘጺሮም ክሰርሑ ይረኣዩ።
ይዅን እምበር ብፍላይ እቶም ብሰንኪ ስደት ካብ ትምህርትን ስራሕን ሓዲግ ተሪፎም ዘለዉ መንእሰያት፡ ነዚ ዘሎ ዘመነ ቴክኖሎጂ ብንቕሓት ተገንዚቦም፡ ነቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ፡ ብቐሊሉ ዝረኽብዎ ኢንተርነት ንዘሎ ዕድላት ምስ ዝጥቀምሉ ዓቢ መኽሰብ ከም ዘሎ የዘኻኽር።
“ከም AI free courses፡ Linked in፡ Googol search..ወዘተ ዝኣመሰላ ብነጻ ትምህርቲ ዝህባ ኣካላት ስለዘለዋ፡ እንተተረኺቡ ድማ ብቐጥታ ካብ ሰብ ሞያ ክምሃሩ ምመዓድኩ። ንሕና እውን ነቶም ጠቕምቲ ዝኸውን ሊንክታት ኣብ ምውዳድ ንጽዕት ኣሎና፡" ይብል ክፍላይ።
ኣብዚ ግዜ እዚ መብዛሕቱኡ እቲ መተግበሪ ቻት ጅፒቲ ብ ቛንቋ እንግሊዝ እዩ ዘሎ።
ግናኸ ብእትመልኮ ናይ ገዛእ ርእስኻ ቋንቛ ንጹር ሕቶ ምሕታት ዓሟቝ መልሲ ኣብ ምርካብ ወሳኒ ተራ ስለዝጻወት፡ "ነዛ ብቛንቋ ትግርኛ እትሰርሕ መተግበሪት ኣማዕቢልና ኣብ ቀረባ ግዜ ክንዝርግሓ ኣብ ምሽብሻብ ንርከብ፡" ድሕሪ ምባል፡ "እዚ ኸኣ ነቲ ሕጽረት ቋንቋ እንግሊዝ ዘለዎ ተዛራቢ ቋንቋ ትግርኛ ብፍላይ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ፡” ብምባል ንዕላማ'ቲ ሒዞምዎ ዘለዉ ፕሮጀክት የብርህ።
ሕጽረት፡ ንቻት ጂፒቲ ዝኸውን መወከሲታት ትግርኛ ኣብ ኢንተርነት?
“ብትግርኛ ዝተጻሕፈ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ውሱን እዩ፡" ዝብል ክፍላይ፡ ኰይኑ ግን እናሰፍሐ ንክኸይድ ብሓፈሻ ኣበርክቶ ሕብረተሰብ ወሳኒ ምዃኑ ይዘካኽር። እናሃብተመ ክኸይድ፡ ኵሉ ተዛራቢ ትግርኛ ኣብቲ ጐግል ትራንስሌት ከይዱ ክሳተፍ፡ ክኢላታት ድማ ኣብቲ ዊከፐድያ ከይዶም ብዙሕ ዓንቀጻት ክጽሕፉ የተባብዕ።
"ኣብዚ ግዜዚ ብዙሕ እናማዕበለ ይኸይድ'ኳ እንተሃለወ ምስ ግዜ ግን ዝያዳ ክህብትም እምንቶና እዩ“ ይብል።
ኣብ መወዳእታ ክፍላይ፡ ሕብረተሰብና ነቲ ድሮ ጀሚሩ ዘሎ ጽልዋታት ተክኖሎጂ ዝብድሃሉ መገዲ፡ ገዛእ ርእስኻ ምምዕባልን ምስ ግዜ ዝከይድ ፍልጠት ምዕጣቕን፡ ምስ ለውጢን ምዕባለን ተክኖሎጂ ማዐረ ማዐረ ምኻድ ምዃኑ ይገልጽ።
ኵሉ ሰብ ኣብ ኵሉ ዋኒናቱ፡ ተረባሒ እቲ ዘሎ ቅልጡፍ ምዕባለታትን ፍልጠንትን ክኸውን ተላብዩ፤ "ኣብዘን ሒደት ሳምታት እታ ብትግርኛ ትሰርሕ ቻትጂፒቲ ናብ ህዝቢ ክትዝርጋሕ እያ፡" ክብል ክፍላይ ተወልደብርሃን ኣፍሊጡ።