ሊባኖሳዊ ላዕለዋይ መራሒ ሃይማኖት 'ሶርያውያን ስደተኛታት ይሰጎጉ' ምባሉ የዘራርብ ኣሎ

Published

ላዕለዋይ መራሒ ሃይማኖት ሊባኖስ፡ ንበዓል ፋሲጋ ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ ሃይማኖታዊ መልእኽቲ፡ ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ሶርያውያን ስደተኛታት ካብ ሃገርና ይውጽኡ ምባሉ ንብዙሓት የዘራርብ ኣሎ።

ፓትሪያርክ ባቻር ባውትሮስ ኣል ራይ፡ ሶርያውያን ስደተኛታት ካብ ሊባኖስ ክስጎጉ ኣለዎም ምባሉ ንብዙሓት ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣቘጢዑ ኣሎ።

እቲ ሃይማኖታዊ መራሒ ኣብ ሊባኖስ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ሶርያውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ብምሕባር፡ “ንጸጋታት እዛ ሃገር የንቅጽዎ ኣለዉ” ብምባል’ዩ ክስጎጕ ኣለዎም ኢሉ።

‘ሶርያን ኔትዎርክ ፎር ሁማን ራይትስ’ ዝተበሃለ ጕጅለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ መራሒ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ እቶም ብሰንኪ ኵናት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ንዅሉ ሕሰም ተቓሊዖም ዘለዉ ሶርያውያን ስደተኛታት ኣመልኪቱ ‘ዘነድር’ ዘረባ ምዝራቡ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መራሒ ሃይማኖት ዘለዎ ቍጥዐ ገሊጹ ኣሎ።

ሊባኖስ ብፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ትሕመስ ዘላ ሃገር’ያ።

ባጤራ እታ ሃገር ናይ ምግዛእ ዓቕሙ መሬት ዘቢጡ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር ንኽቱር ድኽነት ተቓሊዖም ይርከቡ። ብዘይካ’ዚ ኣብታ ሃገር መሰረታዊ ሕጽረት መድሃኒታት ሰማይ’ዩ ዓሪጉ ዘሎ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊባኖስ ብወግዒ ዝተመዝገቡ 820 ሽሕ ሶርያውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝገልጽ'ኳ እንተዀነ ነቶም ዘይተመዝገቡ ስደተኛታት ሓዊስካ እቲ ቍጽሪ 1.5 ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል ዝገልጽ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

ሚልዮናት ሶርያውያን ብሰንኪ እቲ ንልዕሊ 12 ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሓድሕድ ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ከምዝተሰደዱ’ዩ ዝግለጽ። ሓንቲ ካብተን መርገጺ እግሮም ከኣ እታ ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሊባኖስ’ያ።

ፓትሪያርክ ባቻር ባውትሮስ ኣል ራይ፡ ኣብቲ ንሃይማኖታዊ በዓል ፋሲጋ ኣመልኪቱ ሃይማኖታዊ መልእኽቲ ዘመሓላለፈሉ መደብ፡ ሶርያውያን ስደተኛታት “ማሕበራዊ ጸጥታ እታ ሃገር ሃዊኾም ከምኡ ኸኣ ምስቲ ዝብላዕ ዝሰኣነ ህዝብና ይጫረቱ ኣለዉ” ኢሉ።

ብዘይካ'ዚ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንሶርያውያን ስደተኛታት ዝያዳ ሓለፋ ብምግባር ‘ይከላኸለሎም’ዩ’ ብምባል፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሊባኖስ ዝፈጥርዎ ዘለዉ ቁጠባዊ ጸቕጢ ዕሽሽ ይበሃል ኣሎ ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ።

እቲ መራሒ ሃይማኖት ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “ናብ ሃገሮም ንኽምለሱን ኣብኡ እግሪ ንኽተኽሉን ክሕግዞም ኣለዎ” ኢሉ።

ፓትሪያርክ ባቻር ባውትሮስ ኣል ራይ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ፍሊስጤማውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ክስጎጉ ጸዊዑ ምንባሩ ይዝከር።

ዳይረክተር ‘ሶርያን ኔትዎርክ ፎር ሁማን ራይትስ’ ፋድል ዓብዱል ቓኒ ንመደበር ተለቪዥን ዓረቢ-21 ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ዓለምለኻውያን ማሕበራት ወሃብቲ ረድኤት ከምዝመሓደሩ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ሊባኖስ ዝገብረሎም ድጐማን ረድኤት ከምዘየሎ ጠቒሱ፡ ኣብ ልዕሊ ጻውዒት እቲ መራሒ ሃይማኖት ዘለዎ ተቓውሞ ኣስሚዑ።

መንግስቲ ሊባኖስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቶም ኣብ ሃገሩ ዘለዉ ሶርያውያን ስደተኛታት ናብ ሶርያ ናይ ምምላስ መደብ ከምዘለዎ ኣብ ዝገለጸሉ፡ ሕቡራት ሃገራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ሶርያ ነቶም ተሰዲዶም ዘለዉ ስደተኛታት ውሕስቲ ከምዘይኮነት ብምግላጽ ንመደብ መንግስቲ ሊባኖስ ዘለዎ ተቓውሞ ኣስሚዑ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።