ኣብ ትሕቲ ሶፋ ዝተረኽበ ኑዛዜ ውርሲ ሚልዮናት ዶላር

Published

ዳያኑ ሚቺጋን ድሕሪ ሞት ኮኸብ ድምጻዊት ኣሬታ ፍራንክሊን ኣብ 2014 ኣብ ትሕቲ ሶፋኣ ዝተረኽበ ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ኑዛዜ ሃብቲ ሓቀኛ ምዃኑ ወሲኖም።

እቲ ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ፍርዲ፡ ደቂ እታ ኮኾብ ደራፊት ኣብ ክልተ ብኢድ ዝተጻሕፉ ቅዳሓት ኑዛዜ ክገብርዎ ንዝጸንሐ ክትዕ መዕለቢ ገይሩሉ ኣሎ።

ጠበቓታት ናይቶም ክልተ ደቃ፡ እቲ ብፍርቂ ወገን ዝብጽሖም ሓዎም ቴድ ዋይት "መሰል ውርሲ ከሕድጐም ከም ዝደሊ" ኣፍሊጦም ነይሮም።

ትማሊ ሰሉስ ዝወዓለ መጋባእያ ፍርዲ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ እታ ስድራቤት ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሐ ሕጋዊ ክትዕ መዕለቢ ውሳነ ከምዝሃበሉ ተፈሊጡ።

ፍራንክሊን ኣብ ነሓሰ 2018 ብመንሽሮ ጸላም ከብዲ ክትመውት እንከላ ነቲ ብግምት 6 ሚልዮን ዶላር ዝግመት መንበሪ ገዛ፡ ጥረ ገንዘብ፡ ወርቃዊ ቅዳሓትን ክባር ዲኖታትን መሰል ቅዳሕ ሙዚቃኣ ዝምልከት ኑዛዜ ከምዘየዳለወት እዩ ዝእመን ነይሩ።

ግን ከኣ ድሕሪ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጓል ሓፍታ ዝኾነትን ኣብቲ እዋን'ቲ ፈጻሚት ናይቲ ርስቲ ዝነበረትን ሳብሪና ኦወንስ፡ ኣብ ዲትሮይት ኣብ ዝርከብ ገዛ እታ ደራፊት ክልተ ዝተፈላለዩ ብኢድ ዝተጻሕፉ ሰነዳት ረኺባ።

እቲ ሓደ ቅዳሕ ብዕለት ሰነ 2010 ዝተጻሕፈ ኰይኑ ኣብ ውሽጢ ዝተዓጽወ ተሰሓቢ ናይ ጠረጴዛ ምስ ውዕላት ስራሕ ሙዚቃን ካልእ ሰነዳትን ተረኺቡ።

ካልእ ሓድሽ ቅዳሕ ድማ ኣብ መጋቢት 2014፡ ዝተጽሓፈ ክኸውን ከሎ ኣብ ውሽጢ ደብተር ኣብ ትሕቲ ሶፋ ተዓቢጡ ተረኺቡ።

ኣብ ከተማ ፖንቲያክ ዝርከቡ ሽዱሽተ ሰብሞያ ከኣ እቲ ዳሕረዋይ ኑዛዜ ሓቀኛ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምውሳን ሓላፍነት ተዋሂብዎም። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ ድማ ውሳነ ክህቡ ክኢሎም።

ኣብቲ ክትዕ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ሰነዳት ዘሎ ፍልልያት እቶም ኣርባዕተ ደቃ እንታይ ከም ዝወርሱ ንጹር ዘይምዃኑ እዩ።

ብመሰረት እቲ ሕጂ ቅኑዕ ተባሂሉ ውሳነ ዝተወሃበሉ ኑዛዜ እቶም ሰለስተ ኣወዳት ደቃ ንናይ ሙዚቃ ዋንነትን ኣብ ባንክ ዘሎ ገንዘብን ብማዕረ ክክማቐሉ እንከለዉ፡ እቲ ዝነኣሰ ወዳ ኬካልፍን ደቂ ደቁን ድማ ቀንዲ መንበሪ ኣደኡ ዝነበረን 1.2 ሚልዮን ዶላር ዝግመትን መንበሪ ገዛ ክወርሱ እዮም።

ኬካልፍን ኤድዋርድ ካልእ ወዳን እቲ ሓድሽ ሰነድ ንዕላማ ናይቲ ቀዳማይ ሰነድ ከም ዝስርዞ ክምጕቱ እንከለዉ፡ እቲ ብሓደ ወገን ጥራይ ዝብጽሖም ሓዎም ቴድ ግን ከምኡ ከም ዘይኮነ ይካታዕ።

ኬካልፍ ኣደኡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሶፋ ኮፍ ኢልካ ምስራሕ ከም እተዘውትር ብምግላጽ እቲ ኑዛዜ ኣብኡ ምርካቡ "ዘገርም ስምዒት ከምዘይፈጠረሉ" መስኪሩ።

ብሰሉስ ኣብ ዝነበረ መዛዚሚ ክትዕ ከኣ ጠበቓኡ፡ ኵነታት ርኽበት ናይቲ ኑዛዜ "ሳዕቤን ዘይብሉ" ምዃኑ ተማጒቱ።

"ኑዛዜኻ ኣዳሊኻ ኣብ ክሽነ ክትገድፎ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድሌትካ'ዩ" ይብል ቻርለስ ማክከልቪን።

ኑዛዜ ውርስን ጸለምትን

መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ካብ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ኑዛዜ ኣየዳልዉን እዮም። እዚ ድማ ብኸፊል ንዘመናት ኣብ ስርዓተ ሕጊ ኣመሪካ ካብ ዝነበሮም ዘይምትእምማንን ምስ ምውራስ ንብረት ጸለምቲ ዝተሓሓዝ ስክፍታታት ስለዘለዎም እዩ።

ወረስቲ ካልኦት ከም በዓል ፕሪንስን ጀምስ ብራውንን ዝበሉ ፍሉጣት ሙዚቀኛታት ኣብ ጉዳይ ርስቶም ዝነበረ ምትፍናን ንምፍታሕ ሓያሎ ዓመታት እዩ ወሲዱ።

ኣሬታ ፍራንክሊን ኣብ ዝሞተትሉ እዋን፡ ሃብታ 80 ሚልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ ይግመት ነይሩ። እንተዀነ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ምምዛን ዋጋታትን ንሓያሎ ዓመታት ዘይተኸፍለ ግብሪን ነቲ መጠን ኣዝዩ ኣጉዲልዎ።