ሩስያ፡ ብሰንኪ ዘይተፈንጀረ ቦምባ ኣሽሓት ካብ መንበሪኦም ክወጹ ተገዲዶም

እቲ ናይ ሓሙስ ፍንጀራ ኣብ ብዙሓት ህንጻታት ዕንወት ኣውሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ናይ ሓሙስ ፍንጀራ ኣብ ብዙሓት ህንጻታት ዕንወት ኣውሪዱ
Published

ኣብ ሩስያ ኣብ ከተማ ቤልጎሮድ ዘይተፈንጀረ ነታጒ ድሕሪ ምርካቡ ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ከም ዝወጹ ተገሊጹ።

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ሱኮይ-34 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ ብጌጋ ኣብታ ከተማ ቦምባ ብምድርባይ ኣባይቲ ዓንዮም፡ ሓያሎ ሰባት’ውን ከም ዝቖሰሉ ይዝከር።

እቲ ትማሊ ቀዳም ዝተረኽበ ቦምባ ካብዛ ነፋሪት ዝመጸ ምዃኑ ኣይተፈልጠን።

እታ ከተማ፡ ካብ ዶብ ዩክረይን ኣስታት 40 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ እያ።

ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ፡ ቭያቸስላቭ ግላድኮቭ፡ "ኣብ ውሽጢ 200 ሜትሮ ራድየስ" ኣብ ዝርከቡ 17 ህንጻታት ኣፓርታማታት ሰባት ከይኣትዉ ከም ዝተኸልከሉን፡ እዚ ድማ ን3000 ነበርቲ ከም ዝጸለዎምን ኣብ ቴሌግራም ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ድሒሩ፡ እቲ 'ቁምብላ' ምስ ተኣለየ፡ ሰባት ናብ ገዝኦም ክምለሱ ከም ዝጀመሩ ሓቢሩ።

እቲ ዘይተፈንጀረ ቦምባ፡ ኣብቲ ብሓሙስ ምሸት ብጌጋ ቦምባ ዝተደርበየሉን ኣስታት 20 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ዓቢ ጕድጓድ ዝተፈጠረሉን ቦታ ዝተረኸበ እዩ።

እቲ ፍንጀራ ኣዝዩ ሓያል ብምንባሩ፡ ሓንቲ መኪና ኣብ ናሕሲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ድኳን ክሰቕላ ክኢሉ’ዩ።

ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ሓንቲ ካብተን ሱ-34 ዝበሃላ ነፈርቲ ውግእ፡ "ብጌጋ ኣጽዋር ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ከም ዝፈንጀረት" ኣሚኑ።

ስእሊ ናይ ጸጥታ ካሜራ ወይ ሲሲቲቪ፡ ሓደ ነገር ኣብ ጥቓ መካይን ዝርከብኦ መስቀላዊ መንገዲ ክዓልብን ድሕሪ ኣስታት 18 ካልኢታት ድማ ክፍንጀርን ዘርኢ እዩ።

ኣብ ሩስያ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን፤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ሱኮይ ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ - ሽዑ'ውን ሱ-34 - ኣብ ከተማ የይስክ ሩስያ ተሓምሺሻ ብውሕዱ 13 ሰባት ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።

ነፋሪት ሩስያ፡ ናብ ዩክሬን ኣብ ዝኸዳሉ እዋን ኣብ ልዕሊ እታ 370 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ቤልጎሮድ ብቐጻሊ ይነፍራ እየን።

ቤልጎሮድ ካብታ ካልአይቲ ከተማ ዩክረይን ዝዀነት ካርኪቭ ንሰሜን ቁሩብ ርሒቓ እትርከብ ኰይና፡ ዝሓለፈ ዓመት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ድሕሪ ምፍጻማ፡ በብእዋኑ መጥቃዕቲ ዩክረይን ክወርዳ ጸኒሑ’ዩ።