ፖሊስ ዓባይ ብሪጣንያ “ብጌጋ ቀቲለዮ” ናይ ዝበሎ ሶማልያዊ ቤተሰብ ይቕረታ ሓቲቱ

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብገበን ቅትለት ተኸሲሱ ብጌጋ ፍርዱ ዝተቐበለ ሶማልያዊ ኣቦ፡ ምስ ተቐተለ ድሕሪ 70 ዓመታት ፖሊስ ይቕረታ ሓቲቱ።
ዜግነት ዓባይ ብሪጣንያን ሶማሊያን ዝነበሮ መሓሙድ ማታን ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ካርዲፍ ድኳን ንዝነበራ ሊሊ ቮልፖርት ቀቲልካ ብዝብል ክሲ ኣብ 1952 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ብስቕለት ተቐቲሉ።
እቲ ውልቀ ሰብ ሰራሕተኛ ሓይሊ ባሕሪ ከምዝነበረ’ውን ድሕረ ባይትኡ የመላኽት።
እቲ ገበነኛ ከም ዝኾነ ዝተወሰነ ብይን ኣብ 1988 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ይግባይ ናብ ዝሰምዕ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ኮይኑ፡ ኮምሽን ገምጋሚ ጉዳያት ገበን ነቲ ውሳነ ስዒርዎ።
ፖሊስ ደቡብ ዌልስ መስርሕ ፍርዲ እቲ ግዳይ ጌጋ ከምዝነበሮ ኣሚኑ ይቕረታ ሓቲቱ።
“እዚ ከይዲ ፍርዲ ምስ እቲ ናይ ሽዑ ግዘ ዝኸይድ’ዩ። ዓሌታዉነት፣ መድልዎን ዕሙት ጽልእን ኣብ ስርዓተ ፍትሒ ገበንን መላእ ሕብረተሰብን ተስፋሕፊሑ ነይሩ” ክብል ሓላፊ ፖሊስ ጄረሚ ቮን ተዛሪቡ።
“መሓሙድ ማታን ብሰንኪ ግጉይ ክሲ ግዳይ ስእነት ፍትሒ ከም ዝነበረ ዘጠራጥር የብሉን፣ ፖሊስ ድማ ናይዚ መስርሕ ሓደ ኣካል’ዩ” ኢሉ።
እቲ ሓላፊ ፖሊስ ኣስዒቡ “ ቅድሚ 70 ዓመታት ኣብቲ ውልቀሰብ ብዝተፈጸመ ኣስካሕካሒ በደል ምኽንያት ንዝተጎድኡን ንዝተሳቐዩን ስድራቤቱ፡ ፖሊስ ወኪልና ይቕረታ ምሕታትና ልክዕ’ዩ” ክብል ኣብራህሪሁ።
በዓልቲ ቤት መሓሙድ ማታን ምስ ላዉራ ምስ ሰለስተ ደቃ ዴቪድ፣ ኦማርን ኤዲን ሽሙ ካብቲ ተኸሲስሉ ዝነበረ ገበን ቅትለን ናጻ ንኽበሃል ንኣስታት 46 ዓመታት ቃልሲ ኣካይዶም።
ኩሎም ስድራቤቱ ዝሞቱ ኮይኖም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ፖሊስ ይቕረታ ምሕታቱ ኣመልኪታ ርእይቶ ዝሃበት ካብቶም 6 ደቂ ደቁ ሓንቲ ዝኾነት ታንያ ማታን “ቅንዕና ዝጎደሎ” ክትብል ጸዊዓቶ።
“ብሰንኪ እዚ መስርሕ ፍርዲ ብቐጥታ ዝተጎድኡ ሰባት ምሳና ብዘይምህላዎም ዝደንጎየ ይቕሬታ’ዩ። ብህይወት ስለዘየለዉ ካብዚ ዓመት ንድሓር ክንሓዝን ኢና ዝብል ቃል ሰሚዕና” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
