እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሕሳብ ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ዝተቐመጠ ልዕሊ 20 ሚልዮን ዶላር ተኣጊዱ
ብስም ኢትዮጵያውያን ዲያስፖራ ተቐሚጡ ዝነበረ ልዕሊ 22 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከም ዝተኣገደ ኣገልግሎት ፋይናንሳዊ ድሕንነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ፡ ምስ እዚ ብዝተኣሳሰር ኣብ ብዙሓት ሰባት መርመራ ይካየድ ከም ዘሎ’ውን ሓቢሩ።
ኣብ ወፃኢ ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዝተጣየሸ ስርዓት ባንኪ ብዘይግቡእ መንገዲ ብምጥቃም ዝተቐመጠ 22 ሚልዮንን 226 ሽሕን ዶላር ተኣጊዱ ከም ዘሎ እዩ ተገሊፁ።
ኣገልግሎት ፋይናንሳዊ ድሕንነት ሰኑይ 18 ታሕሳስ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጹ ከም ዝገለጾ፡ ምስቲ ጉዳይ ተኣሳሲሩ ክከታተሎም ዝጸንሑ 85 ሰባት ዝተኣሰሩ ክኸውን ከሎ ጉዳዮም’ውን ናብ ገበናዊ መርመራ ተሰጋጊሩ ኣሎ።
እቲ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ባንክታት ንኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዝኽፈትን ናይ ካልኦት ሃገራት ገንዘብ ዝቕመጠሉን ናይ ዲያስፖራ ሕሳብ ብዘይግቡእ ተጠቒሞም “ሕጋዊ ስርዓት መስርሕ ብምጥሓስ ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሕ ከም ዝተዋፈሩ ግልጋሎት ፋይናንሳዊ ድሕንነት ብዘካየዶ ክትትል ከረጋግፅ” ከም ዝኸኣለ እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ።
እቲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ሕጋዊ ንኽመስል፡ ናይ ሓሶት ሰነዳትን "ናይ ምትላል ሜላታትን" ከም ዝተጠቕሙ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ሓደ ካብቶም ሜላታት ድማ፡ ናይ ሓሶት ሰነዳት ብምድላውን ምቕራብን ካብ ወጻኢ ዝተመለሱ ኣምሲሎም ናይ ወጻኢ ባጤራ ምቕማጥ ምዃኑ ጠቒሱ።
ብኻልእ ወገን ድማ ውሑድ ናይ ወጻኢ ባጤራ ሒዞም ናብታ ሃገር ብምምጻእ "ብዙሕ ናይ ወጻኢ ባጤራ ከም ዘምጽኡ ኣምሲሎም፡ ዝተረፈ ካብ ጸሊም ዕዳጋ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣኪቦም ናይ ሓሶት ሰነድ መግለጺ ብምቕራብ" ዘይሕጋዊ ተግባር ከም ዝፈጸሙ ገሊጹ።
እቲ ካልእ ሜላ ከኣ ናይ ካልእ ሰብ ሰነድ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣምሲሎም ናይ ዲያስፖራ ሕሳብ ብምጥቃም ዘይሕጋዊ ገንዘብ ሕጋዊ ከም ዝኾነ ከምስሉ ምፍታን፡ ከምኡ'ውን "ካብቲ ሕጊ ዝፈቕዶ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለያ ባንክታት ናይ ዲያስፖራ ሕሳብ ብምኽፋትን ብምጥቃምን፡ ብሓፈሻ ናይ ሓሶት ዲክላራሲዮን ብምቕራብ ገበናዊ ንጥፈታት ምፍጻሞም" ከም ዝፈለጠ ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ ኣረዲኡ።