እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓደ ፍሉጥ ሰኣላይ ንዳሉል ምስ ዓበይቲ ስራሕቱ ዘካተተሉ ምኽንያት
ሰኣላይ ኤድዋርድ በርቲንስኪ፡ ነቲ ደናኪል ዓፋር ዝርከቦም 'በሰላ ሰብ ኣብ ተፈጥሮ' ዘርእዩ ስእልታት ኣውጺኡ።
እቲ ካናዳዊ ሰኣላይ በርቲንስኪ፡ ንዝሓለፉ 40 ዓመታት ወዲ ሰብ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዘውረዶ ጉድኣት ክስነድ ጸኒሑ እዩ።
እቶም ስእልታቱ ዝተሓላለኹን ትንተና ዘድልዮምን ስነ-ጥበባዊ ስርሓት እዮም።
ስርሓት እቲ ሰኣላይ፡ ኣብታ ብጋያ ቪንስ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ 'ኖማድ ሴንቸሪ' ተኻቲቶም ኣለዉ።
ስእልታት ደናኪል ዓፋር ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳን ድማ ኣብዛ መጽሓፍ ተሓቲሞም ኣለዉ።
'ምድራዊ ሲኦል'
በርቲንስኪ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ በጺሑ ኣሎ።
“ካብ ኬንያ እየ ጀሚረ፤ ካብኡ ናብ ኢትዮጵያ ኣምሪሐ። ደሓር ከኣ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ።”
በርቲንስኪ፡ ናብ ዓፋር ኣብ ዝኸደሉ እዋን ሒዝዎ ዝነበረ ቴክኖሎጂ ነቲ ዋዒ ክጻወሮ ከም ዘይከኣለን ክሰርሓሉ ከም ዘይከኣለን ይዛረብ።
“እታ ሒዝናያ ዝነበርና ሰብ-ኣልቦ ካሜራ [ድሮን] ክትሰርሓልና ኣይከኣለትን። ምኽንያቱ 400 ሜትሮ ትሕቲ ምድሪ ስለዘለና። ናይታ መሳርሒ ጂፒኤስ፡ ‘ኣብዚ ክትህሉ የብልካን። ኣብ ትሕቲ ውቅያኖስ ኢኻ ዘለኻ’ ዝብል መልእኽቲ ኣርእያትና።”
በርቲንስኪን መሳርሕቱን ነቲ ኣንፈት ዝሕብር መሳርሒኦም ኣጥፊኦም ናብ ስራሕ ኣትዮም።
ደናኪል ዓፋር [ዲፕሬሽን] 200 ኪ.ሜ ብ 50 ኪ.ሜ ዝስፍሓቱ ምድረበዳ እዩ። ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ውዑያት ቦታታት ሓደ ኰይኑ፡ ብዙሕ ግዜ ‘ምድራዊ ሲኦል’ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
እቲ ሰኣላይ፡ ካብ 50 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ንላዕሊ ውዑይ ቦታ ከይዱ ከምዘይፈልጥ ይዛረብ።
“ምሸት ምሽት ናብ 40 ዲግሪ ሴንትግሬድ ይወርድ። እዚ’ውን ንባዕሉ ክትጻወሮ ከቢድ እዩ። ገዛ ዝበሃል ስለ ዘየለ፡ ኣብ ደገ ኢና ንሓድር ነይርና።”
እቲ ሰኣላይ ምስ ሞያውያን መሳርሕቱ፡ ኣብ ደናኪል ዓፋር ንሰለስተ መዓልታት ጸኒሑ። ወጋሕታ ኣስታት 25 ኪሎ ሜተር ተጓዒዞም ስእሊ የልዕሉ።
“ዳሉል ዝበሃል ዓሚቝ ቦታ ኣሎ። ኣብኡ ሳልፈር ከም ሓዊ እዩ ዝነድድ። ናብኡ ንምብጻሕ፡ መሳርሒታትና ሒዝና ኣብ ኣኻውሕ እናሐኾርና 1.5 ኪሎ ሜትሮ ክንጓዓዝ ነይሩና።”
በርቲንስኪ፡ ነዞም ስእልታት ንምስኣል ጸሓይ ቅድሚ ምብራቓ ወይ ኣብ ኣጋ ፀሓይ ኣራርቦ፡ ካሜራኡ ሒዙ ይወጽእ።
እዚ ማለት እኹል ዕረፍቲ ምርካብ ዳርጋ ዘይሕሰብ እዩ።
“ግን ከምዘይሕለፍ የለን፡ ኵሉ ትሰግሮ ኢኻ። ጸገም ምስ ዝገጥመኒ መፍትሒ እደሊ። እዚ ንምግባር ካባይ እንታይ ትጽቢት ይግበር?” ኢለ እየ ዝሓትት።
'ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ጽባቐን ኣፍሪቃ'
ብመሰረት እዚ ካናዳዊ ሰኣላይ፡ ኣፍሪቃ ብተፈጥሮኣዊ ሃብትን ጽባቐን ዝተዓደለት እያ።
ንኣብነት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ታንዛንያን ኬንያን ነዳዲ ተረኺቡ ኣሎ። ብዙሓት ኣብ ነዳዲ ዝሰርሑ ነዚ ዜና ምስ ሰምዑ ናብቲ ከባቢ ይመጹ ኣለዉ።
ብመሰረት እዚ፡ ብፍላይ ቻይናውያን ኩባንያታት መሰረተ ልምዓት ከንሃንጽ፡ ብዝበል መመኽነይታ፡ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ክምዝምዛ ይደልያ።
“እዚ ንቍጠባዊ ረብሓ እዮም ዝገብርዎ ዘለው” ዝብል በርቲኒስኪ፡ እዚ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዘስዕቦ ዘሎ ጸቕጢ ቀሊል ከምዘይኮነ ይዛረብ።
እቲ ሰኣላይ ናብ ሃዋሳ ገጹ ኣምሪሑ ዝተዓዘቦ ድማ ኣካፊሉ። ናብ ኢንዳስትሪ ፓርክ ኣትዩ፤ ስኢሉ ወጺኡ።
“እዘን ስእልታት ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ዘልዐልኩዎን እየን። ኣብ 200 ብ 80 ሄክታር ዝዓለበ ቁጠባዊ ዞባ እዩ”
በርቲንስ፡ ናብቲ ማእኸል ኣትዩ ኣብኡ ተሰሪሖም ዝነበሩ ህንፃታት ፋብሪካታት ርእዩ።
“እዚ ዅሉ ነገር ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እዩ ተሃኒጹ። ናብ ኢትዮጵያ ብመርከብ ተላኢኹ፡ ብባቡር ተጓዓዒዙ ክገጣጠም እንከሎ ኣብኡ ነይረ ። “
በርቲኒስኪ፡ ቻይና ኣብ ከም በዓል ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ፋብሪካታት እትሃንፅ፡ ድሕሪ ደጊም ኣብ ሃገራ ክትሰርሕ ስለዘይትኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
“እቲ ናቶም ኣየር ኮነ ማይ ተበኪሉ እዩ። ዜጋታት ቻይና 'ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ፋብሪካታት ኣይንሰርሕን ኢና' ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ" ይብል።
ስለዚ ኣብ ክንድኡ፡ ቻይና ናብ ከም ኢትዮጵያን ሰኔጋልን ዝኣመሰላ ሃገራት ብምኻድ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ብሕሱር ዋጋ ትቖጽር ከምዘላ ይገልጽ።
መብዛሕትአን ኣብዚ ዝሰርሐ ደቂኣንስትዮ ዕድሚአን 16 ወይ 17 ዓመት ምዃነን ኣስተውዒሉ።
ብተወሳኺ ናብ ናሚብያ፡ ቦትስዋናን ደቡብ ኣፍሪቃን ብምኻድ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ዘብጸሖ ዘሎ ኪሳራ ዝተዓዘቦ ብካሜራኡ ቀሪጹ ኣሎ።