ናብ ትግራይ መግብን መድሃኒትን ዛጊት ኣይኣተወን - ውድብ ጥዕና ዓለም

ቀንዲ መስመራት ረድኤት ብሰንኪ እቲ ግጭት ተዓጽዩ እዩ ጸኒሑ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቀንዲ መስመራት ረድኤት ብሰንኪ እቲ ግጭት ተዓጽዩ እዩ ጸኒሑ
Published

ኣብ ኲናት ትግራይ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ እኳ እንተተኸተመ፡ ዛጊት ዝዀነ መግቢ ይዅን መድሃኒት ናብታ ክልል ከምዘይኣተወ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ኣብታ 90% ካብ ህዝባ ንሓደጋ ተቓሊዑ ኣብ ዘሎ ትግራይ ንጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀም ኣላ ክብል ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ዝተንቀሳቐሰ ነገር የለን” ኢሉ።

“እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ምስተገበረ፡ መግብን መድሃኒትን ብቕልጡፍ ክውሕዝ ክጅምር ትጽቢት ነይሩኒ። እዚ ግን ይኸውን የለን።”

ሰባት ብጥምየትን ከፍወሱ ብዝኽእሉ ሕማማትን ይሞቱ ከምዘለው’ውን ገሊጹ።

ተወላዲ ትግራይ ዝዀነ ዶክተር ቴድሮስ፡ ተሌፎን፡ ባንክን ካልእ መሰረታዊ ኣገልግሎታት’ውን ኣብታ ክልል ዳግም ክጅምር ጸዊዑ።

ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ንኽልተ ዓመታት “ዳርጋ ከምዘየለው” ካብ ካልእ ዓለም ተነጺሎም ምህላዎም ተዛሪቡ።

ሓደ ኢትዮጵያዊ በዓል ስልጣን ግን፡ ዶክተር ቴድሮስ ነቲ ስምምዕ ሰላም የነኣእሶ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ መግብን መድሃኒትን ናብ ትግራይ ይኣቱ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ኣገልግሎታት ኤለክትሪክን ተሌፎን ከምዝተመለሰ’ውን ተዛሪቡ።

ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተወሊዑ ዳርጋ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተገበረ ስምምዕ ከብቅዕ ተስፋታት ሰላም ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብዚ ሰሙን ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ክልቲኡ ወገናት ዕጥቂ ምፍታሕ ብዝምልከት ኣብ ናይሮቢ ተራኺቦም ዝርርብ የካይዱ ኣለው።