እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕንጸይቲ ተሰኪሙ ንኣዲኡ ክብሪ ዝሃበ ኢትዮጲያዊ፡ ገዛን ስራሕን ረኺቡ
ኤፍሬም በለጠ ዝተባህለ ኢትዮጲያዊ መንእሰይ፡ ኣብ መዓልቲ መመረቕታኡ፡ ነታ ዕንጸይቲ እናሸጠት ንኸተዕብዮ ብዙሕ ዝተሸገረት ኣደኡ፡ ንጻዕራ ክብሪ ንምሃብ፡ ክዳን ምረቓኡ ንዓኣ ኣልቢሱ፡ ንባዕሉ ዕንጸይቲ ክሽከም ተራእዩ።
ብዝገበሮ ፍሉይ ተግባር ኣቓልቦ ስሒቡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከዛርብ ዝቐነየ መንእሰይ ኤፍሬም፡ ዕድል ስራሕን ክልተ መደቀሲ ዝኽፍሉ መንበሪ ገዛን ተበርኪትሉ።
ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብኮምፒተር ሳይንስ ዝተመረቐ ኤፍሬም በለጠ፡ ኣብ ልዕሊ ኣደኡ ዘለዎ ክብሪ ንምርኣይ ዝወሰዶ ተበግሶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብዙሕ ሰብ ክዘራረበሉ ተራእዩ።
ኤፍሬም ምስ ተመረቐ፡ ብቐጥታ መመረቒ ክዳኑ - ጋውን - ብምውጻእ ንኣደኡ ኣልቢሱዋ፤ ነቲ ተሸኪማቶ ዝነበረት ዕንጨይቲ ተቐቢልዋ።
እዚ ምስ ገበረ ኣደኡ ክትነብዕ’ያ ተራእያ። ኤፍሬም ነቲ ንብዓት ኣደኡ፡ “ንብዓት ሓጐስ’ዩ” ብምባል’ዩ ገሊጽዎ።
ኣስዒቡ፡ “እዚ፡ ነቲ ጸዕሪ ኣደይ ዋጋ ንምሃብ ዝገበርክዎ’ዩ፡ እዚ ናተይ ህይወት ከኣ ናይ ሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ህይወት’ዩ” ኢሉ።
ኤፍሬም፡ ትማሊ ሰኑይ ካብ ኤጄንሲ ጸጥታ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያ [ኢንሳ] ዕድል ስራሕ’ኳ እንተቐረበሉ፡ ንሱ ግን፡ ንመንእሰያት ኢትዮጵያ ክጠቅም ዝኽእል ካልእ ሓሳብ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ነቲ ዕድል ስራሕ ኣይተቐበሎን።
ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዳነች ኣበቤ ብወገና ንኣደ ኤፍሬም ስራሕ ክትህባ እንከላ፡ ነቶም ስድራ ዝኸውን ክልተ መደቀሲኡ መንበሪ ገዛ ኣበርኪታትሎም።
ኤፍሬም፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣደኡ ዘለዎ ክብሪ ንምግላጽ ዝገበሮ ተግባር፡ ንብዙሓት መንስእሰያት ኢትዮጵያ ትምህርቲ ክኸውን ከምዝኽእል'ዩ ዝገልጽ።