ኣመሪካ፡ ንእስራኤል ኣጽዋር ምልኣኽ ደው ኣቢላ

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/Shutterstock
ኣመሪካ: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ራፋሕ ዝጀመረቶ ዓቢ ናይ ምድራዊ ስርሒት ስክፍታ ስለዝፈጠረላ፡ ኣጽዋር ምልኣኽ ደው ከምዘበለት ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር እታ ሃገር ገሊጹ።
እቲ ጽዕነት 907 ኪሎ ግራም ቦምባታትን፡ 1700 500 ፓውንድ ዝምዘን ካልእ ዓይነት ቦምባታትን ዝሓቘፈ ምዃኑ እቲ በዓል ስልጣን፡ ኣብ ኣመሪካ መሻርኽቲ ሚድያ ቢቢሲ ንዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ ገሊጹ።
እስራኤል ብዛዕባ ሰብኣዊ ኵነታት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ራፋሕ ንዘሎ ስክፍታታት ኣመሪካ፡ "ምሉእ ብምሉእ ምላሽ ኣይሃበትሉን" ይብል እቲ ስሙ ዘይተገልጸ በዓል ስልጣን።
"ኣብ ራፋሕ ክውዕል ዝኽእል ፍሉይ ኣጽዋር ናብ እስራኤል ንምስግጋር ዝቐረበ ሓሳብ ብጥንቃቐ ክንምርምሮ ጀሚርና። እዚ ኣብ ሚያዝያ እዩ ጀሚሩ።"
እስራኤል ዝዀነ ርእይቶ ኣይሃበትን።
ብታንክታት ዝድገፉ ሓይልታት እስራኤል፡ ነቲ ኣብ ዶብ ግብጺ ዝርከብ ቀንዲ መሳገሪ ራፋሕ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ኣካይዶም።
ብፍላይ ኣብ ከባቢ ራፋሕ ዝተፈጸመ ጽዕጹዕ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣሰካፊ ኰይኑ ጸኒሑ።
ሓካይም እቲ ከባቢ፡ ኣብ ሓደ ናይ ለይቲ መጥቃዕቲ 7 ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ከምዝተቐትሉ ይዛረቡ።
ራፋሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ቀንዲ መእተዊት ረድኤት ኰይና፡ ከውጽኡ ንዝደለዩ ሰባት ድማ እንኮ መውጽኢ ኰይና ጸኒሓ እያ።
ብሰኑይ ሰራዊት እስራኤል ቅድሚ እቲ "ውሱን" ዝበሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ምክያዱ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሲቪላት ናብቲ ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ምብራቓዊ ክፋል ክወጽኡ ኣዚዙ ነይሩ።
"መርገጺ ኣመሪካ፡ እስራኤል ኣብታ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካልእ ዝኸድዎ ቦታ ዘይብሎም ተዓቚቦም ኣብ ዘለዉሉ ራፋሕ ዓቢ ምድራዊ ስርሒት ክትገብር የብላን ዝብል እዩ ነይሩ" ክብል እቲ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ዋይት ሃውስ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ተዅሲ ደው ንምባል ዝግበር ጻዕርታት ዝርርብ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ ካይሮ ካብ እስራኤልን ሓማስን ዝመጹ ልኡኻት ብሽምግልና ኣቢሎም ዳግማይ ድርድር ክጅምሩ እዮም።
እቲ በዓል ስልጣን፡ እቲ ዝተኸልከለ ጽዕነት ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተገብረ ፍሉይ ዝዀነ ናይ 17 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ፓኬጅ ዝተኣሳሰር ከምዘይኰነ፤ እንተዀነ ካብ "ቅድሚ ሕጂ ዝተመደበ ገንዘብ" ከምዝተረኽበ ኣስሚሩሉ።
እስራኤል፡ ነቲ ጕጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል ዝፈጸሞ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ንምፍሻል ወተሃደራዊ ወፍሪ ጀሚራ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 34,780 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ሓቢሩ።
እስራኤል 128 ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ዛጊድ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥን፡ ካብዚኦም እቶም 34 ሞይቶም ተባሂሎም ከምዝግመቱን ገሊጻ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
