ዩክረይን፡ ነጋዶ ቃፍላይ ጽዕነት ወፈያታት የብጽሑ

ክልተ ብሪጣንያውያን ነጋዶ ኣብ ዩክረይን ብሰንኪ ኲናት ተሃስዮም ናብ ዝጸንሑ ሰባት ቃፍላይ ጽዕነት ወፈያታት የብጽሑ ኣለዉ።
ማይክ ራችን ካርል ፐምበርተንን ዝረኸብዎ ደገፍ "ኣዝዩ ልዑል" ምንባሩ ገሊጾም።
እዞም ክልተ ሰባት ፈለማ ሓንቲ ንእሽቶ መኪና ዝመልእ ወፈያታት ክእክቡ መደብ ነይርዎም፡ ሕጂ ግን ክልተ ዓበይቲ መካይን ጽዕነት እዮም ሒዞም ዝኸዱ ዘለዉ።
ማይክ ራች፡ ሰባት ዘቕረብዎ መጠን “ወፈያ፡ ፍቕርን ደገፍን ሓገዝን” ከምዘይተጸበዮ ገሊጹ።
መጻምድቱ ዝዀነት ካተሪና ሴራኖቫ መበቈላ ካብ ዩክረይን ኰይኑ፡ ስድራቤታ ዘጋጠሞም ሓደጋታት ሕጂ’ውን ከምዘሎ ገሊጻ።
"እቲ ዝዓበየ ህንጻ ዕዳጋ ብቦምባ ተደብዲቡ’ዩ - ኣብዚ እዋን የለን" ትብል።
"ኬድካ ክትሕባእ እትኽእለሉ ውሑስ ቦታታት ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ።"

ራችን ፐምበርተንን፡ እቲ ኲናት ኣብ ምሉእ ክረምቲ እኳ እንተቐጸለ፡ ንዩክረይን ዝግበር ወፈያታት ይዝሕትል ከምዘሎ ስክፍታ ነይርዎም።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እትገብሮ መጥቃዕቲ ቀጺላ ኣላ፤ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንቲ ኣብ ልዕሊ ከተማታት ዩክረይን ተካይዶ ደብዳብ ነፈርቲ ኣሐይላቶ’ያ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ክልተ ሚሳይላት ሩስያ ኣብ ካርኪቭ ንዝርከብ ሆቴል ብምውቃዖም 11 ሰባት ከምዝቘሰሉ ይዝከር።
ኵነታት ኣየር እውን ጽልዋ የሕድር ኣሎ፤ ብ12 ጥሪ ኣብ ኪቭ ኣብ ሓደ ለይቲ ሙቐት ናብ -11 ዲግሪ ሰልሽየስ ወሪዱ ነይሩ።
እዚ ማለት ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ሓገዝ የድሊ ማለት እዩ ይብል ኣካያዲ ዳይረክተር ስቶክተን ኣክቲቭ ቻርተርድ ፋይናንሻል ፕላነርስ ዝዀነ ፐምበርተን።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብቲ ሸነኽ ዘሎ ኵነታት ኣየር ኣዝዩ ዘስካሕክሕ'ዩ፡ ኣዝዩ ቁሪ ዝበዝሖ'ዩ" ኢሉ።
"ነቲ ጽንኩር ክረምቲ ንኽሓልፉ ዝሕግዝ ኮቦርታ፡ ክዳውንቲ፡ መግቢ ክንሰድድ ንኽእል ኢና።"
"ኵሉ ነገር ክሕግዝ ይኽእል’ዩ" ይብል።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
