መበል 128 ዓወት ዓድዋ ኣብ ሓድሽ ቤተ መዘክር ዓድዋ ተጸንቢሉ

Published

ታሪኻዊ መዓልቲ ዓወት ዓድዋ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዛዘመን ዝተመረቐን ቤተ መዘክር፡ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብድምቀት ተኸቢሩ።

እዚ መበል 128 ዓመት ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ፡ ኣብ ማእከላይ ፒያዛ ኣብ ቅድሚ ሓወልቲ ሃጸይ ሚኒሊክ ኣብ ዝተሃነጸ ገዚፍ ቤተ መዘክር ክኽበር ሎምዘበን ንፈለማ እዩ።

ኣብቲ ብርክት ዝበሉ ሰበስልጣን፡ ዲፕሎማሰኛታትን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኸቡሉ ጽንብል፡ ምርኢት ወተሃደራዊ ሰልፊ’ውን ተኻይዱ።

እዚ በዓል፡ ኣብታ ቀንዲ ታሪኻዊት ከተማ ዓድዋ’ውን ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴን ሰበስልጣን ክልል ትግራይን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ተጸንቢሉ እዩ።

ስነስርዓት ጽንብል ዝክረ-ዓወት ዓድዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝምልከት ከኣ፡ ኣብ ገጽ ማሕበራዊ ሜድያ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኽበ ኣሳእል ድማ እነሆ፤