ጐስጓስ ድሕነት ኣከባቢ ዘበገሰት ብልጽቲ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, NASA
ዓለምና 'ዓለምለኸ መዓልቲ ኣከባቢ' ከተኽብር ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ። ነዚ ካብ 1973 ኣትሒዙ ኵልሻዕ 5 ሰነ ዝኽበር በዓልን ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ዝተኸበረ 'መዓልቲ ዓለም'ን ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ሓንቲ ድማ እዛ ታሪኻዊት ስእሊ እያ።
ኣብ ዋዜማ ልደት 1968 ሰራሕተኛታት ኣፖሎ 8 ኣብ ዙርያ ወርሒ ክዞሩ እንከለዉ መስተንክር ምርኢት ስኢሎም፤ ካብ ልዕሊ ወርሓዊ ኣድማስ እትረአ ብብርሃን እተንጸባርቕ መሬት።
እቶም ጠፈርተኛታት ናሳ በቲ ዝረኣይዎ ኣዝዮም ተገሪሞም ነይሮም።
"ኣምላኸይ! ተመልከት! ምድሪ ትወጽእ ኣላ። ዋይ ክትጽብቕ!" ቢል ኣንደርስ እናጨደረ ንብጻዩ ጠፈርተኛ ጂም ሎቨል ነጊርዎ። "ሕብራዊ ፊልም ኣለካ’ዶ ጂም? ሓደ ኣቐብለኒ፡ ቀልጥፍ!"
"ጽብቕቲ ስእሊ'ያ" በለ ሎቨል ነቲ ሻተር ጠዊቝ ነታ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ዓለምና ፍሉጣት ዝዀኑ ኣሳ'እል እናሰኣለ።
እታ ምስሊ ‘አርዝራይዝ’ ተባሂላ ተሰምያ።
ካብ ጠፈር ዝተሳእለት ፈላመይቲ ሕብራዊ ስእሊ መሬትን እያ፤ ብቕልጡፍ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሓ።
እታ ስእሊ፡ ዓለማዊ ምንቅስቓስ ከባቢ ዝደረኸት ኰይና፡ ኣብ 1970 ዓመታዊ ንጥፈትን ንቕሓትን ከባቢ ዘስፋሕፍሕ ዓመታዊ መደብ መዓልቲ መሬት ንምፍጣር ምኽንያት ከም ዝዀነት ብሰፊሑ ይንገር።
ድሕሪ ልዕሊ 50 ዓመታት፡ ኤርዝራይዝ፡ ሓንቲ ካብቶም ክሳዕ ሕጂ ዝተሳእሉ ኣዝዮም ፍሉጣት ምልክታት ኣከባብያዊ ስእልታት ኰይና ትቕጽል ኣላ።
"ፍጹም ዝዀነት ስእሊ'ያ" ይብል ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ሮያል ፎቶግራፊክ ሶሳይቲ ዳይረክተር መደባት ማይክል ፕሪትቻርድ።
"ብሓቂ ጽቡቕ ጌራ ክትባዛሕ እትኽእል ሕብራዊን ጽቡቕ ልዑል ‘ሪዞሉሽን’ ዘለዋን ስእሊ እያ፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣረኣእያ መሬት ዝሃበት ነይራ።"
"ንምድሪ ካብ ጠፈር ብንጹር ኣርእያ'ያ፡ ብተወሳኺ ግን ቅድሚ ሕጂ ብዘይረኣናዮ ኵነታት'ውን ክንርእያ ኣኽኢላትና" ይብል።
"ምድሪ ኣብ ጠፈር ኣዝያ ተቓላዒት ዝዀነት ክቢ ምዃና ርኢና ኢና።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መወዳእታ 1960ታት፡ ኣረኣእያታትን ጐስጓሳትን ኣከባቢ ኣብ መላእ ኣመሪካን ኤውሮጳን ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ነይሩ።
‘ፍሬንድስ ኦቭ ዘ አርዝ’ን ‘ግሪንፒስ’ን ዝተበሃላ ጉጅለታት ኣከባቢ፡ ኣብ 1969ን 1971ን ዝተመስረታ እየን። መንግስቲ ኣመሪካ ድማ ኣብ 1970 ኤጀንሲ ሓለዋ ከባቢ መስሪቱ እዩ።
ጠፈርተኛታት ኣፖሎ 8፡ ንኤርዝራይዝ ምስ ስኣሉ ድሕሪ ዓሰርተ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ኣብቲ ንፈለማ እዋን ዝተጸንበለ መዓልቲ መሬት፡ ኣብ መላእ ኣመሪካ 20 ሚልዮን ሰባት ናብ ጎደናታት ወጺኦም ዕንወት ኣከባቢ ዝምልከት ተቓውሞ ኣስሚዖም።
ፕረዚደንት ኔትዎርክ መዓልቲ መሬት ካትሊን ሮጀርስ፡ እታ ኤርዝራይዝ ዝተበሃለት ስእሊ፡ ሰባት ኣብ ንጥፈታት ኣከባቢ ክሳተፉ ኣብ ምትብባዕ ዓቢ ተራ ከም ዝተጻወተት ትዛረብ።
ወሲኻ፡ "መዓልቲ መሬት ኣበጊሳ፡ ሕጂ ቢልዮን ሰባት ኣብ መዓልቲ መሬት ይሳተፉ ኣለዉ። ኣብ መላእ ዓለም ኣከባብያዊ ምንቅስቓስ ፈጢራ እያ" ይብል።
ኣብ 1970 ንመዓልቲ መሬት ዝተዳለዉ ፖስተራት ኵሎም ስእሊ አርዝራይዝ ዝሓዙ ከም ዝነበሩ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ መዓልቲ መሬት፡ ሰባት፡ ዳህሳስ ህዋ ክሳብ ክንደይ ፍሉያት ምዃንና ኣዝዩ ከም ዘነጸረ ብዝምልከት ይዛረቡ ነይሮም ትብል ትሊን ሮጀርስ።
"እታ ስእሊ ምስ ተዘርግሐት፡ ኣባላት ኮንግረስን መራሕቲ ዓለምን ኵሎም፡ ብዛዕባ መሬት ክሳብ ክንደይ ተቓላዒት ምዃና ክዛረቡ ጀሚሮም። አርዝራይዝ ኣብቲ ዓቢ ጸልማት ኣድማስ ፍሉይነት መሬት ኣጕሊሓ፡ ፕላነትና ክሳብ ክንደይ ረሳሕ ምዃና ዝገልጽ ሓሳብ ድማ ናብ ገዛውቲ ሚልዮናት ሰባት ክኣቱ ኣኽኢላ።"
ፕሪትቻርድ እውን፡ ከም ስእሊ ኤርዝራይዝ ዝኣመሰሉ ምስልታት "ካብ ኣሽሓት ገጻት ዘለዎም ጸብጻባት" ትካላት ኣከባቢ ኣዝዩ ከም ዝዛይድ ክገልጹ ከም ዝኽእሉ ይዛረብ።
"መሬት፡ ብቐጻሊ ካብኣ ክንወስድ እንኽእል ነገር ከም ዘይኰነት፡ ክንዕቅባ ከም ዘለና [ኣጕሊሓ]" ይብል። "እዚ እዩ እቲ ሓቀኛ ሓይልን ኣገዳስነትን ኤርዝራይዝ... ንሰነዳትን ወረቓቕትን ብዝሰግር መንገዲ ኣብ ሓደ ምስሊ ጥራይ ክንድዚ ዝኣክል ሓበሬታ ክጠቓልል ክኢላ’ያ።"
ብሰንኪ እቲ ታሪኻን ሓያል መልእኽታን፡ ስእሊ ኤርዝራይዝ ንቕሓት ኣከባቢ ምብራኽ ትቕጽል ኣላ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
