እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሃገረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያናት ኤርትራ፡ ንኵናት ኮኒኖም
መንበረ ጵጵስና ቀኖናዊ ሃገረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያናት ኤርትራ፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ መሪር ኲናት ክብቕዕ ጸዊዖም።
እቲ ትማሊ 02 ጥቅምት 2022 ዝወጽአ፡ ንኵናት ዝኹንን መግለጺ፡ “ኣብ መንጎ እዞም ኣብ ክልተ ሃገራት ዝነብሩ፡ . . . ካብ ሓንቲ መኣዲ ዝበልዑን ካብ ሓንቲ ጽዋዕ ዝሰተዩን [ቤተክርስትያን] ደቀይ እትብሎም ውሉዳ፥ ብሰይፍን ኩናትን ክጣፍኡን ክሃልቁን ምርኣይ መሪር ሓዘን እዩ” ይብል።
ብምቕጻል እቲ ጽሑፍ፡ ኣብዚ ኵናት እዚ ህጻናት ኣቦታቶም ስኢኖም ክዝኽትሙ፡ ጎራዙት ሰብኡተን ሞይቶመን ጸጕረን ክድርመማ፡ ኣዴታት ክቕንዘዋን ክቑዝማን ኣቦታት ብጓሂ ክኹርመዩ፡ ማእሶም ብንብዓት ክጥልቅን ምርኣይ ንቤተ ከርስቲያን ከቢድ ጓሂ ምዃኑ ይገልጽ።
እታ ቤተ ክርስትያን ውግእ ቀታል ሰባት ብምዃኑ ደው ክብል ከምዘለዎ’ውን ተማሕጺና።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብቒዑ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዳግም ኲናት ከምዝተወለዐ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለውን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ከም ዘሎን ይግለጽ።
እዚ ኲናት፡ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ንኽልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንምሽምጋል ኣዋርሕ ዝወሰዱ ጻዕርታት'ኳ እንተተገብሩ፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ደው ከብል ዘኽእል ውጽኢት ግን ኣይተረኽበን።
መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ መዝነቶም ድሕሪ ምውራዶም ነቲ ሰኔዶስ ብምቕዋም ኣብ 2005 ካብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ተፈንጪሉ ዝኸይድ ዘሎ እዩ።
እታ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ኲናት እንታይ ኢላ
እቲ መንበረ ጵጵስና እዚ ኩናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኵናት ብህጹጽ ደው ክብልን እቶም ሰብ ጉዳይ ሽግሮም ብዘተን ልዝብን ክፈትሕዎ ጸዊዑ ምንባሩ ብምግላጽ ሕጂ እውን፡ እዚ ደጊሙ ዝተወልዐ፡ ሰብ ዘጽንት ዘሎ ከቢድ ውግእ ኣብ ዝሓጸረእዋን ደው ክብል ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ።
ብሰንኪ እዚ ኲናት፡ ኣብ ልዕሲ ሰላማውያንን ንጹሃት አሕዋት ህዝብታትን ዝወርድ ዘሎ ሞትን መከራን ብትሪ ብምኹናን፡ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዝወርድ ዘሎ ጥፍኣትን ስቓይን መሪር ጓህን ሓዘንን ከምዝሰመዓ ገሊጻ።
ኣብቲ ኲናት ዝተወልዖ ዞባ ሰላምን ቅንሳነትን ንኽሰፍን ድማ ናይ ሰሙን ጾምን ጸሎትን ግዜ ኣዊጃ።
ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ከምዝርከብ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።