ሃለዋቱ ጠፊኡ ዝነበረ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዮሃንስ ኪዳነ ሞይቱ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Social Media
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከም ዝጠፍአ ክንገር ዝጸንሐ ኤርትራዊ ዮሃንስ ኪዳነ፡ ሞይቱ ከም ዝተረኽበ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ኣቃሊሐን።
እቲ ወዲ 22 ዓመት ኣብ ነትፍሊክስ ከም ሶፍትዌር ኢንጂነር ስራሕ ዝጀመረ መንእሰይ ዮሃንስ፡ ኣብ ሳንሆዘ ካብ ዝርከብ መንበሪ ቤቱ፡ ብ 14 ነሓሰ ኡበር ታኽሲ ጸዊዑ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ብድሕሪኡ ከምዘይተራእየን፡ 'ኣብዚ ኣተወ' ከይተባህለ ተሸሪቡ ከም ዝጸንሐን ይፍለጥ።
ፖሊስ እቲ ከባቢ ከም ዝሓበሮ፡ ብ 29 ነሓሰ ትንፋስ ዘይነበሮ ሓደ ሰብ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳንፍራንሲስኮ ኣብ ዝርከብ ቀላይ ከንሳፍፍ ተረኺቡ፤ ብዝተገብረ መርመራ ድማ ዮሃንስ ምዃኑ ተረጋጊጹ፡ ይብል።
ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ መርመራ፡ ናብቲ ቐላይ ብምጥሓል ዝሰዓበ መጕዳእቲ፡ ቀንዲ ጠንቂ ሞቱ ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ ኣማውታኡ ርእሰ-ቕትለት እዩ ክብል ፖሊስ ይገልጽ።
ዮሃንስ ኪዳነ፡ ኣብዚ ዓመት ካብ ኮርነል ዩኒቨርሲቲ ብዓውዲ ምህንድስና ዝተመረቐ ኰይኑ፡ ኣብ ፈለማ ነሓሰ ኣብቲ ፍሉጥ ትካል ፈነወ ፊልም ዝዀነ ትካል ነትፍሊክስ ስራሕ ጀሚሩ፤ ገዛ ተኻርዩ ሓድሽ ሂወት ከምዘጀመረ ይፍለጥ።
ንሱ፡ ሓድሽ ስራሕን ናብራን ድሕሪ ምጅማሩ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን - ብ 14 ነሓሰ - ከምዝጠፍአ ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ተሌፎኑን ማሕፉዳኡን ኣብ ከባቢ ጎልደን-ጌት ዝተባህለ ድልድል ተረኺቡ እዩ።
ረቡዕ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ፖሊስ ከም ዘመልክቶ፡ ፈለማ ከባቢ ሰዓት 11፡41 ንግሆ ሓበሬታ ዝህብ ጻውዒት ድሕሪ ምምጽኡ፡ መርመርቲ ድማ ምስቶም ነቲ ሬሳ ዝሰሓቡ ኣባላት ሓለዋ ባሕሪ ናብቲ ቦታ ተላኢኾም፤ ከም ዝሞተ ኣረጋጊጾም።
እቲ ሬሳ ብሰንኪ ዝነበሮ ፊዝዮሎጂያዊ ኵነታት ንምብርባሩ ዝተገብረ ፈተነ ከምዘይነበረ ድማ ተገሊጹ።
'እቲ ኣካላት ንነዊሕ እዋን ኣብ ከባቢ ማይ ስለዝተቓልዐአመና በስቢሱ ከም ዝተረኽበ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ የነጽር።
በዚ ምኽንያት’ዚ ኸኣ፡ እቲ ሬሳ መንነቱ ክፍለጥ ስለዘይከኣለ፡ ብፖሊስን መርመርቲ ሬሳን ተወሳኺ መርመራ የድልዮ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ብ31 ነሓሰ መንነት እቲ ሬሳ ዮሃንስ ኪዳነ ምዃኑ ተረጋጊጹ። ከም ዝተረኽበን ከምዝሞተን ድማ ንቐረባ ኣዝማዱ ብቕልጡፍ ተሓቢርዎም።
ጠንቂ ሞት ዮሃንስ ንምንጻር ብ1 መስከረም መርመራ ሬሳ ተኻይዱ፤ እቲ ቀንዲ ኣበርክቶ ዝገብረ ረቛሒ ምስ ምጥሓል ዝሰዓበ መጕዳእቲ ምዃኑ ተረጋጊጹ።
ጉዳይ መንእሰይ ዮሃንስ ንኤርትራውያንን ኣሜሪካውያንን ኣሻቒልዎም ጸኒሑ እዩ። ደሃዩ ዝሰኣኑ ስድራቤቱ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ቀሪቦም ኣዳልዩና ክብሉ ጸኒሖም እዮም።
ስድራቤቱ፡ 'ኣዝዩ በሊሕ፡ ልዑል ውጽኢት ዝመዝገበ ውልቀሰብ፡ ካብ ገዛእ ርእሱ ልዑል ትጽቢት ዘለዎ' ብምባል ክገልጽዎ ጸኒሖም።
'ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮርነል እውን ኣብ ልዑል ውጽኢት ከም ዝነበሮ' ገሊጾም።
ኣዕሩኽቱ ብወገኖም፡ ቅድሚ ምጥፋኡ ዝነበሮ ኣእምሮኣዊ ኩነታት 'ከም ወትሩ ንቡር' ክብሉ ከም ዝገለጹዎ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ሓቢረን።
ሓደ ካብ ኣዕሩኽቱ፡ ‘ርእሰ ጕድኣት ንዕኡ ዝደፍእ ምኽንያታት ዘሎ ኣይመስለንን፡ 'ምኽንያቱ ኵነታት ስድራኡ፡ ኣዕሩኽቱ ስርሑ ኵሉ ጽቡቕን ንቡርን እዩ ነይሩ፡” ብምባል ናብቲ ፍጻመ ዝደፍኦ ነገር ክርድኦ ከም ዝጽገም ሓቢሩ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

