ሱዳን ኣብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ግዝኣታ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጃ

Published

ሰበስልጣን ሱዳን ‘ብሉ ኒል’ ኣብ ዝብሃል ግዝኣት ብዘጋጠመ ጎንፂ ቀቢላታት ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ምሟቶም ኣብ ሰዓታት ምሸት ኣዋጅ እቶ እቶ ኣዊጆም።

ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳወብ ግዝኣት ብሉ ኒል፡ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ንመዓልታት ድሕሪ ዘጋጠመ ጎንጺ፡ 31 ሰባት ብምሟቶም፡ እቲ ኣዋጅ ከምዝተኣወጀ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ሓደ ሓረስታይ ምስተቐተለ ዝተወልዐ ግጭት ኣካላት ፀጥታ ኣብ ሞንጎ ኣትዮም ቅድሚ ምቁፅፃሮም፡ ናብ ሓያሎ ከባቢታት ከምዝተዘርገሐ ምምሕዳር ግዝኣት ብሉ ኒል ዘውፀኦ መግለፂ ኣመልኪቱ።

ብዘይካ እቶም ዝሞቱ ሰባት ካልኦት 39 ሰባት ከምዝቖሰሉን 16 ሹቓት ከምዝዓነዉን እቲ ምምሕዳር ወሲኹ ገሊፁ። ነዚ ስዒቡ ኣብ ከተማታት ዳማዚን ሮዛሳይሪስን ኣብ ሰዓታት ምሸት እቶ እቶ ተኣዊጁ ኣሎ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ንወኪል ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዘይተዋፈሩሎም ብዙሓት ከባብታት እቲ ግዝኣት፡ ትማሊ ቀዳም’ውን ኣብ መንጎ ቀቢላታት ጎንጺ ከምዝቐጸለ ሓቢሮም።

ማሕበር ዶካትር ሱዳን ነቲ ክስተት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብቀዳም’ውን ጉድኣት ዝበጽሖም ተወሰኽቲ ሰባት ናብ ሆስፒታላት ዳማዚን ሮሳይሪስን ይመጹ ከምዝነበሩ የመልክት።

ብተወሳኺ እቶም ሆስፒታላት እኹል ናውቲ ሕክምና ስለዘይብሎም ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ደገፍ ክገብርን ነቶም ዝተጎድኡ ሰባት ብነፋሪት ናብ ካልኦት ቦታታት ክወስድን እቲ ማሕበር ሓቲቱ።

ኣብ መንጎ እቶም ዓመጽቲ ጉጅለታት ቅድሚ ክልተ ዓመት ሃገራዊ ስምምዕ ሰላም እንተተፈረመ’ኳ፡ ሓሓሊፉ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕርን ምዕራብ ዳርፉርን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ግዝኣታት ሱዳን ተመሳሰልቲ ግጭታት ክረኣዩ ፀኒሖም’ዮም።

ንኣሽቱ ዓመፅቲ ጉጅለታት ነቲ ስምምዕ ሰላም ክፍርሙ እንከለዉ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኮርዶፋን ሎሚ ግጭት ኣብ ዘጋጠመሉ ግዝኣትን ዝንቀሳቐስ ኣብታ ሃገር ዝሓየለ ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ሰሜን ሱዳን ግን ነቲ ስምምዕ ኣይፈረመን።

ጸብጻብ ኤኤፍፒ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ሎሚ ምኽንያት ሞት ብዙሓት ሰባት ዝኾነ ግጭት፡ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ሃውሳን በርቲን ዝተፈጠረ ናይ መሬት ይግብኣኒ ዘይምርድዳእ ዝሰዓበ እዩ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን ኣብታ ግዝኣት ዝካየድ ዘሎ ግጭት ደው ኢሉ ምርግጋእ ክፍጠር ይጽውዑ እኳ እንተሃለዉ፡ እቲ ብጀነራል ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ግን ዛጊት ብዛዕባ’ቲ ግጭት ዝበሎ ነገር የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣብታ ሃገር ናይ ጸጥታ ክፍተት ከምዘሎ ዘመልክት ኤኤፍፒ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ መሬት ይግብኣኒ ብዝብል ሕቶ ከምኡ’ውን ብሰንኪ ጥሪት (ሃብቲ እንስሳት)፡ ማይን መግብን ዝውላዕ ደማዊ ግጭታት ይላባዕ ምህላዉ ጠቒሱ።

እቲ ብጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ዕልዋ መንግስቲ ብምፍፃም ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ንዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣንፃሩ ሰልፍታት ተቓውሞታት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።