እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መርበብ ሓበሬታ ‘ኢትዮጵያ ኢንሳይደር’ ቤት ጽሕፈቱ ከምዝተዘረፈ ኣፍሊጡ
ቤት ጽሕፈት ብ ሚድያን ኮምዩኒኬሽንን ሃቅ ዝውነን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዜናን ትንታነታትን ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ ዘቕርብ ‘ኢትዮጵያ ኢንሳይደር’ ከምዝተዘረፈ ተገሊጹ።
ተሓባባሪ መስራቲ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ተስፋአለም ወልደየስ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ እቲ ትካል ስርሓቱ ንምስፍሕፋሕ ዝገዝኦም ኣቝሑት ተዘሪፎም እዮም።
ነቲ ስርቂ ኣመልኪቱ እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብዝሰርሖም ጸብጻባት ከቢድ ጸቕጢ ክበጽሖ ከምዝጸንሐ ብምጥቃስ "እቲ ዘረፋ እውን መቐጸልታ ናይቶም ተደራረብቲ ጸቕጢታት እዩ ኢሉ ከምዝኣምን" ኣፍሊጡ።
ቤት ጽሕፈት እቲ ትካል ኣብ ቦሌ መድሃኔአለም፡ ሸገር ህንጻ ራብዓይ ደርቢ ከምዝርከብ ዝገልጽ ተስፋአለም፡ ሓለዋ እቲ ህንጻ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ስርቂ ዝዀነ ሓበሬታ ከምዘይነበሮም ተዛሪቡ።
ኣብቲ ህንጻ መሐለዊ ድሕነት ካሜራታት እኳ እንተሃለወ፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ሚድያን ኮምዩኒኬሽንን ሃቅ ዝርከበሉ ደርቢ ግን እቶም ካሜራታት ከምዝተበላሸዉ ተገሊጹ ኣሎ።
ቤት ጽሕፈት ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ከምዝነበሮ ተቘሊፉ ዝተረኸበ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ዝተቐመጠ ክቡራት መሳርሒታት ክፍሊ ዜና ዝሓዘ ካዝና ግን ተሰይሩን ተዘሪፉን ተረኺቡ።
ኣብቲ ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ዝተፈጸመ ዘረፋ፡ ሰለስተ ሓደስቲ ዘመናዊ ዲጂታል ካሜራታት፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ለንሳት፡ ኣርባዕተ ላፕቶፓትን ሓደ ስማርት ተሌፎንን ከምዝተሰርቍ ተስፋአለም ተዛሪቡ።
ኣብ ልዕሊ ትካላት መራኸቢ ብዙሃን ዘረፋ ክፍጽም እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን፤ ቅድም ክብል እውን ኣብ ትካላት ሚድያን ምፍራይ ፊልምን ዘረፋ ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ ኣብ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሕ ሃገር በቆል ትካል ‘ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ’ ቤት ጽሕፈቱ ከምዝተዘመተ ገሊጹ እዩ።
ወናኒ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር ዝኾነ ሚድያን ኮምኒኬሽንን ሃቅ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዘረፋ "ዝተዋደደ ከይኮነ ኣይተርፍን" ዝብል ምኽንያታዊ ጥርጣረ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ነዚ ድማ ኣብ ልዕሊ "ኣብ ኣጸጋሚ መድረኽ ሚድያ ኢትዮጵያ ብኽልተ እግሮም ደው ንምባል ፋሕተርተር ዝብሉ ዘለዉ ጀመርቲ ሚድያታትን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን" ዘጋጠሙ ከም ኣብነት ኣልዒሉ።
እቲ ዘረፋ እቲ ትካል ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ክሰርሖ ዝጸንሐ "ነጻን ዘይሻራውን፡ ልዑል ሞያዊ ስነ ምግባር ዝሓዙ ጸብጻባት" ብዝበለጸ ንምቕራብ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ኣሉታዊ ጸቕጢ ከሕድር እዩ ኢሉ።
ካብ ዝጣየሽ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ኢትዮጵያ ኢንሳይደር 13 ሰራሕተኛታት ዘለዉዎ ኮይኑ፡ ነቶም ዝተዘረፉ መሳርሕታት ኤሌክትሮኒክስን ካሜራታትን ከማልእ ብዙሕ ገንዘብን ግዜን ከምዝወደአ ተስፋአለም ወልደየስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሚድያን ኮምዩኒኬሽንን ሃቅ እውን፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ሚድያን ሲቪክ ማሕበራትን ዝበጽሕ ዘሎ ጸቕጢ መፍትሒ ክረክብ ኵሎም ዝምከልቶም ኣካላት ተራኦም ክጻወቱ ጸዊዑ።
እቲ ዘረፋ ምስተፈጸመ ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ዓሻራን ቃል እቶም ሰራሕተኛታትን ብምውሳድ ምርመራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ ኣሎ።