ቪያግራ ዝጥቀሙ ሰብኡት ንረሲዕነት ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኦም ትሑት ምዃኑ መጽናዕቲ ይእምት

መድሓኒት ዝወስድ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ከም ቪያግራ [ንስንፈተ ወሲብ ዝሕግዝ] ዝኣመሰሉ መድሃኒታት ዝወስዱ ደቂ ተባዕትዮ፡ ንሓደጋ ሕማም ኣልዛይመር - ረሲዕነት ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ከምዘጕድል ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ 260 ሽሕ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እቶም ነዚ መድሃኒት ዝወስዱ ሰባት፡ ነቲ ጠንቂ ረሲዕነት ዝፈጥር ሕማም ናይ ምምዕባል ተኽእሎኦም ብ18% ጐዲሉ።

እቶም መድሃኒታት ነዚ ውጽኢት ከም ዘስዕቡ ብዕቱብ ንምርግጋጽ ግን ዝያዳ መጽናዕቲ የድሊ ተባሂሉ።

ክልተ ሓደስቲ መድሃኒታት ኣልዛይመርስ ድማ፡ እቲ ሕማም ካብ መጀመርታ ደረጃኡ ጀሚሩ ኣብ ምዝሕሓል ዓቢ ተስፋ ከምዘለዎም ኣርእዮም።

ተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ግን፡ ሕማም ረሲዕ ብመጀመርታ ንኸይምዕብል ክከላኸሉ ወይ ከደናጉዩ ዝኽእሉ መድሃኒታት ምድላይ እውን ይቕጽሉ ኣለዉ።

መዛግብቲ ትእዛዝ ሓኪም እንታይ ይብሉ?

መድሃኒታት ቪያግራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ከም ቪያግራ ዝኣመሰሉ መድሃኒታት ፈለማ ንልዑል ጸቕጢ ደምን ኣንጅናን [ኣብ ከባቢ ኣፍልቢ ዝፍጠር ቃንዛ] ንምፍዋስ ዝተዳለዉ እዮም።

ምስ ምዝካር እውን ዝተኣሳሰር ክኸውን ዝኽእል ናይ ዋህዮ ምልክት ዝህብ መልእኽቲ ብምስራሕ እዮም ዝሰርሑ።

ንንጥፈታት ዋህዮታት ሓንጐል ከም ዝጸልዉ እውን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ እንስሳታት ዝተገብረ መጽናዕቲ ድማ ኣብ ሓንጎል ገለ ጽልዋ ከም ዘለዎም ይሕብር።

ኣብቲ ኣብ ኒውሮሎጂ ዝተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን፡ መዛግብቲ ትእዛዝ ሓኪም ኣሽሓት ጸገም ስንፈተ ወሲብ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ብምርኣይ፡ ነቶም መድሃኒት ዝተዋህቦም ምስቶም ዘይተዋህቦም ኣነጻጺሮምዎ።

ኣብ ዝቐጸሉ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ኣብቲ መድሃኒታት ዝኣዘዘ ጕጅለ፡ ካብ 10,000 ሰብ ኣብ ዓመት፡ 8.1 ሕሙማት ኣልዛይመርስ፡ ኣብቲ ዘይወስዱ ጕጅለ ድማ 9.7 ሕሙማት ረኺቦም።

እቶም ተመራመርቲ፡ እቲ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ እቶም መድሃኒታት ንባዕሎም ንሓደጋ ሕማም ኣልዛይመርስ ይቕንሱ ከም ዝነበሩ ምሉእ ብምሉእ ዘርኢ ኣይኰነን፤ እንተኾነ ሓድሽ መንገዲ ምርምር ከመልክት ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

መሪሕ ደራሲት ዶክተር ሩት ብራውር፡ "ነዚ ርኽበታት ንምርግጋጽ፡ ብዛዕባ ክህልዎም ዝኽእል ረብሓታትን ኣገባባትን ናይዞም መድሃኒታት ዝያዳ ንምፍላጥን ምቹእ መጠን ንምፍላጥን ዝያዳ መጽናዕቲ የድሊ" ኢላ።

እቶም ተመራመርቲ፡ እቲ መድሃኒት፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀነ ጽልዋ እንተሃልይዎ ንምፍላጥ'ውን ፈተነ ከካይዱ ይደልዩ።