ኣብ ሙምባይ ዝርከብ ገዚፍ ጫካ ንምድሓን እትቃለስ ዘላ ህንዳዊት
ኣብ ሙምባይ ዝርከብ ገዚፍ ጫካ ንምድሓን እትቃለስ ዘላ ህንዳዊት
Published
ኣብ ጥቓ ሙምባይ ዝርከብ ጫካ ኣረይ፡ ካብቲ ኣብ ማእከል ኒውዮርክ ዝርከብ ፓርክ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝዓበየ ኮይኑ ኣስታት 8 ሽሕ ደቀ'ባት ዝቕመጡሉ እዩ። እንተኾነ ግን ከባቢያዊ ምምሕዳር፡ ንመስርሒ መኽዘን መገዲ ባቡር ኢሉ ነቲ ጫካ ክቑረጽ ወሲኑ ነይሩ። ፕራሚላን ካልኦት ግዱሳትን ድሕሪ ዘካየድዎ ተቛውሞ ግና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ምቑራጽ ኣግራብ ደው ክብል ኣዚዙ።



