ዝቕጽል መረጻ ብሪጣንያ መዓስ ክኸውን ይኽእል?

Published

ሪሺ ሱናክ፡ ድገፍ ባይቶ ንምርካብ ኣብዝተኻየደ ውድድር መነሓንሕቱ ዝነበሩ ፐኒ ሞርደንትን ቦሪስ ጆንሶንን ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምእላዮም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር  ብሪጣንያ ክኸውን እዩ።

ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ሊዝ ትራስ ካብ ስልጣና ካብ ትወርድ ኣትሒዞም፡ መረጻ ንኽግበር ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

ንምዃኑ ስለምንታይ እዩ ብዘይ መረጻ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ተተኪኡ ዘሎ? 

ቀጻሊ መረጻ መዓስ እዩ ክካየድ?

ኵሎም ኣባላት ባይቶ ብሪጣንያ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዘይነውሕ ግዜ እዮም ዝምረጹ።

ኣቐዲሞም መረጻ እንተዘይጸዊዖም ድማ ክሳብ ጥሪ 2025 ኣይክካየድን እዩ።

እዚ ማለት ካብቲ ኣብ ስልጣኑ ሒዙ ዘሎ ፓርላማ ንፈለማ ግዜ ካብ ዝራኸብሉን፡ (17 ታሕሳስ 2019) ነቲ ውድድር መረጻ ዘድሊ ግዜን ኣጠቓሊሉ ማለትዩ። 

ህጹጽ መረጻ መን እዩ ዝጽውዕ?

ህጹጽ መረጻ ኽካየድ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ኣብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር እዩ።

እንተዀነ ክሳብ’ዚ ቀረባ እዋን ከምኡ ኣይነበረን።

ዳግማይ ህጹጽ መረጻ ኽካየድ ናይ ምውሳን ስልጣን፡ ኣብ 2011 ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ተመንዚዑት ንባይቶ ተዋሂቡ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ’ዚ፡ ሕጊ 2/3 (ክልተ ሲሶ) ኣባላት ባይቶ እንተተሰማሚዖም ጥራይ እዩ ዝካየድ። ኰይኑ ግን ኣብ መረጻ 2019 ሰልፊ ዓቃባውያን ድሕሪ ምዕዋቶም፡ ኣብ 2022 ዘተኣታተውዎ ሓድሽ ሕጊ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ስልጣን እንከሎ ህጹጽ መረጻ ንኽግበር ናይ ምውሳን ሓይሊ ናብ ኢዱ ተመሊሱ። 

ህጹጽ መረጻ ብኸመይ ይጽዋዕ?

ቀዳማይ ሚኒስተር  ህጹጽ መረጻ ክካየድ እንተደልዩ፡ እቲ ዘሎ ፓርላማ ኣብቂዑ መረጻ ኽካየድ ምእንቲ፡ ፓርላማ ንኸፍርስ ንንጉስ ሕቶ ከቕርቡ ይግባእ።

መረጻ ምስተኣወጀ ድማ፡ ኣብ ዝስዕባ 25 መዓልታት ስራሕ፡  ማእከላት መረጻ ክቘማ ትጽቢት ይግበር። እቲ ፓርላማ ምስ ፈረሰ፡ ኣባላት ባይቶ ካብ መዝነቶም ይወርዱ፤ ምናልባት ደጊሞም ክድይቡ ምስ ዝደልዩ ግን ከም ብሓድሽ ይወዳደሩ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ህጹጽ መረጻ ክጽውዕ ይግደድ ዶ?

ብመስረት ቅዋም ‘ታ ሃገር ኣየገድድን እዩ። ኣብ መበል 20 ክፍለዘመን፡ ህጹጽ መረጻ ከይተኻየደ ቀዳሞት ሚኒስተራት ክልተ ግዜ ዝተቐየሩሉ ኣጋጣሚ ነይሩ እዩ።

ኣብ 1935 ዝተኻየደ መረጻ ስታንሊ ባልድዊን ተዓዊቱ፤ ኣብ 1937 ግን በቲ ኣብ 1940 ካብ ስልጣኑ ዝለቐቀ ነቪለ ቻምበርሊን  ተተኪኡ፡ ኣክንድኡ ድማ ዊንስተን ቸርቺል ናብ ስልጣን ደይቡ። እዚ ዅሉ ግን ካልኣይ ኲናት ዓለም ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብምንባሩ፡ ክሳብ 1945 ዝዀነ መረጻ ኣይተኻየደን።

ብተወሳኺ፡ ሰር ሄንሪ ካምፕበል-ባንነርማን ኣብ 1900 ብዝተኻየደ መረጻ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰነ ብኡንብኡ ህጹጽ መረጻ ክግበር’ኳ እንተጸውዐ፡ ቅድሚ’ቲ ኣብ 1906 ዝተገብረ መረጻ ክልተ ቀዳሞት ሚኒስተራት ተቐያይሮም ነይሮም።

ሓደስቲ ቀዳሞት ሚኒስተራት ተካእቶም ንኽረኽቡ ምርጫ ቅድሚ ግዜኡ ኽካየድ ዘይጸውዑሉ ኣጋጣሚታት እውን ነይሩ’ዩ።

ኣብ 2007 ንኣብነት፡ ጐርደን ብራውን ካብ ሰልፊ ዕዮ ንቐዳማይ ሚኒስተር ቶኒ ብሌር  ክትክኦ እንከሎ፡ ዝዀነ መረጻ ኣይተኻየደን። ቦሪስ ጆንሰን እውን ኣብ ሓምለ 2019፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ተመርጹ፤ እንተዀነ ክሳብ ታሕሳስ  ጻውዒት መረጻ ኣይገበረን። ኣብ 2016 እውን ተረሳ መይ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኰይና ነይራ ኣብ 2017 ግን ጻውዒት መረጻ ኣይገበረትን።

እዚ ዘሎ መሪሕነት ንዝቐርብ ሓሳባት ክፉት’ኳ እንተዘይኰነ፡ እዚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ንመረጻ ጻውዒት ክገብር ፖለቲካዊ ጸቕጢታት ክቐርበሉ ግድን እዩ። 

ህጹጽ ጻውዒት መረጻ ክግበርሉ ዝኸእል መገዲ ይህሉዶ ይኸውን?

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ደገፍ ረኺቡ ተኣማንነት ከረጋግጽ ኣለዎ።

ኣባላት ባይቶ ኵለን ሰልፊታት እምነቶም ከምዝጐደለ እንተኣሚሞም፡ እቲ ዘሎ ምምሕዳር ይቐጽል ዶ ኣይቐጽል ኢሎም ይውስኑ።

መራሒ ሰልፊ ዕዮ ሰር ኪያር ስታርመር ከምዚ ዓይነት እማመ እንተኣቕሪቡ፡ እቲ መንግስቲ ንኽትዕን ምድማጽን ግዜ ክሰርዕ ይግባእ።

እቲ እማመ ንኽሓልፍ፡ ብውሑዱ ሓንቲ ደገፍ ድምጺ ክረክብ ክኽእል የድሊ።

እቲ መንግስቲ ድምጺ ምስ ዝሰእን፡ ብቐጥታ ሓፈሻዊ ምርጫ ክካየድ ጻውዒት ይቐርብ።

ንጉስ እውን ናይ እሙንነት ድምጺ ክረክብ ንዝኽእል  ኣባል ባይቶ ስልጣን ከቕውም ክዕድሞ ይኸእል እዩ። ይዅን እምበር እምነት የብልናን ዝብል እማመ ንኽመሓላልፍ፡ ዓቃባውያን ኣባላት ባይቶ ንገዛእ መራሒኦም ክወርድ ምስ ዘድምጹ እዩ፤ እዚ ግን ብዙሕ ግዜ ክግበር ዘይሕሰብ እዩ።