ኪልያን ምባፐ ንምዕዳግ 259 ሚልዮን ፓውንድ ቀሪባ ዘላ ክለብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስዑድ ዓረባዊት ክለብ ኣልሂላል ንኣጥቃዓይ ፓሪስ ሴንት ጀርመን ፈረንሳን ኪልያን ምባፐ ንምዕዳግ ክብረወሰን ዓለም ዝሓዘ መጠን ገንዘብ - 259 ሚልዮን ፓውንድ - ድሕሪ ምቕራባ ነቲ ተጻዋታይ ከተዘራርብ ፍቓድ ተዋሂብዋ።
ወዲ 24 ዓመት ምባፐ፡ያብ ሊግ-1 ፈረንሳ ንኽጸንሕ ዘኽእሎ ውዕሉ ንኸብቅዕ ሓደ ዓመት ዝተርፎ ዘሎ ኰይኑ፡ ኮንትራቱ ንምሕዳስ ፍቓደኛ ከምዘይኰነ ኣፍሊጡ እዩ። በዚ ድማ ምስ ጋንታኡ ፒኤስጂ ኣብ ግጥማት ቅድመ ምድላው ናብ ጃፓን ክኸይድ ኣይተመርጸን።
ፒኤስጂ፡ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ብናጻ ናብ ዝደለዮ ጋንታ ክኸይድ ዝኽእል ተጻዋታያ፡ ኣብዚ እዋን ክትሸጦ እያ ትመርጽ።
ኣብ ምዝውዋር ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ፡ ብራዚላዊ ነይማር ኣብ 2017 ካብ ባርሴሎና ናብ ፒኤስጂ ዝተዓደገሉ 200 ሚልዮን ፓውንድ ክሳብ ሕጂ ክብረወሰን ሒዙ ዘሎ ዋጋ እዩ።
ምባፐ፡ ኣብ 2017 ካብ ሞናኮ ብ166 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ፒኤስጂ ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ዝለዓለ ዝኽፈሉ ተጻወትቲ ክኸውን ከም ዝበቕዐ ይፍለጥ።
እቲ ፈረንሳዊ ተጻዋታይ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ዓመተ ስፖርት ውዕሉ ድሕሪ ብምቅዑ ካብ ፒኤስጂ ብነጻ ክወጽእ ከም ዝሓሰበን ድሕሪ ምግላጹ፡ ክለባት ቸልሲ፡ ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ቶተንሃም፡ ኢንተር ሚላንን ባርሴሎናን ተገዳስነት ክገልጻ ጸኒሐን እየን። እንተዀነ እቲ ተጻዋታይ ናብ ሪያል ማድሪድ ክኸይድ ከም ዝመርጽ ይግመት።
በዚ መሰረት ፒኤስጂ ካብ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ብናጻ ትለቈ፡ ኣብዚ ክራማት’ዚ ንዝዀነ ካብቲ ተጻዋታይ ንዝመጽእ ምርጫታት ንምስማዕ ድልውቲ ከምዘላ ይንገር።
እንተዘይኰይኑ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ን ፒኤስጂ ክጻወት ክቕጽልን ገለ ኣታዊ ነታ ጋንታ ክገብርን፡ ዝመጽእ ዓመት ግን ብዘይ ዝዀነ ይዅን ዋጋ ናብ ሪያል ማድሪድ ክጽንበር እዩ።
ፕረዚደንት ክለብ ፒ.ኤስ.ጂ ናስር ኣልኸላይፊ፡ ኪልያን ምባፐ ነቲ ሕጂ ዘሎ ኣማራጺታት ንምፍታሕ እንተሓንጊዱ ንሓደ ዓመት ምሉእ ክምረጽ ከምዘይክእል ዝእምት ተሪር መርገጺ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። እዚ ኵነታት ድማ ነቲ ኣብ ዋንጫ ኣውሮጳ - ዩሮ 2024 - ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ ፈረንሳ ክጻወት ባህጊ ዘለዎ ተጻዋታይ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ብሩህ እዩ።
ኣልሂላል፡ ሓንቲ ካብተን ብናይ ስዑዲ ዓረብ ማዕከን ህዝባዊ ወፍሪ ዝውነና ክለባት ኰይና፡ ድሮ ንካሊዱ ኩሊባሊ፡ ቸልሲ ንሩበን ኔቨስ ድማ ካብ ዎልቭስ ኣብዚ ክራማት ኣፈሪማቶ ኣላ።
ኣገደስቲ ፍጻመታት ምባፐ
- ግንቦት 2022፡ ናብ ሪያል ማድሪድ ንምስግጋር ዝቐረበሉ ጻውዒት ነጺጕ፡ ኣብ ፒ.ኤስ.ጂ ንተወሳኺ ዓመት ናይ ምጽናሕ ኣማራጺ ዘለዎ ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ፈሪሙ።
- ታሕሳስ 2022፡ ኣብቲ ኣርጀንቲና ዋንጫ ዝዓተረትሉ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ሃትሪክ ኣመዝጊባ ሸቶ ፈረንሳ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ።
- መጋቢት 2023፡ ነቲ ጥሮታ ዝወጸ ገዲም ሓላው ልዳት ሁጎ ሎሪስ ተኪኡ፡ ሓለፍነት ሓለቓ ጋንታ ፈረንሳ ተረኪቡ።
- ሚያዝያ 2023፡ ኣብ ሂወቱ ንሻድሻይ ግዜ፡ ምስ ፒ.ኤስ.ጂ ድማ ን5ይ ግዜ ዋንጫ ሊግ 1 ፈረንሳ ጨቢጡ።
- 13 ሰነ 2023፡ ምባፐ ምስ ፒ.ኤስ.ጂ ክጸንሕ ከም ዝደሊ እንተዀነ ካብ 2024 ንላዕሊ ውዕሉ ከም ዘየናውሕ ትዊተር ጽሒፉ።
- 5 ሓምለ 2023፡ ብፕረዚደንት ፒ.ኤስ.ጂ ናስር ኣልኸላይፊ ክጸንሕ እንተዀይኑ ሓድሽ ውዕል ክፈርም ከምዘለዎ ኣተሓሳሲብዎ።
- 9 ሓምለ 2023፡ ንመጽሔት ፈረንሳ ፉትቦል ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ንፒ.ኤስ.ጂ "ከፋፋሊት" ክለብ ኢሉዋ።
- 22 ሓምለ 2023፡ ማሕበር ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ፈረንሳ፡ ፒኤስጂ ነቲ ተጻዋታይ ኣብ ቅድመ ውድድር እዚ ዓመት ካብ ጋንታ ወጻኢ ብምግባራ "ሞራላዊ ምግፋዕ" ድሕሪ ምባል፡ ሕጋዊ ስጕምቲ ክወስድ ከምዝኽእል ገሊጹ።
- 24 ሓምለ 2023፡ ስዑዲ ዓረባዊት ክለብ ኣልሂላል ንምባፐ ንምዕዳግ 259 ሚልዮን ፓውንድ ከም ዝቐረበት ኣፍሊጣ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
