ንጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝምልከት ትምህርቲ ታሪኽ ኣብ ግዝኣት ፍሎሪዳ ከይወሃብ ተኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰበስልጣን ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣመሪካ፡ ንተማሃሮ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብዛዕባ ታሪኽ ጸሊምቲ ኣመሪካውያን ዝወሃብ ትምህርቲ ከይጅመር ኣጊዶም።
ብመሰረት ምምሕዳር ሮን ደሳንቶስ፡ እቲ ዝቐረበ ስርዓተ ትምህርቲ "ትኽክል ዘይኮነን ምስ ሕጊ ፍሎሪዳ ዝጻረርን" እዩ።
እቲ ትምህርቲ ኣብ መላእ ኣመሪካ ኣብ ዝርከባ 60 ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ብፈተነ ይካየድ ኣሎ።
ክፍሊ ትምህርቲ ፍሎሪዳ፡ ናብ ቦርድ ኮሌጅ ኣመሪካ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ነቲ ኮርስ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ።
"ቦርድ ኮሌጅ ሕጋውን ቅኑዕን ታሪኻዊ ትሕዝቶ እንተመጺኡ ነቲ ጉዳይ ዳግማይ ክንርእዮ ፍቓደኛታት ኢና" ይብል እቲ ደብዳበ።
እቲ ታሪኽ ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን ዘጠቓለለ ትምህርቲ ብቦርድ ዝተበገሰ እዩ።
እቲ ትምህርቲ፡ ስነ-ጽሑፍ፣ ፖለቲካ ሳይንስን ጂኦግራፍን ሓዊሱ ናይ 400 ዓመታት ታሪኽ ኣፍሪቃውያን-ኣመሪካውያን ዝሽፍን ምዃኑ ይግለጽ።
እዚ ኮርስ እዚ፡ ተማሃሮ ቅድሚ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምእታዎም፡ ብደረጃ ኮለጅ ፍልጠት ንኽረኽቡ ዝዓለመ እዩ።
ቤት-ጽሕፈት ሪፓብሊካዊ ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ ሮን ደሳንቶስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ መጽናዕቲ "ብኻልእ ትንታነታት ክምላእ ዝኽእል ዘይንጹር ክፍተታት ነይርዎ" ኢሉ።
"እዚ እውን ኣይንፈቅድን ኢና። ቦርድ ኮሌጅ ነቲ ኮርስ ኣመሓይሹ እንተ ኣምጺኡ ክጸድቕ ይኽእል እዩ” ይብል።
ቦርድ ኮሌጅ ከም መልሲ ነቲ ተቓውሞ ድማ፡ "እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ዓመታዊ ካብ መምህራን፡ ተማሃሮን ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ብዝረኸቦ ርእይቶ መሰረት ይኽለስ" ኢሉ።
"ሃብታምን ኣነቓቓሕን ታሪኽ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ንኹሉ ባህሊ ዘለዎም ተማሃሮ ክቐርብ ንደሊ” ኢሉ።
ሃገራዊ ማሕበር ወለዲ ተማሃሮ፡ ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ናይ ምቁራጽ ውሳነ "ንነፍሲ ወከፍ ኣመሪካዊት ስድራቤት ሓደገኛ ስጉምቲ'ዩ" ኢሉ።
ዲሞክራት ዝኾነ ሴኔተር ሸቭሪን ጆንስ ካብ ፍሎሪዳ፡ ታሪኽ ኣውሮጳ፡ ካልኦት ቋንቋታትን ባህልታትን ይምሃሩ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ነዚ ውሳነ ተቓዊሞሞ።
እቲ ኣመሓዳሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ትምህርቲ ዓሌትን ጾታዊ ርክብን ዝወሃበሉ ኣገባብ ዝድርት ውሳነ ኣሕሊፉ ነይሩ።
ሓደ ካብቶም ፈጠርቲ ናይቲ ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን ታሪኽ ትምህርቲ፡ ንመጽሄት ታይም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኮርስ "ጽቡቕ ቅርጺ ዘለዎን ምሁራዊን" ምዃኑ ገሊጹ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
