ሶማልያ 'ኣልሸባብ' ዝብል ስም ምጥቃም ኣጊዳ

ዕጡቓት ኣልሸባብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ሚኒስትሪ ጉዳያት ሃይማኖት ሶማልያ፡ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ እስላማውያን ዕጡቓት ‘ኣልሸባብ’ ብዝብል ስም ከይጽውዑ ገደብ ኣንቢሩ።

ኣልሸባብ ብቛንቋ ዓረብ “መንእሰይ” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ኰይኑ እቲ ጅሃዳዊ ዕጡቕ ከምዝፅውዓሉ ይፍለጥ።

ህዝቢ ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ ‘ኣልሸባብ’ ኢሉ ከይጽውዕ ዘተሓሳሰበ እቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ሃይማኖት፡ “ኻዋሪጅ” ኢሉ ክጽውዖ ሓቲቱ’ሎ።

“ኻዋሪጅ” ዝብል ቃል ምንእኣስ (ንዕቐት) ዝመልኦ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ ድማ ፋሉል ወይ ካብ ንቡር ዝወጸ ዝብል እዩ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ምስቶም ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎም ዕጡቓት ከይራኸቡ ወይ ስምምዕ ከይገብሩ እውን ከልኪሉ።

መንግስቲ፡ እቲ ንኣልሸባብ “ኻዋሪጅ” ብዝብል ስም ንምፅዋዕ ዝተዋህበ መምርሒ፡ ኣካል ናይቲ ኣንጻር እቲ ጕጅለ ዝካየድ ኲናት ምዃኑ ይገልጽ።

መንግስቲ ሶማልያ ንኣልሸባብ ካልእ ስም ክህብ ከሎ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን።

ኣብ 2015 [ኣ. ኣ]፡ ማዕከናት ዜና ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ "ኡጉስ" ብዝብል ክጽውዓኦ መምርሒ ሂቡ ነይሩ። እዚ ድማ "ንህዝቢ ሶማልያ ዝጭፍጭፍ ጕጅለ" ዝብል መልእኽቲ ዘሕልፍ ቃል እዩ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ነቲ ውሳነ ግብረ-መልሲ ዝሃበ ኣልሸባብ፡ ንመምርሒታት መንግስቲ ተኣዛዚ ዝኸውን ወይ ነታ ቃል ዝጥቀሙ ጋዜጠኛታት ይዅን ካልእ ዝዀነ ይዅን ሰብ፡ ክቐጽዕ ምዃኑ ኣጠንቂቝ ነይሩ።

ሰበስልጣን ፌደራል፡ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ብዛዕባ ንጥፈታት ኣልሸባብ ጸብጻብ ከየቕርባ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣጊዶም ነይሮም።