እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ፡ ኣብ ሚሲሲፒ ሓደገኛ ባክተርያ ተረኺቡ
ኣብ ገማግም ወሽመጥ ሚሲሲፒ ኣብ ሓመድን ማይን ዘይተለምደ ግን ከኣ ሓደገኛ ዓይነት ባክተርያ ከም ዝረኸቡ ሰበ ስልጣን ጥዕና ኣሜሪካ ገሊጾም።
እዚ በርክሆልደሪያ ዝበሃል ባክተሪያ ሜሊዮዶሲስ ዝበሃል ከቢድ ሕማም ዘስዕብ እዩ።
እቲ ሕማም፡ ምሉእ ጥዕና ኣብ ዘለዎም ሰባት ከቢድ ጸገም ከም ዘየስዕብን ብጸረ ነፍሳት ክፍወስ ዝኽእልን እዩ።
ይዅን እምበር ከም ሽኮርያን ከቢድ ሕማም ኵሊትን ዝኣመሰሉ ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ሰባት፡ እዚ ሜሊዮዶሲስ ዝተባህለ ሕማም ከጥቅዖም ይኽእል።
ኣብዚ እዋን እዚ ሓኻይም ዝሓመመ ሰብ እንተጋጠመ ብዝብል ብንቕሓት ይከታተሉ ኣለው።
ማእከል ቍጽጽር ሕማም ኣሜሪካ (CDC) ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጡ ነበርቲ፡ ነዞም ዝስዕቡ ምኽሪታት ኣስተብሂሎም ዝያዳ ጥንቃቐ ንኽገብሩ ይላበው፤
- ብዝተኻእለ መጠን ብፍላይ ብርቱዕ ዝናም ምስ ዘነበ፡ ሓመድ ወይ ጭቃ ዘለዎ ማይ ኣይትተንክፉ፤ ቍስሊ ድማ ብማይ ዘየእቱ መሸፈኒ ሸፍኑ፡
- ኣታኽልቲ ክትከናኸኑ ወይ ሕርሻ ክትሰርሑ ከለኹም ማይ ዘየሕልፍ ጫማ ግበሩ፡
- ብቐጥታ ምስ ሓመድ ዝራኸብ ስራሕ ክትሰርሑ ከለኹም ጓንቲ ግበሩ፡
"ኣብ ኣሜሪካ፡ ቍጽሪ'ቶም በቲ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት ሒደት ከምዝዀነ ጸብጻባት ይሕብሩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው CDC፡ እቲ ሕማም ሜሊዮዶሲስ ንህዝቢ ሓደጋ ዝዀነሉ ተኽእሎታት ኣዝዩ ትሑት ከምዝዀነ ይኣምን፡” ክብል እቲ ትካል እምነቱ ገሊጹ።
ኣብ መላእ ዓለም መብዛሕትኡ ግዜ፡ በቲ ሕማም ዝሓመሙ ሰባት እቶም ባክተርያ ብባህርያዊ መገዲ ኣብ ዝርከበሉ ከም ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን እስያን ሰሜናዊ ኣውስትራልያን ዝኣመሰለ ከባቢ ዝነብሩ ወይ ናብኡ ዝተጓዕዙ ሰባት እዮም።
ጠንቂ ሜሊዮዶሲስ ምስ ካብ እቲ ሕማም ዝርከበሎም ሃገራት ዝመጽኡ ዝተበከሉ ንግዳዊ ፍርያት እውን ዝተተሓሓዘ እዩ። ብ2021 ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ኣርባዕተ ግዝኣታት ኣርባዕተ ሰባት ብሰንኪ ናብታ ሃገር ዝኣተወ ዝተበከለ ኣሮማተራፒ ዝበሃል ፈሳሲ ሓሚሞም እዮም።
እቲ ኣብ ሚሲሲፒ ዝተገብረ ምርመራ ሓመድ፡ መንቀሊኡ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ክልተ ምስቲ ሕማም ዝርከበሉ ቦታታት ርክብ ዘይብሎም ሰባት ሜሊዮዶሲስ ሓሚሞም ስለ ዝተረኸቡ እዩ። ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝዝርጋሓሉ ኵነታት ኣዝዩ ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም።
ሰበ ስልጣን ጥዕና፡ ክልቲኦም ዝሓመሙ ሰባት ኣብቲ ዝነብሩሉ ኣባይቲ ከባቢ ናይ ዝርከብ ሓመድን ማይን መርኣያታት ዝመርመሩ ክዀኑ እንከለው፡ እቲ ባክተሪያ ኣብ ሰለስተ መርኣያታት ተረኺቡ እዩ።
እቲ ባክተርያ እንተወሓደ ካብ 2020 ኣትሒዙ ኣብቲ ከባቢ ከም ዝነበረ ድማ እቲ ውጽኢት ይሕብር።
ሜሊዮዶሲስ ከም ረስኒ፡ ቃንዛ መላግቦ፡ ሕማም ርእሲ ከምኡ'ውን ጸገማት ሳንቡእን ጸገማት ረኽሲ ደምን ዝኣመሰሉ ምልክታት ከስዕብ ይኽእል እዩ።