ሚሼል ኦባማ፡ ኣብ ጐስጓስ ካማላ ሃሪስ ተረኺባ እንታይ ኢላ?

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ቀዳማዊት እመቤት ነበር ሚሼል ኦባማ፡ ኣሜሪካውያን ነታ ሃገር ካብ “ሓደጋታት” ትራምፕ ንምድሓን ድምፆም ክህቡ ፀዊዓ።

ሚሼል ኦባማ፡ ካማላ ሃሪስ ኣብ ተካይዶ ጐስጓስ መረፃ ንፈለማ እዋን ብምርካብ እያ ነዚ ፃውዒት ኣቕሪባ ዘላ።

ኣብታ ከቢድ ንሕንሕ ዝካየደላ ግዝኣት ሚቺጋን ብብርቱዕ ስምዒት ኣብ ዝተሰነየ መደርኣ፡ እቲ መረፃ ንዕኣ “ኣዝዩ ዝቐረበ” ምዃኑ ገሊፃ።

ኣብ ሚቺጋን ኣብ ዝተኻየደ ካልእ መደብ ድማ፡ ዶናልድ ትራምፕ ንኢንዳስትሪ መኻይን እታ ግዝኣት ሓድሽ ሂወት ከም ዝዘርኣሉ ቃል ኣትዩ።

ምስ ዓረብ-ኣመሪካውያን ብምርኻብ ድማ፡ “ነቲ መረፃ ክቕይርዎ ከም ዝኽእሉ” ተዛሪቡ።

ርኢቶታት ህዝቢ፡ ክልቲኦም ሕፁያት ኣብ ግዝኣት ሚቺጋን ኣብ ከቢድ ንሕንሕ ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ የመልክት።

ካማላ ሃሪስ እቲ ሓሙሽተ ሕዳር ዝካየድ ፕረዝደንታዊ መረፃ 10 መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ብፀቢብ ኣፈላላይ መሪሕነት ሒዛ ኣላ።

እታ 15 ተወከልቲ ኣድመፅቲ (15 electoral college votes) ዘለዋ ግዝኣት፡ ንክልቲኦም ሕፁያት ወሳኒ ነጥቢ ክትህብ ትኽእል እያ።

ኣብ መረፃ 2020፡ ፕረዝደንት ጆ ባይደን ብፀቢብ ኣፈላላይ 2 ነጥቢ 78 ሚእታዊት ማለት እውን ብ 150 ሽሕ ድምፂ እዩ፡ ኣብ ሚቺጋን ተዓዊቱ፡ እዚ ድማ ፕረዝደንት ንክኸውን ሓጊዝዎ።

እዛ ግዝኣት ኣብ መረፃ 2016 እውን፡ ትራምፕ ኣንፃር ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ዝገበሮ ንሕንሕ፡ ብ 0 ነጥቢ 23 ሚእታዊት ጥራሕ ክዕወት ደሪኻ እያ።

ኣብቲ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ዝተረኸብሉ ማእኸል ካላምዙ ሚሼል ኦባማ ብተደጋጋሚ ንትራምፕ ዝነቐፈት እንትትኾን፡ ነቲ “ርኡይ ኣእምሮኣዊ ውድቀትን ቅጥዒ ኣልቦ ባህርያትን” ትራምፕ ዝበለቶ ድማ ኣመልኪታ።

ዝበዝሕ ዘረብኣ ኣብ 'ስግኣት' ብምድሃብ ኣብቲ ማእኸል ንዝተረኸቡ ኣሽሓት ኣድመፅቲ ዝተዛረበት ሚሼል ኦባማ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ብኸመይ ንመሰላት ምንፃል ጥንሲ ክፀልዎ ከም ዝኽእል ብምምልካት፡ ንካምላ ሃሪስ ዘይምምራፅ ከቢድ ሳዕቤን ከም ዝህልዎ ገሊፃ።

“ብዙሓት ሰባት ናይ ዘይረብሑና ሰባት ሓሶት ይዕድጉ ምህላዎም ኣዝዩ’ዩ ዘሻቕለኒ። እዚ ክፍኣት ንህይወትና ክትንክፎ እዩ” ኢላ።

ንመሰላት ምንፃል ጥንሲ ዝሕለቑ ብዙሓት ነጠፍቲ፡ ምእጋድ ምንፃል ጥንሲ፡ ሕክምና ብምኽልካል ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓደጋ ዘእትው እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።