ኣሜሪካ 'ብውልቂ' ናብ ኢራን መልእኽቲ ሰዲዳ

ምንጪ ስእሊ, MAXAR
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ የመን ዘሎ ዕጡቕ ሓይሊ - ሑቲ፡ ንኢራን “ብውልቂ” መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈት ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት ተወሳኺ ዝርዝራት ከይሃበ፡ “ብውልቂ ኢና ኣቕሪብና፤ ጽቡቕ ምድላዋት ከምዘለና ድማ ርግጸኛታት ኢና” ኢሉ።
ኣሜሪካ፡ እቲ ዳሕረዋይ መጥቃዕታ፡ ንራዳር ዒላማ ዝገበረ “ተኸታተልቲ ስጕምቲ” ክትብል ገሊጻቶ።
ኢራን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ንመራኽብ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሑቲ ኢድ ከምዘይብላ እያ ትገልጽ።
ይዅን እምበር ኢራን ንሑቲ ኣጽዋር ከምእትህብ እዩ ዝጥርጠር። ስለያዊ ሓበሬታት ኢራን ድማ፡ ሑቲ ንመራኽብ ዒላማ ክገብር ዘኽእሎ ወሳኒ ረቛሒ ምዃኑ እያ ኣሜሪካ ትኸስስ።
ደገፍ ኣውስትራልያን ካናዳን ከም ዝነበሮ ዝተገልጸ፡ ዓርቢ ንግሆ ዝተኻየደ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ንኣስታት 30 መደበራት ሑቲ ዒላማ ገይሩ።
ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ የመን ኣብ ዝርከብ ቦታታት ራዳር ሑቲ፡ ‘ቶማሃውክ’ ብዝተባህለ ክሩዝ ሚሳይላት ከምዝተጠቕዐ ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ ሓቢሩ።
ብሪጣንያ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ሑቲ ምላሽ ንምሃብ፡ ብዘይካ ወተሃደራዊ ስጕምቲ “ካልእ ኣማራጺ የብላን” ክብል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ደቪድ ካሜሮን ገሊጹ።
ንሱ ኣብ ቴሌግራፍ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ ነቲ ብኣሜሪካ ዝቐረበ ሕቶ “ምጡንን ዒላማኡ ዝነጻጸረን” መጥቃዕቲ ንምሕጋዝ ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ።
እንተዀነ እቲ መጥቃዕቲታት፡ መራኽብ ንምጥቃዕ ንዘኽእል ዓቕሚ እቲ ምንቅስቓስ ዓቢ ጽልዋ ከምዘይብሉ ወሃቢ ቃል ሑቲ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ሑቲ፡ ዛይዲን ካብ ዝተባህሉ ውሑዳን ሺዓ ኣስላም የመን ዝዀኑ ዕጡቓት ጕጅለ እዮም። ኣብዚ እዋን ንመብዛሕትኡ የመን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣእትዮምዎ ይርከቡ። ብዘይካኡ፡ ንሰንዓን ሰሜን የመንን፡ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ የመንን ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺሮምዎ እዮም።
ወግዓዊ ብህሎ ምዕራባውያን መንግስታት፡ እዚ ንሑቲ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ካብቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣዝዩ ዝተፈልየ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ዝፍጽምዎ ዘለዉ 'ዘይተንኳዪ ግን ዘይቅቡል' መጥቃዕቲ “ኣድላዪን ተመጣጣንን ምላሽ” እዩ ዝበሃል።
እዚ ግን ኣብ የመንን ሰፊሕ ዓረባዊ ዓለምን ብዝተፈለየ መንገዲ እዩ ዝርአ።
ሑቲ ንሓማስን ህዝቢ ቓዛን ዘለዎ ደገፍ ብንጹር ብምግላጹ፡ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ኲናት ቓዛ ኣብ ጐድኒ እስራኤል ከምዝተጸንበራ ጌርካ እዩ ዝርአ።
ገለ፡ “ምዕራባውያን ድሌታት ነታንያሁ እየን ዘተግብራ ዘለዋ” ዝብል ርእቶታት’ውን ኣሎ።
ዝዀነ ኰይኑ፡ እዚ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ስንብራት ክሓድግ ምዃኑ ይግምገም። ብውሑዱ ንግዚኡ እቲ መራኽብ ናይ ምጥቃዕ ዓቕሞም ከጕድሎ እዩ።
እዚ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እንተተናዊሑ ግን፡ ንኣሜሪካን ብሪጣንያን ናብ ካልእ ግጭት የመን ጐቲቱ ንኸእትወን ዓቢይ ስግኣት ኣሎ።
ስዑድ-ዓረብ እትመርሖ ልፍንታዊ ሓይሊ፡ ኣብ ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ኢዱ ድሕሪ ምእታው ካብኡ ንምውጻእ ልዕሊ ሸሞንተ ዓመት ወሲዱ፤ ኣይተዓወተን እውን። ሕጂ ኸኣ ሑቲ፡ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ሱር ሰዲዱን ደልዲሉ እዩ።
ኣስታት 15 ሚእታዊት ካብቲ ብባሕሪ ዝግበር ዓለማዊ ንግዲ፡ ብቀይሕ ባሕሪ ከምዝሓልፍ ኣሜሪካ ትገልጽ። እዚ፡ 8 ሚእታዊት እኽሊ፡ 12 ሚእታዊት ነዳድን 8 ሚእታዊት ባህሪያዊ ጋዝ ዓለምን የጠቓልል።
ሑቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ንዝሓልፋ መራኽብ ንምጥቃዕን ንምህዳድን 28 ግዜ ከምዝፈተነ ኣሜሪካ ትገልጽ።
ብሰንኪ’ዚ፡ ወጻኢታት መድሕን [ኢንሹራንስ] ብ10 ዕጽፊ ስለዝወሰኸ፡ ገለ ዓበይቲ ኩባንያታት መራኽብ ኣብቲ ዞባ ስርሐን ከቋርጻ ተገዲደን እየን።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
