ኣብ መሬት፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ ከተማ ኣስመራ ዝኸውን ተኽሊ ተረኺቡ

Published

ኣብ መሬት እቲ ዝዓበየ ዝተባህለ - ሰለስተ ዕጽፊ ማንሃተን ወይ’ውን ኣርባዕተ ዕጽፊ ከተማ ኣስመራ ዝኸውን ሳዕሪ ባሕሪ - ኣብ ገማግም ኣውስትራሊያ ተረኺቡ።

ተመራመርቲ ጀነቲካዊ መርመራ ተጠቒሞም ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራሊያ ብዘካየዱዎ መጽናዕቲ ኣብ ትሕቲ ማይ ዝበቖለ ዝዓበየ ሰውሒ ረኺቦም።

እዚ፡ ኣብ ውሽጢ 4500 ዓመታት ካብ ሓደ ዘርኢ ጥራይ ዝሰፍሐ እዩ ተባሂሉ ይእመን።

እዚ ሰውሒ፡ ኣስታት 200 ትርብዒት ኪሎ ሜትሮ ከም ዝሽፍን ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ምዕራብ ኣውስትራሊያ ገሊጾም።

ጉጅለ እዚ መጽናዕቲ ሃንደበት እዩ ኣብቲ ካብ ሰሜን ፐርዝ 800 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ሻርክ ቤይ ነዚ ሳዕሪ ረኺቡዎ።

እቶም ጉጅለ ተመራመርቲ፡ ኣብ መጀመርታ ጀነቲካዊ ብዙሕነት ዓሌታት [መብዛሕትኡ ግዜ] ኣብ ገማግም ኣውስትራሊያ ዝርከብ ድሪ ሸልሓጥ ወይ ‘ሪቦን ዊድ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓሌታት ንምጽናዕ’ዮም ተበጊሶም ነይሮም።

ካብ ነፍሲ ወከፍ ቅምሶ “ኣሰር ኣጻብዕ” ንምርካብ 18 ሽሕ ጀነቲክ መርመራታት ገይሮም። ናይዚ ዕላማ፡  ነቲ ሰውሒ ክንደይ ዝኣኽሉ ኣትኽልቲ’ዮም ፈጢሮምዎ ዝብል ንምፍላጥ ዝገበረ’ዩ ነይሩ።

“እቲ ውጽኢት ግን ኣገሪሙና፤ ሓደ ተኽሊ ጥራይ’ዩ ነይሩ። ሓደ ተክሊ ጥራይ ኣብ ሻርኢክ በይ ልዕሊ 180 ኪሎ ሜትሮ ተዘርጊሑ ነዚ ኣብ መሬት ዝዓበየ ተኽሊ ፈጢሩ” ክትብል ዋና ጸሓፊት እቲ መጽናዕቲ ጃኔ ኤድጌሎ ተዛሪባ።

ብተወሳኺ፡ እዚ ተኽሊ ሓያል ተጻዋርነት ዘለዎ ምዃኑ ውጽኢት እቲ ኣብ ሮያል ሶሳይቲ ቢ ዝተሓትመ መጽናዕቲ የመልክት።

“ዋዕን ጨዋምነትን ከምኡ’ውን ኣዝዩ ልዑል ኩነታት ብርሃን ዝጻወር ተኽሊ’ዩ” ክትብል ሓንቲ ካብቶም ተመራመርቲ ዝዀነት ዶክተር ኤልዛቤት ሲንክሌር ገሊጻ።

እዚ ዓሌት ተኽሊ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 35 ሴንቲ ሜትሮ ይዓቢ ከም ዝነበረ ይግለጽ።

በዚ መሰረት’ዮም ተመራመርቲ እቲ ሕጂ ዘለዎ ዓቐን ልዕሊ 4500 ዓመታት ዝገበረ’ዩ ዝብሉ ዘለው።