ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ጋሻ ዝተረኽበሉ በዓል ሕዳር ጽዮን ኣኽሱም

ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዕዱም ጋሻ ዝተረኸቦ በዓል ሕዳር ጽዮን
Published

እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኵናት ደው ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ ኣኽሱም ንፈለማ ግዜ ትማሊ ኣብ ዝተኸበረ በዓል ሕዳር ጽዮን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ጋሻ ከምዝተረኸበ ከንቲባ ከተማ ኣኽሱም ገሊጹ።

ኣብታ ከተማ ዝርከብ ዓለም ለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሃጸይ የውሃንስ [ራብዓይ] ብሰንኪ እቲ ኵናት ስለዝዓነወ ኣጋይሽ መዓርፎ ነፈርቲ ሽረ እንዳስላሰን መቐለ ኣሉላ ኣባነጋን ክጥቀሙ ከምዝተገደዱ ተፈሊጡ።

ማእኸል ታቦት ቃለ እግዚኣብሄር ዝሓዘ ጽላተ ሙሴ ከምዝኾነት ዝንገረላ ኣኽሱም ጽዮን ንኣመንቲ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቅድስቲ ስፍራ’ያ ተባሂላ'ያ ትግለጽ።

ኣብቲ ትማሊ ዓርቢ ዝተኸበረ በዓል ሕዳር ጽዮን ንምስታፍ በጻሕቲ ካብ ትግራይ፣ ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ሃገራት ወጻኢ ናብ ከተማ ኣኽሱም ከምዝተጉዓዙ ጸብጻብ ሪፖርተርና የመልክት።

ማህሌት ታደለ

ካብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ኣስታት 200 ኪሎ ሜትር ተጓዒዛ ኣብ በዓል ሕዳር ጽዮን ዝተረኸበት ማህሌት ታደለ፡ ኣብዚ በዓል እዚ ንክትሳተፍ ዕድሜኣ ምሉእ እትጽበዮ ዝነበረት ባህጊ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ገሊጻ።

እቲ ዓመታዊ ኣማኢት ኣሽሓት ዕዱማት ኣጋይሽ ዝሳተፍሉ ዓብይ ክብረ በዓል ሕዳር ጽዮን፡ ብሰንኪ እቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዘጥፈአን ከቢድ ዕንወት ዘስዓበን ኵናት ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣይተኸበረን።

ትውልዲ ዓዲ ንግስተ ሳባ ከምዝኾነ ዝንገረላ ከተማ ኣኽሱም ካብተን በቲ ኵናት ከቢድ በሰላ ዘለወን ከባቢታት ትግራይ ሓንቲ እያ።

ቀሻውሽቲ ምእንተ ሰላም ዘሚሮም

ኵናት ትግራይ ኣብ ዝተጀመረሉ ግዜ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣማኢት ሰባት ዝተቐተልሉ ጨፍጫፍ ከምዝተፈጸመ ጸብጻብ ትካላት ሰብኣዊ መሰል የረድእ።

ኣብ ክብረ በዓል ሕዳር ጽዮን ንምስታፍ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኪሎ ሜትር ከምዝተጉዓዘት እትገልጽ መድህን ገብረኣነንያ፡ ኣብዚ ቅዱስ ስፍራ ምርካባ መንፈሳዊ ሓጎስ ከምዝፈጠረላ ሓቢራ።

ኣብ ግዜ ኵናት ብዛዕባ ድሕነት ኣብ ትግራይ ዝቕመጡ ስድራኣ የጨንቓ ከምዝነበረ ዝገለጸት መድህን፡ ሕጂ ኣብ ትግራይ ተዛማዲ ሰላም ምህላዉ ታሕጓስ ከምዝፈጠረላ ተዛሪባ።

ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ዝተረኸበ ሰላም ኣመልኪቶም ንፈጣሪ ምስጋና ኣብጺሖም።

መድህን ገብረኣነንያ

ኣብ ግዜ ኵናት ትግራይ ብዛዕባ እቲ ኵናት ዝተፈላለየ መርገጺ ዝነበሮም ኣመንቲ ክርስትያን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ በዓል ተዓዲሞም ሕዳር ጽዮን ኣኽቢሮም።

እቲ ብዙሕ ህዝቢ ዝተረኸበሉ ክብረ በዓል ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ጽዮን ማርያም ዝተኸበረ ኮይኑ ኣቕሽቲ ኣብ ጥቓ ሓወልቲ ኣኽሱም ኮይኖም ነቲ ስነ ስርዓት መሪሖሞ።

ኣብታ ማእኸል ነጋውስ ጥንታውያን መንግስታት ዝኾነት ኣኽሱም፡ ብዙሓት ታሪኻዊ ሓድግታት ዝርከቡላ ኮይኖም ካብ ሓደ እምኒ ተጸሪቦም ዝተሰርሑ ሓወልትታት ድማ ገሊሖም ይረኣዩ።

ኣብ ጥቓ ሓወልቲ ኣኽሱም ስነ ስርዓት ቅዳሴ ተፈጺሙ

እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝመጽኡ ኣጋይሽ ክቕበሉ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዝጽበዩ ዝነበሩ ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም እግሪ ኣጋይሽ ብምሕጻብን እኽለ ማይ ብምቕራብን ኣጋይሾም ኣአንጊዶም።

ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብ ጻኒሒቶም ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ማርያም ጽዮንን መንበሪ ኣባይቲ ውልቀ ሰባትን ከምዘዕረፉ ጸብጻብ ሪፖርተርና ግርማይ ገበሩ የመልክት።