‘ካብ ሆስፒታል ዝወጻሉ ግዜ ነዊሑኒ’ - ብህይወት ክትነብር ሒደት ኣዋርሕ ዝተረፋ ተሓካሚት

ሻርሎት ሚልስ-ሙረይ ትበሃል - ብህይወት ክትነብር ዝተረፋ ግዜ ካብ ሒደት ኣዋርሕ ኣይዛይድን።
እቲ ሕክምና ዝገብረላ ሆስፒታል ንገዛኣ ንኸፋንዋ ዘድልዩ ኣገደስቲ ነገራት ፈጺማ እያ።
እንተዀነ፡ ንዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ "ኣብ ዓራት ተዓጊታ" ከም እትርከብ ትገልጽ።
ንሳ፡ ክሳዕ ሕጂ ካብቲ ሆስፒታል ክትወጽእ ብዘይምኽኣላ ከም "ዘተቘጠዐትን ዝተበሳጨወትን" ንቢቢሲ ገሊጻ።
እታ ጓል 34 ዓመት ሻርሎት፡ ኤህለርስ-ዳንሎስ ሲንድሮም ዝተበሃለ ሕማም ኣለዋ።
እዚ ብርክት ዝበሉ ጸገማት ዘጠቓልል ሕማም፡ ንቘርበት፡ ኣዕጽምቲ፡ ሰራውር ደምን ካልኦት ብዙሓት ኣካላትን ቲሹታትን ዝድግፉ መተሓላለፍቲ ቲሹታት ዝጸሉ እዩ።
ኣብ መተሓላለፊ ቲሹታት ዝፍጠር ጕድለት ድማ ካብ ቅልል ዝበለ ልሕሉሕ መሓውር ክሳብ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል።
'ኣብ ዓራት ተደሪተ'
ሻርሎት፡ ምስ እቲ ሕማም ዘስዕቦ ከቢድ ዓይነት ፍሽለት መዓንጣ እያ እትነብር፡ እዚ ድማ ንመተሓላለፊ ቲሹ ኣካላታ ዘዳኽም’ዩ።
ኣብ ሰነ 2022 ረኽሲ ምስ ኣጋጠማ ሕክምና ክትረክብ ኣብ ሊድስ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሴንት ጀምስ ተዓቚባ።
ኣብቲ ሆስፒታል፡ ሓድሽ ‘መስመር ሂክማን’ ተገጢሙላ።
መስመር ሂክማን ኣብ የማናይ ሸነኽ መንደቕ ኣፍልቢ ዝቕመጥ ቱቦ እዩ። እዚ ቱቦ፡ ሰራውር ደም ንምርካብ ዝውዕል ኰይኑ፡ ንሕክምና ኬሞቴራፒ፡ ብውሽጢ ሰራውር ደም መድሃኒታት ንምሃብ፡ ንመርመራ ደም ንምውሳድ ከገልግል ይኽእል።
ንሻርሎት ድማ፡ ኣብ ምምጋብን ምንካይ ቃንዛን ይሕግዛ።
ብድሕሪ እዚ ኣብ ሕዳር፡ ሻርሎት ጥዕናኣ ከም ዝተመሓየሸን ኣብ ገዛኣ ክትሕብሕብ ከም እትኽእልን ተነጊርዋ።
እንተዀነ ግን ክድግፍዋ ዝኽእሉ ሰራሕተኛታት ኣብ ምቝጻርን ምምልማልን ምድንጓይ ስለ ዝተፈጥረ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ሆስፒታል ትርከብ።

ምንጪ ስእሊ, FAMILY PHOTO
መንበር ዓረብያ ንኽትጥቀም ዘኽእላ መልዓሊ ናይ ምርካብ ዕድላ ድሩት ብምዃኑ፡ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ "ኣብ ዓራት ተደሪታ" ከም ዘሕለፈት ትገልጽ።
ሻርሎት፡ ኣብ ገዛኣ ክንክን ንኽግበረላ ዝተፈላለዩ ፈተነታት ክግበሩ ጸኒሖም እዮም። እንተዀነ እዚ ብተደጋጋሚ ከም ዝተደናጐየን ብዙሕ ምትዕንቃፋት ከም ዘጋጠማ ንቢቢሲ ሓቢራ።
"እቲ ሆስፒታል 'ገዛኺ ክትከዲ ድሉውቲ ድኺ?' ኢሉ ክሓትት ከሎ ትሕጐስ። ድሕሪኡ ግን በቃ ኵሉ መሊሱ ይቕየር።"
ሻርሎት ብሰንኪ እቲ ዝተሓላለኸ ኵነታታ፡ ዝተረፋ ዕድመ ብኣዋርሕ ጥራይ ዝግመት’ዩ። ኣብ ሆስፒታል ድማ ሓደጋ ረኽሲ ከጋጥማ ተኽእሎ ስለዘሎ፡ ኵነታታ ዝያዳ ህጹጽነት ከም ዘለዎ ትኣምን።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓደ ካብቶም መስመራት ሂክማን ረክሲ ምስ ዘጋጥሞ፡ ሓድሽ ቱቦ ንምውሳኽ ዝህሉ ኣማራጺ ይንኪ’ዩ።
ስድራቤት ሻርሎት፡ ውሱን ኣማራጺታት ስለ ዝተረፉ፡ ኣብ ርእሲ’ዚ ድማ ብቝጻሊ ምስ ቃንዛ ስለእትነብር፡ ሻርሎት ኣብ ቀረባ ናብ ናይ መወዳእታ ህይወታ ዝወስድ መንገዲ ክትሰጋገር ክትውስን ትኽእል’ያ ኢሎም ይጭነቝ። እዚ ድማ ንኽትነብር ሰሙናት ጥራይ ከም ዝተረፋ ዘመልክት እዩ።
ሻርሎት ብመንገዲ መስርሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ናይ 24 ሰዓታት ቀጻሊ ናይ ገዛ ደገፍ ክንክን ክትረክብ ብቕዕቲ’ኳ እንተዀነት፡ እዚ ብኸመይ ከም ዝትግበር ግን ውሳነታት ቅልጡፍን ንጹርን ከም ዘይነበሩ ትገልጽ።
ንሳ ከም እትብሎ፡ ኣብ መጀመርታ ካብ ሓደ ኩባንያ ኣባላት ሰራሕተኛታት ክንክን ክትቈጽር ተነጊርዋ ነይሩ። ኰይኑ ግን እቶም ሰራሕተኛታት ክንክን፡ ዝተሓላለኸ ድሌታታ ንምምላእ ብቕዓት ከም ዘይብሎምን እዚ ድማ ንሰሙናት ዝጸንሕ ምድንጓያት ከም ዘስዓበን ትሕብር።
ድሒሩ ኣብ ከባቢኣ ዝርከብ በዓል ሕድሪ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ውልቃዊ ሓገዝቲ እንተቘጺራ፡ ፍሉይ ሜላታት ምፍዋስ ቃንዛ ዝምልከት ስልጠና ክህቦም ተሰማሚዑ።
ሻርሎትን ስድራኣን ውልቃዊ ሓገዝቲ ኣብ ዝረኸቡሉ እዋን ግን፡ እቲ በዓል ሕድሪ ድሕሪ ደጊም ስልጠና ክወሃብ ከም ዘይከኣል ገሊጹ።
ሕጂ ሻርሎት ናይ ገዛእ ርእሳ ውልቃዊ ሓገዝቲ ከተሰልጥን ከም እትኽእል ተሰማሚዑ ኣሎ፤ እንተዀነ ኣድላዪ መዐገሲ ቃንዛ ኣብ ምርካብ ዘጋጠሙ ጉዳያት ምድንጓያት ኣስዒቦም እዮም።

ኣደ ሻርሎት፡ ደኒስ ሚልስ-ሙረይ፡ ግዜ "ባኺኑ" ኢላ ትኣምን።
"ኣብ ዓንኬል ተዘዋዊርና ኢና፡ እቲ ዝባኽን ዘሎ ግዜ ድማ ህይወት ሻርሎት'ዩ። እዚ ክንመልሶ ኣይንኽእልን ኢና።"
"ዘለዋ ጸዓት ኣዝዩ ውሑድ’ዩ፡ [እዚ ድማ] ኣብ ጽቡቕ ነገር ዘይኮነስ ካብ ሆስፒታል ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ እዩ ዝውዕል ዘሎ።"
እቶም ሓላፍነት ክንክን ሻርሎት ዝወሰዱ ኣካላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝዀኑ ሊድስ ቲቺን ሆስፒታልስ ትራስትን ዌስት ዮርክሻየር ኢንተግሬትድ ኬር ቦርድን፡ ሻርሎት "ንነዊሕ እዋን ናብ ገዛኣ ክትከይድ ብዘይምኽኣላ ኣዝዮም ከም ዝሓዘኑ" ይገልጹ።
ዝተሓላለኹ ጸገማት ዘለዎም ሕሙማት ናብ ገዛኦም ንምውሳድ "ኣዝዩ ዝነውሐ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል" ይሕብሩ።
ብተወሳኺ፡ "መብዛሕትኦም ሰባት ቀልጢፎም ይወጹ" ገሊኦም ግን "ኣብ ገዛኦም ክንክን ክረኽቡ ወይ ካብ ካልኦት ኣገልግሎታት ተወሳኺ ደገፍ ክነመቻችእ ስለዘድልየና" ንነዊሕ እዋን ኣብ ሆስፒታል ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም።
ፍሉይ ክንክን ኣብ ዘድልየሉ ኵነታት "እዚ ኣዝዩ ዝነውሐ ግዜ ክወስድ ይኽእል" ይብሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ግን፡ ኣብ እንግሊዝ ካብ ሸውዓተ ዓራውቲ ሆስፒታል ሓደ ድሒኑ ክፋኖ ዝኽእል ተሓካሚ ተታሒዙ ነይሩ።
ኣብ ጥሪ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ ምድንጓይ ምፍናው ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዘጋጥም ዘሎ "ቁጽሪ ሓደ ጸገም" ከም ዝበሎ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, FAMILY PHOTO
ኵነታት ሻርሎት፡ ካብቶም መብዛሕትኦም ካብ ሆስፒታል ንኽወጹ ዝፈረሙ ጉዳያት ዝያዳ ዝተሓላለኸ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ቁጽሪ ናብ ገዛኦም ክፋነዉ እናተገብኦም ግን ኣብ ሆስፒታል ዝርከቡ ሕሙማት ብ16 ሚእታዊ ወሰኽ ከም ዘርኣየ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።።
ብመሰረት እዚ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣዋርሕ ክረምቲ 2021-22 ቁጽሪ ናይቶም ካብ ሆስፒታል ክፋነዉ ዝኽእሉ ዓበይቲ ተሓከምቲ፡ 11,661 ነይሩ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 2022-23፡ እቲ ቁጽሪ ናብ 13,494 ከም ዝበረኸ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ’ዩ።
ዳይረክተር ፖሊሲ ትካል ኪንግስ ፋንድ፡ ሳሊ ዋረን፡ እዚ "እቲ ዝያዳ ዝርአ" ምልክት ናይቲ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ዝርከብ ስርዓተ ጥዕናን ክንክንን ምዃኑ ትገልጽ።
"ብሰንኪ ኣብ ምፍናው ተሓከምቲ ዝተፈጥረ ምድንጓይ፡ ዝርዝር ተጸበይቲን ሪጋታት ይርአ ኣሎ።"
"ሰባት ዝደልይዎ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ'ውን ትርኢ።"
ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎት ክንክን ዝህቡ ትካላት ኣብ ምርካብ ዘለዉ ጸገማት ሓደ ጠንቂ ምዃኑ'ኳ እንተገለጸት፡ ነቶም ክፋነዉ ዝደልዩ ደገፍ ኣብ ምድላው እውን ጸገማት ከም ዘለዉ ትዛረብ።
"ዓቢ ቅልውላው ዓቕሚ ሰራሕተኛታት ኣሎ" ትብል፤ ነዚ ድማ ትሑት ደሞዝ ረቛሒ ምዃኑ ትገልጽ። ማዕረ ማዕረኡ "ብዕድመ ዝደፍአ ህዝብን ብዙሓት ማሕበራዊ ክንክን ዘድልዮም ሰባትን" ከምዘሎ ተመልክት።
ኣብ 2021 መንግስቲ፡ ንሕጽረት ሰራሕተኛታት ንምምካት ዝዓለሙ ጽገናታት ዝውዕል፡ "ብውሑዱ" 500 ሚልዮን ፓውንድ ቃል ኣትዩ ነይሩ፡ እንተዀነ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ኣሃዝ ብፍርቂ ከም ዝነከየ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ክፍሊ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን፡ "ድሕሪ ደጊም ኣብ ሆስፒታል ክጸንሑ ዘየድልዮም ተሓከምቲ፡ ብውሑስ ዝፋነውሉ መንገዲ ንምቅልጣፍ ምሉእ ተወፋይነት ከም ዘለዎን" ከምኡ'ውን ነዚ ንምድጋፍ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ዓመታት 1.6 ቢልዮን ፓውንድ ክቐርብ ይገብር ከምዘሎን ገሊጹ። እዚ ድማ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዘጋጠሞ ጸቕጢ ንምቅላል ኣብ 2022 ዝተመወለ 700 ሚልዮን ፓውንድ ዘጠቓልል ኣይኰነን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
