ሱዳን፡ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ተዅሲ ደው ከብሉ ተሰማሚዖም

ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎን ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣልቡርሃንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ውዕል ደው ምባል ተዅሲ ንምኽባር ከምዝተሰማምዑ ኢጋድ ገሊጹ።

ዞባዊ ውድብ ልምዓት በየነ-መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (IGAD) እቲ ስምምዕ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ከምዝተበጽሐ ብሰንበት ኣፍሊጡ።

ብጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣንጻር ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ (ሕመቲ) ዝምራሕ ሰራዊት ህጹጽ ደገፍ ክዋጋእ ጸኒሑ።

ኣብቲ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ጀነራል ኣልቡርሃን ክሳተፍ እንከሎ፡ መራሕቲ ኢጋድ ንጀነራል ሕመቲ ብስልኪ ከምዘዘራረብዎ ተሓቢሩ።

ክልቲኦም ጀነራላት በቲ ዝቐረበሎም ምኽረ ሓሳብ ክሰማምዑ እንከለዉ፡ ተዅሲ ደው ድሕሪ ምባል ብኣካል ክራኸቡ ትጽቢት ይግበር።

ነቲ ምኽንያት ምፍንቓል ሚልዮናትን ሞት ኣሽሓትን ኰይኑ ዘሎ ኲናት ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ኣመሪካ፡ 'ክልቲኦም ወገናት ገበናት ኲናት ፈጺሞም' ኢላ ድሕሪ ምኽሳሳ እዩ፡ ስምምዕ ደው ምባል ተዅሲ ከምዝተበጽሐ ተገሊጹ ዘሎ።

ዋሽንግተን፡ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ደገፍቱ ሚልሻታትን ገበን ምጽናት ዓሌት ፈጺሞም ክትብል ከሲሳ እያ።

ሰራዊት ሱዳን እውን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ደብዳባት ኣየርን ከበድቲ ኣጽዋርን ብምፍጻም ይኽሰስ።

እቲ ኲናት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ክቕጽል እንከሎ፡ ብሚልዮን ዝቝጸሩ ሱዳናውያን ብሰንኩ መረበቶም ገዲፎም ክስደዱ ተገዲዶም ኣለዉ።

ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ቅድሚ ሕጂ እውን ተደጋጋሚ ውዕል ተዅሲ ደው ምባል ተፈራሪሞም ነይሮም፤እቶም ስምምዓት ግን ነዊሕ ከይጸንሑ ተጣሒሶም እዮም። በዚ ድማ ንሓድሕዶም ይካሰሱ።