ጆ ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክን ንጉስ ቻርለስን ክዘራረብ እዩ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንዩክረይን ክላስተር ቦምባ ክህብ ቃል ብምእታዉ ካብ ብዙሓት መሻርኽቱ ሕቶ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክን ንጉስ ቻርለስን ንምርኻብ ናብታ ሃገር ኣትዩ።

ጆ ባይደን፡ ኣባላት ኔቶ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሉትወንያ ኣኼባ ንምክያድ ኣብ ዝሸባሸባሉ ዘለዋ’ዩ ናብ ብሪጣንያ ኣትዩ ዘሎ።

ካናዳን ስጳኛን፡ ጆ ባይደን ናብ ዩክረይን ክላስተር ቦምባ ክሰድድ’የ ምባሉ ኣመና ዝተቘጥዓ ሃገራት እየን።

ክላስተር ቦምባ ብረቱዕ ናይ ምፍንጭጫልን ናይ ምቅጻልን ባህሪ ስለዘለዎ፡ ኣብ ሰለማውያን ሰባት ዘስዕቦ ዕንወት ኣብ ግምት ብምእታው ብብዙሓት ሃገራት ዝተኣገደ ቦምባ’ዩ።

ኣሜሪካ፡ ክላስተር ቦምባ ናብ ዩክረይን ክትልእኽ ዝወሰነትሉ ቀንዲ ምኽንያት፤ ኣብ ኢድ ዩክረይን ዘሎ ወተሃደራዊ ብረታታት ኣዝዩ ይውሕድ ኣሎ ብምባል’ያ ትማጎት።

ጆ ባይደን ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ክራኽብ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ክልቲኦም መራሕቲ ንጉዳይ ዩክረይን ከም መሪሕ ኣጀንዳኦም ገይሮም ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ክመያየጡ ከምዝኽእሉ’ዩ ግምት ተዋሂቡ ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ፡ ኣሜሪካ ናብ ዩክረይን ክላሰተር ቦምባ ከምእትልእኽ ብዓርቢ ብወግዒ ምስ ሓበረት ብቐጥታ ነቐፌታ ኣየስምዐን።

እንተዀነ ብቐዳም፡ ዓባይ ብሪጣንያ ሓንቲ ካብተን 123 ተጠቃምነትን ምፍራይን ክላስተር ቦምባ ደው ክብል ዝፈረማ ሃገራት ምዃና ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዘይቀጥታዊ ነቐፌታ ኣስሚዑ።

ክላስተር ቦምባ ካብ ኣየር ክስንዶ እንከሎ ኣብ ሓደ ዓቢ ግንኢ መሰል ተፈንጃሪ ዝተጣበቐ፡ ናብ መሬት ክወርድ እንከሎ እናተፈናጨለ ብገዛእ ርእሱ ዝፍንጀር ብዙሓት ተፈንጀርቲ ዝሓቘፈ ኰይኑ ብሓንሳብ ንሰፊሕ መሬታ ክሽፍን ዝኽእል ሓደገኛ ቦምባ’ዩ።

ከይተፈንጀረ ኣብ መሬት ዝተሸኸለ ከኣ ባህሪኡ ከየጥፍአ ድሕሪ ዓመታት’ውን ናይ ምፍንጃርን ሓደጋ ናይ ምውራድን ባህሪ ኣለዎ።

ኣሜሪካ፡ ዩክረይን ነቲ ክላስተር ቦምባ ኣብ ሩስያ ይዅን ኣብ ከተማታት ከምዘይትጥቐመሉ ዘተኣማምን ናይ ጽሑፍ መረጋገጺ ከምዝተወሃባ’ያ ትግለጽ።

ጆ ባይደን ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ንጉስ ቻርለስ’ውን ክራኸብ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ብድሕሪ’ዚ እቲ ን31 ሃገራት ዝጠምር ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ሰሉስን ረቡዕን ኣብ ርእሰ ከተማ ሊትወንያ ዝዀነት ቪልኑስ ኣኼባ ከካይድ’ዩ።

ኣባላት ኔቶ ምኽዕባት ተተኮስትን ዳግመ ክለሳ መደባት ምክልኻልን ቀንዲ ኣጀንዳአን ከምዝኸውን ተገሚቱ ኣሎ።

እታ ኣብ ሚያዝያ ናብ ኔቶ ዝተጸንበረት ፊንላድ፡ ኣብቲ ዋዕላ ኔቶ ንመጀመርታ ግዜ ከም ኣባል ክትእከብ’ያ።

ሽወደን ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ክንሰን ኣባላት ኔቶ ዘይኰና ሃገራት ኰይና፡ ልክዕ ከምታ ብምብራቕ ተዳውባ ፊንላንድ ናብ ኔቶ ንምጽንባር ዘቕረበቶ ሕቶ ብተቓውሞ ቱርኪ ክሰምረላ ኣይክኣለን።

ቱርኪ፡ ሽወደን ግብረሽበራውያን ተዕቑብ’ያ ብምባል’ያ ናብ ኔቶ ከይትጽንበር ተቓውሞኣ ኣስሚዓ።

ጆ ባይደን ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ ኣብ ዝገብሮ ዘተ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንቱርኪ ንኸልዝባ ከእምኖ ከምዝፍትን ተገሚቱ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዩክረይን’ውን ናብ ኔቶ ንኽትጽንበር ተደጋጋሚ ሕቶ’ኳ እንተኣቕረበት፡ ጆ ባይደን ቅድሚ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምብጋሱ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ ብመሰረት መምርሒ ኔቶ፡ እቲ ኲናት ከይተወድአ ዩክረይን ናብቲ ኪዳን ክትጽንበር ከምዘይትኽእል ገሊጹ።

ጆ ባይደን፡ ሃገራት ናብ ኔቶ ምስ ተጸንበራ ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ውዕል ከምዝኽትማ ብምግላጽ፡ ኣባላት ኔቶ ናይ ዝዀነት ኣባል ኔቶ መሬት ‘ዋላ ሓንቲ ኢንች ትዅን’ ናይ ምክልኻል ግዴታ ከምዘለወን ብምጥቃስ “ኲናት እንተሃልዩ ኸኣ ኵልና ኢና ናብቲ ኲናት ንኣቱ” ኢሉ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ’ውን ነቶ ኣቐዲሙ ብኣባላት ዝተወሃቦ መልሲ ከምዝዓገበሉ ብምግላጽ ኲናት ምስ ተወድአ ናብ ኔቶ ክጽንበር ይጽበ ምህላዉ’ዩ ዝንገር፡ ኣብዚ ሰሉስን ረቡዕን ዝካየድ ኣኼባ ኔቶ’ውን ክሳተፍ ምዃኑ ተነጺሩ ኣሎ።

ዩክረይን፡ ክላስተር ቦምባ ኣቐዲማ ካብ ኣሜሪካ ሓቲታ'ኳ እንተነበረት እወታዊ መልሲ ኣሜሪካ ዝሓለፈ ዓርቢ’ዩ ተሰሚዑ።

ሰብስልጣን ኣሜሪካ እዚ ሓገዝ ኣካል ናይቲ ኣሜሪካ ንዩክረይን ክትህባ ዝተመባጽዓቶ 800 ሚልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ወተሃደራዊ ብረታት ከምዝዀነ’ዮም ዝገልጹ።

ኣባላት ኔሮ ዝዀና ካናዳ፡ ስጳኛን ኒውዚላንድን ውሳነ ኣሜሪካ ቅኑዕ ከምዘይኰነ ብምጥቃስ ተቓውሞአን ብግሁድ ኣስሚዐን ኣለዋ።

ሚኒስተር ምክልኻል ስጳኛ ማርጋሬታ ሮብለስ፡ “ዩክረይን ብሕጊ ክንከላኸለላ ከምዘለና ንኣምን ኢና ብክላስተር ቦምባ ክኸውን ግን ኣይንደልን ኢና” ኢላ።

ጀርመን ብወገና ንዩክረይን ክላስተር ቦምባ ከምዘይትህባ ብምንጻር፡ መርገጺ ኣሜሪካ ግን ከምእትርድኦ ብምግለጽ ማእከላይ መርገጺ ኣርእያ።

ኣሜሪካ፡ ክላስተር ቦምባ ዘውርዶ ሓደጋ ካብቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ትጥቀሞ ዘላ ቦምባታት ኣዝዩ ዝውሓደ ከምዝዀነ’ያ ትገልጽ።

ዩክረይን ነቲ ክላስተር ቦምባ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ከምዘይተውዕሎን ንኣጠቓቕማኡ ዝምልከት ንጹር ጸብጻብ ከተቕርብ ምዃና’ያ መብጽዓ ኣትያ ዘላ።

ሩስያ ግን ነቲ ዩክረይን ትኣትዎ ዘላ መብጽዓ “ዋጋ ዘይብሉ” ብምባል ነጺጋቶ ኣላ።