ንሽዱሽተ ዓመት ዝተሰወረ ወዲ 17 ዓመት እንግሊዛዊ ብኸመይ ኣብ ፈረንሳ ተረኺቡ?

ኣሌክስ ባቲ

ምንጪ ስእሊ, GREATER MANCHESTER POLICE

መግለጺ ስእሊ, ኣሌክስ ባቲ ቅድሚ ምስዋሩ ዝተስኣሎ ፎቶ
Published

እንግሊዛዊ ኣሌክስ ባቲ፡ ኣብ ቱሉዝ ኣብ ዝርከብ ማእከል መንእሰያት ከምዝርከብን ሎሚ ዓርቢ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክምለስ ምዃኑን ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ እታ ከተማ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣሌክስ፡ ተሌፎን ሓደ መራሒ መኪና ተጠቒሙ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ እትርከብ ዓባዩ፡ “አፍቂረኪ እየ! ገዛ ክመጽእ እደሊ ኣለኹ” ዝብል መልእኽቲ ሰዲዱ።

እቲ ካብ 2017 ኣትሒዙ ደሃይ ጠፊኡ ዝነበረ መንእሰይ፡ ረቡዕ ንግሆ እዩ ኣብ ከባቢ ቱሉዝ ማይ እናሃረመ ክጓዓዝ ብዝረኣዮ መራሒ መኪና ተረኺቡ።

እቲ ወዲ በዓል ንኸሕልፍ ኢሉ እዩ ምስ ኣደኡን ኣባሓጉኡን ናብ ስጳኛ ድሕሪ ምኻዱ እዩ ዝተሰወረ።

እዞም ሞግዚትነት ኣሌክስ ዘይብሎም ክልተ ሰባት፡ ምስ ምጥፋኡ ብዝተኣሳሰር ይድለዩ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ሓደ ምንጪ ፖሊስ ንቢቢሲ ኒውስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ወዲ ረቡዕ ንግሆ ኣብ እግሪ ጎቦታት ፒረኒስ ኣብ ዝርከብ ጽርግያ፡ ማይ እናሃረመ ክጓዓዝ ብዝረኣዮ መራሒ መኪና እዩ ናብ መደበር ፖሊስ ክበጽሕ ክኢሉ።

እቲ መራሒ መኪና፡ መራሒ መብጽሒ ፋብያን ኣሲዲኒ፡ ኣሌክስ ኣብ እግሪ ጎቦታት ፒረኒስ ኣብ ዝርከብ ጽርግያ ክኸይድ ከሎ፡ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ርእይዎ።

እቲ ምብጽጻሕ ንብረት - ደሊቨሪ - ዝሰርሕ መራሕ መኪና፡ "ኣበይ ከም ዝነበረ እኳ እንተዘይገለጸ፡ ኣርባዕተ መዓልታት ብእግሩ ከም ዝኸደ፡ ካብ ሓደ ኣብ ከባቢ ኣኽራን ዝነበረ ቦታ ከም ዝተበገሰ ገሊጹ" ይብል ሚስተር ኣሲዲኒ።

"ስሙ ኣብ ኢንተርነት ጽሒፈ፡ ይድለ ከምዘሎ ርእየ" ድማ ይውስኽ።

ኣሲዲኒ ንማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣሌክስ፡ ሓገዝ ንምርካብ ኤምባሲ ዘለዋ ዓባይ ከተማ ክረክብ መደብ ከምዝነበሮ ሓቢሩ። በዚ ድማ እቲ መራሕ መኪና ብቐጥታ ንሰበስልጣን ፈረንሳ ሓቢሩ።

ኣሌክስ፡ ኣካውንት ፌስቡክ ሚስተር ኣሲዲኒ ተጠቒሙ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንእትነብር ዓባዩ መልእኽቲ ሰዲዱ።

“ሰላም ዓባየይ ኣነ ኣሌክስ እየ፤ ኣብ ቱሉዝ ፈረንሳ እየ ዘለኹ። እዚ መልእኽቲ ክበጽሓኪ ኣዝየ ተስፋ እገብር፤ አፍቅረኪ እየ፡ ናብ ገዛይ ክመጽእ ደልየ ኣለኹ” ኢሉ ጽሒፉላ።

እቲ ወዲ ኣብ ፈረንሳ ንኽልተ ዓመት ከም ዝጸንሐ ዝገለጸ ምንጪ ፖሊስ፡ ምስቲ ናይ መወዳእታ ዝተለለየ ስእሊ ኣሌክስ ሓደ ዓይነት ከምዝዀነ ኣረጋጊጹ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ፒረኒያ ክነብር ጸኒሑ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ድማ እናተዘዋወረ፡ ኣብ መወዳእታ ናብቲ ዝተረኸበሉ ከባቢ ከም ዝበጽሐ ሓበሬታ ፖሊስ የመልክት።

ኣሌክስ፡ ብልክዕ ኣደኡ ኣበይ ከምዘላን ኣብ ፒረኒስ ኣበይ ክነብር ከምዝጸንሐን ከምዘይዛረብ ዓቃቢ ሕጊ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እታ ሕጋዊ ኣላዪቱ ዝዀነት ዓባዩ ሱዛን ካሩኣና ንጋዜጣ ዘ ሳን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ሕጂ ምስ ኣሌክስ ትራኸብ ከምዘላ ገሊጻ።

“ኣመና ተሓጒሰ ኣለኹ፤ ኣዘራሪበዮ እየ፣ ጽቡቕ ኣሎ” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ፍጻመ ዘይተጸበየቶን ዘሰንብድን ምዃኑ ገሊጻ።

ኣሌክስ ምስ ኣደኡን ኣቦሓጐኡን

ምንጪ ስእሊ, GMP

መግለጺ ስእሊ, ኣሌክስ፡ ኣብ 2017 ምስ ኣደኡን ኣቦሓጐኡን ንናይ ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ናብ ስጳኛ ከይዱ

ካሩኣና፡ ኣብ 2018 ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣደ ኣሌክስ ሜላኒ ባቲን ኣባሓጐኡ ደቪድ ባቲን ናብ ሓደ ኣብ ሞሮኮ ዝርከብ መንፈሳዊ ማሕበረሰብ ክነብር ወሲዶምዎ ኢላ ከም እትኣምን ገሊጻ ነይራ።

ኣብቲ እዋን ዝተፈለየ ኣነባብራ ይደልዩ ስለዝነበሩ፡ ኣሌክስ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ከምዘይደልዩ እውን ገሊጻ።

ሜላኒን ዴቪድ ባቲን ን ኣሌክስ ሒዞም ንናይ ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ብ30 መስከረም 2017 ካብ ማንቸስተር ተበጊሶም ናብ ማርቤላ ስጳኛ ተጓዒዞም።

ኣሌክስ ንመወዳእታ ግዜ ዝተራእየሉ 8 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ወደብ ማላጋ ኰይኑ፡ ኣብታ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክምለሱ ትጽቢት ዝተገብረላ መዓልቲ እያ ነይራ።

ፖሊስ ብሪጣንያ ብመንገዲ ኤምባሲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ፓሪስ ረኺብዎ’ሎ።

ፖሊስ ማንቸስተር ኵነታት ድሕነቱ ንምርግጋጽ ኣብ ዝምልከት ምስ ሰበስልጣን ፈረንሳ ርክባት የካይድ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ "እዚ ዝተሓላለኸን ነዊሕ ዝወሰደን መርመራ'ዩ፤ ተወሳኺ መርመራታትን ስጕምቲታት ምክልኻልን እውን ክንገብር ኢና፡" ኢሉ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ፡ ሓባራዊ ሃብቲን ልምዓትን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ንሓደ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ዜጋ ብሪጣንያ ንድግፍ፣ ምስ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ድማ ርክባት ነካይድ ኣለና” ይብል።