ብህወሓት ዝተረከበ ቃፍላይ ከበድቲ ብረታትን ተሽከርከርትን 'ተንቀሳቒሱ'

Published

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ህወሓት ዝተረከቦ ከበድቲ ብረታት ካብቲ ዝተኣከበሉ ቦታ ከንቀሳቕሶ ከምዝጀመረ ተገሊፁ።

ታንክታት፡ ኣጽዋራት፡ ተተኮስትን ዝተፈላለያ ዓበይቲ ተሽከርከርትን ዝሓዘ ቃፍላይ ካብቲ ካብ ከተማ መቐለ 36 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣጉላዕ ተወሲዱ'ሎ።

እቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋራት፡ ብመሰረት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ዝተረከበ'ዩ።

ተቖጻጸርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ንብረት ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ከምዝነበሩ ማዕከን ዜና መንግስቲ ሓቢሩ።

እንተኾነ ግን እቲ ብረታት ናበይ ቦታ ከምዝተወስደ እቲ ሓበሬታ ኣይጠቐሰን።

"ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ እቲ ወተሃደራዊ ንብረት ተረኪብና ብምልዓል ናብ ዝተዳለወሉ ቦታ ጉዕዞ ጀሚርና ኣለና" ክብል ሓደ ኮለነል ነጋ መንገሻ ዝተባህለ ሓላፊ ሎጅስቲክስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንማዕከን ዜና ኢ-ቢ-ሲ ተዛሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ላዕለዎት ወተሃደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ህወሓት፡ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ንፈለማ እዋን ብወግዒ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ገጽ ንገጽ ምርኻቦም ይዝከር።

ኣብቲ ርክብ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን፡ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደን ተረኺቦም ነይሮም'ዮም።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕን፡ ብድሕሪኡ ኣብ ናይሮቢ ከምኡ'ውን ኣብ መቐለ ዝተበጽሐ ምርድዳኣት ኣብ ባይታ ይትግበር ከምዘሎ'ዮም ክልቲኦም ወገናት ዝገልጹ ዘለዉ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተኻየደ ርክብ'ውን፡ ንመስርሕ ኣፈጻጽማ ትግባረ ናይቶም ስምምዓት ንምግምጋም ዝዓለመ ኮይኑ፡ ዘይተዛዘሙ ጉዳያት ከምዘለዉ እቲ ላዕለዎት መራሕቲ ገሊጾም።

ብወገን ህወሓት፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነውን ዝርከብዎም ላዕለዎት መራሕቲ'ውን ኣብቲ ናይ ዓርቢ ኣኼባ ተሳቲፎም።

ብወገን መንግስቲ ድማ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮንን፡ ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ሬድዋን ሑሴን፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኣብርሃም በላይን ዝርከብዎም ሓያለ ሰበስልጣን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣቶ ጌታቸው ንመንግስታዊ ተለቪዢን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ብወገን ህዝቢ ትግራይ ይኹን መሪሕነት ናብ ኲናት ናይ ምምላስ ፍጹም ድሌት የለን" ብምባል ኣብቲ ርክብ ብዛዕባ "ፖለቲካዊ ድሌት ህዝቢ" ትግራይ ከም ዝተዘራረቡ ጠቒሱ።

ቀዋሚ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያ፡ ሓይልታት ህወሓት ዕጥቆም ክፈትሑ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ዝርከብዎም ካብ ሰራዊት ፈደራል ወጻኢ ዝኾኑ ሓይልታት ጸጥታ ካብ ክልል ትግራይ ክወጹ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይገደብ ክኣቱን ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት መብራህቲ፡ ስልኪ፡ ባንኪን መጓዓዝያን ናብ ንቡር ክምለሱን ዝብሉ ይርከብዎም።

እቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለን ደማዊ ኲናት ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ከምዝቐዘፈ ይግለጽ።