ዝጸልመተ-ሰማይ ኣውሮጳ እትውንን ንእሽቶ ደሴት

መግለጺ ቪድዮ, ዝጸልመተ-ሰማይ ኣውሮጳ እትውንን ንእሽቶ ደሴት
Published

ኣብ ሰሜን ዌልስ እትርከብ ንእሽቶ ደሴት የኒስ ኤንሊ፡ ኣብ እዋን ለይቲ ብሉጽ ሰማይ ብምውናን ወግዓዊ ኣፍልጦ ረኺባ። እታ ካብ ወሽመጥ ሊይን ፍንትት ኢላ እትርከብ ብደሴት ባርደሲ እውን እትፍለጥ ደሴት ኣብ ኣውሮጳ ፈላሚት ምስክር ወረቐት፡ ፍሉይ ቦታ ጸሊም ሰማይ ዝረኸበት ኮይና ኣላ። ኣብ ዙርያ ዓለም ኣዝዮም ርሑቓትን ብጸልማት ዝተጎበጡን ተባሂሎም ዝፍለጡ 17 ስፍራታት ጥራሕ እዮም ዝርከቡ።