እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ዘጋጠመ ምህማም መሬት ዓሰርተ ሓደ ሰባት ቀቲሉ
ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ወላይታ ወረዳ ካዎ ካይሻ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ዓሰርተ ሓደ ሰባት ምሟቶም ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣፍሊጡ።
እቲ ትማሊ 5 ነሓሰ 2024 ኣብታ ወረዳ ቀበሌ ጤፓ ዝተኸስተ ምህማም መሬት ንሰዓታት ንዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ ኰይኑ ሂወት ነበርቲ ምጥፍኡ ኣማሓዳሪ ህዝቂኤል ጎቶሮ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ካብቶም ዝሞቱ ዓሰርተ ሓደ ነበርቲ ናይቶም ሽዱሽተ ሬሳ ምውጻእ እኳ እንተተኻእለ ዝናብ ብዘይምቁራጹን ሓደስቲ ምህማማት ብምኽሳቶምን እቲ ዝጠፍኡ ናይ ምድላይ ስራሕ ከምዘተኣጓጐለ ተዛሪቡ።
“ነበርቲ ነቶም ዝተረፉ ሬሳታት ንኸውጹኡ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ሓደሽቲ ምህማም መሬት ይኽሰቱ ብምህላዎም በዳሂ ጌርዎ ኣሎ። ካልእ ሓደጋ ከይክሰትን ተወሳኺ ሓዘን ክይመጸእን ኢልና ነቲ ናይ ድልያ ስራሕ ደው ኣቢልናዮ ኣለና” ኢሉ።
ዝተረፉ ሬሳታት ፍሒርካ ናይ ምውጻእ ስራሕ ሎሚ 6 ነሓሰ 2024 ዓ.ም ከምዝቕጽል'ውን እቲ ኣማሓዳሪ ገሊጹ።
ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ብዝተኸስቱ ክልተ ተኸታተልቲ ሓደጋታት ምህማም መሬት ሂወት ልዕሊ 250 ሰባት ምሕላፉ ዝዝከር'ዩ።
ነቶም በቲ ፈለማ ዘጋጠመ ምህማም ምሬት ተቀቢሮም ዝነበሩ ሰባት ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ርብርብ ተወሳኺ ምህማም መሬት ብምስዓቡ ሂወት ብዙሓት ነበርቲ ቀዚፉ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ሓደጋታት ምህማም መሬት ኣብ ዘንጸላለዎም ቀበሌተት ዝቅመጡ ነበርቲ ናብ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብያተ እምነታትን ምስ ቤተሰብን ክዕቆቡ ይግበር ከምዘሎ ኣቶ ህዝቅኤል ሓቢሩ።
ንሱ ከምዝበሎ ክሳብ ሕጂ 153 ስድራቤታት ተፈናቒሎም ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢታት ሰፊሮም ኣለዉ።
ኣብቲ ዞባ ሓደጋ ምህማም ብተደጋጋግሚ ዘጋጥም ክስተት ኮይኑ፡ ብቀዳም 3 ነሓሰ 2024 ኣብ ሓደ መንበሪ ገዛ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጓል 11 ዓመት ሕጻን ክትመውት እንከላ ወላዲታ ከኣ ብዝበጽሓ ጉዳኣት ኣብ ትሕቲ ክንክን ሕምና ከምትርከብ ገሊጹ።
ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ሓደ ካብቶም ብኸቢድ ዝናብን ሓደጋ ውሑጅን ዝጥቅዑ ዘለው ከባቢታት ከም ዝዀነ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] የመልክት።
ቅድም ኢሉ’ውን ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብተመሳሳሊ ሓደጋታት ክህሰዩ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።
ብ2016 [ኣ.ኤ]፡ ኣብ ከባቢታት ደቡብ እታ ሃገር ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ኣስታት 50 ሰባት ዝቐተለ ውሑጅን ምህማም መሬትን ኣጋጢሙ ነይሩ።
ሓደጋ ውሑጅ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝመጽእ ኰይኑ፡ ክሊማዊ ለውጢ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናብ ክስዕብ ከም ዝገብር ይፍለጥ።