ኬንያ፡ ዳርጋ ኵሎም ዜጋታት ኣፍሪቃ ብዘይ ቪዛ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ወሲና

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኬንያ፡ ኣፍሪቃውያን ዜጋታት ፍቓድ ቪዛ ምሕታት ከየድለዮም ናብ ሃገራ ክበጽሑ ከተፍቅድ ምዃና፡ መግለጺ ካቢነ ምኒስተራታ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኬንያ፡ መብዛሕትኦም በጻሕቲ ካብ ሃገሮም ቅድሚ ምውጽኦም፡ ፍቓድ ንምርካብ ብኢንተርነት ከመልክቱ ዝጠልብ "ካብ ቪዛ ነጻ" ዝብል ፖሊሲ ኣተኣታትያ ነይራ።

ድሒራ 'ኤለክትሮኒክ ትራቨል ኦቶራይዘሽን' (ETA) ዝበሃል መስርሕ ብምትእትታዋ ግን፡ "ስሙ ዝለወጠ ቪዛ እዩ፡" ተባሂላ ክትንቀፍ ጸኒሓ።

እቲ ብሰለሱ ዝተዋህበ መግለጺ ካቢነ ምኒስተራት፡ "ብዘይካ ንሶማልን ሊብያን (ብሰንኪ ጸጥታዊ ስክፍታታት) ንዅለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡" እዚ ዝጸንሐ መስርሕ'ዚ ክተርፍ ምዃኑ" ገሊጹ።

እዚ ተበጕሶ፡ ኣካል ናይቲ "ርሑው ሰማይ ዝተባህለ ፖሊሲን ዕብየት ቱሪዝም ንምድጋፍ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታትን፡" ኰይኑ፡ "ዞባዊ ውህደት ንምድንፋዕን ኣብ መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝግበር ጕዕዞ ንምቅላልን፡" ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ።

ኬንያ ጕዕዞ ገያሾ ንምቅልጣፍ ኢላ ኤለክትሮኒክ ትራቨል ኦቶራይዘሽን (ETA) እኳ እንተ ኣተኣታተወት፡ ኣሳልጦ ክፈጥር ስለ ዘይከኣለ ግን፡ ኣብ 2024 ኣብ ዝተኻየደ መዐቀኒ ክፉትነት ቪዛ ኣፍሪቃ ካብ 54 ሃገራት ብ17 ደረጃታት ወሪዳ መበል 46 ደረጃ ተሰሪዓ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ካልእ ቦታታት እታ ኣህጉር ንዝመጽሑ ገያሾ ዘድልዮም ናይ ጕዕዞ ጠለባት ንምቅላል እኳ እንተ ፈተና፡ ኣብዝሓ ግዜ ግን ንዜጋታት ምዕራባውያን ሃገራት ዝቐልል ኰይኑ ምጽንሑ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ጋና፡ ኵሎም ኣፍሪቃውያን ቪዛ ከየድለዮም ናብታ ሃገር ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት`ዚ ገሊጻ ነይራ።

ኣፍሪቃውያን ገያሾ ናብ ሩዋንዳ ክበጽሑ'ውን ቪዛ ኣየድልዮምን እዩ።

እዚ ኣብ ውሽጢ እዛ ኣህጉር መገሻታት ንምቅላል ዝውሰድ ዘሎ ስጕምትታት፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ዝድፍኣሎ ዘሎ እዩ።

ብመሰረት እዚ ብካቢነ ምኒስተራት ኬንያ ሓሊፉ ዘሎ ውሳነ፡ ንዜጋታት ሶማልያን ሊብያን ሓዲግካ ኵሎም ኣፍሪቃውያን ብዘይ ኤለክትሮኒክ ትራቨል ኦቶራይዘሽን ናብታ ሃገር ክኣትዉን ክሳዕ ክልተ ኣዋርሕ ክጸንሑን ክፍቀደሎም እዩ።

ኣባላት ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዀና ሃገራት ኡጓንዳ፡ ታንዛንያ፡ ሩዋንዳን ብሩንዲን ግን ዜጋታተን ክሳዕ ሽዱሽተ ኣዋርሑ ክጸንሑ ይኽእሉ።

ኬንያ፡ ንተጓዓዝቲ "ንእለቱ ፍቓድ ክረኽቡ ዘኽእሎም፡" ዝበለቶ ዝተቓለለ መስርሕ ከተተኣታቱ ምዃናን ዝለዓለ መስርሕ ግዜኡ 72 ሰዓታት ጥራሕ ከም ዝኸውንን እያ ትገልጽ።

እዚ መዓስ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ንጹር እኳ እንተ ዘይኰነ፡ መስርሕ ገያሾ ንምምሕያሽ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን መምርሒታት ከርቅቓ ንብዙሓት ምኒስትሪታት ዕማም ከም ዝተዋህበን እቲ መግለጺ የመልክት።

ኤለክትሮኒክ ትራቨል ኦቶራይዘሽን (ETA) ቅድሚ ምትእትታዉ፡ ካብ ልዕሊ 40 ሃገራት ዝመጽኡ ገያሾ ኣብ ፖስፖርቶም ማሕተም ተሃሪምሎም ምንም ከይከፈሉ ክኣትዉ ይኽእሉ ነይሮም።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ግን መብዛሕትኦም ተጓዓዝቲ እንተ ወሓደ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ዕለት መገሻኦም ብኢንተርነት ከመልክቱ ኣለዎም።

ክፍሊት ኢቲኤ 30 ዶላር ኰይኑ ን90 መዓልታት ከኣ የጽንሕ።

እዚ ፖሊሲ'ዚ፡ ናብዛ ሃገር ንዝበጽሑ ገያሾ ዘተዓናቕፍ'ዩ ብምባል ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።

ኬንያ ነቲ ሓድሽ መስርሕ ኢቲኤ ዘተኣታተወት፡ ብምኽንያት ዘለዋ ናይ ጸጥታ ስግኣት ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንቢቢሲ ገሊጻ ነይራ።

እታ ሃገር ካብ ጐረቤታ ሶማልያ ብዝመጽኡ ዕጡቓት ኣልሸባብን ጅሃዳውያንን ዒላማ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕትታት ኰይና ጸኒሓ እያ።

እቶም ብዘይ ዝዀነ መስርሕ ክኣትዉ ዝፍቀዶም ዝነበረ ኢትዮጵያውያን፡ መስርሕ ኢቲኤ ምስ ጀመረ መረርኦም ከስምዑ ተራእዮም እዮም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ባጫ ደበሌ ምስ መንግስቲ ኬንያ ብዝገበሮ ምርድዳ፡እ ከም ቀደሞም ብናጻ ክኣትዉ ከም ዝተገብረ ንቢቢሲ ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ለካቲት 2023 ኣብ ዝሃቡዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ዜጋታት ክልተአን ሃገራት ብዘይ ቪዛ ካብ-ናብ ክገሹ ከም ዝተሰማምዓ ድሕሪ ምግላጾም፡ ኤርትራውያን ብዘይ ዝዀነ መስርሕ ናብ ኬንያ ክበጽሑ ክኢሎም ነይሮም።

መስርሕ ኢቲኤ ምስ ተኣታተወ ግን ኣቐዲሞም ፍቓድ ክሓቱን ክፍሊት ክፍጽሙን ጸኒሖም እዮም።