ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ሎሚ ኣብ ናይሮቢ ክራኸቡ ምዃኖም ተገሊጹ  

Published

ላዕለዎት ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን፡ ኣብ ናይሮቢ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቕጽል ዘተ ከካይዱ ምዃኖም ተገሊጹ።

እቲ ካብ ሎሚ ረቡዕ 12 ታሕሳስ 2015 [ግእዝ] ክሳብ ዓርቢ ከምዝሳለጥ ዝተገለጸ ዘተ፡ ንትግበራ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦን ኣብ ናይሮቢ ዝቐጸለ ስምምዕ ትግባረን ዝምልከት ከምዝዀነ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሕ ዘተ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣተገባብራ ምፍታሕ ዕጥቂ ከምኡ'ውን ሕብረት ኣፍሪቃ ንዘካይዶ ናይ ትግበራ ቍጽጽር ዘድልዩ ነጥብታት ኣፈጻጽማ፡ ተዘራሪቦም ከጽድቝ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ኣብቲ ድርድር ናይሮቢ ዝተኻየደሉ ቦታ ከምዝሳለጥ ዝተሓበረ ሳልሳይ ዙር ዘተ ብዕጹው ዝካየድ ኰይኑ፡ ኣብ መዕጸዊ መግለጺ ከምዝወሃብ ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብቲ ዘተ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ወከልቲ ኣሜሪካን ዝሳተፉ ኰይኖም ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ እውን ክርከብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ድሕሪ ፕሪቶርያ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ክልቲኦም ወገናት ጐንጺ ደው ከብሉ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱን ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑን፡ ማዕረማዕረኡ፡ 'ሓይልታት ወጻኢን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይሊታት ክልላት' ክወጽኡን ምስምማዖም ይዝከር።

ኣብዚ ሎሚ ኣብ ናይሮቢ ክጅመር ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ዝሳተፉ ወከልቲ ዛጊት ብዝርዝር ኣይተፈልጡን።

እንተዀነ፡ "ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብ ሻድሻይ ዘመን ሳልሳይ ህጹጽ ጉባኤኡ" ሸሞንተ ዝኣባላቱ "ጕጅለ ልኡኽ ዘተ ሰላም ትግራይ" ዝሓለፈ ሰኑይ ከም ዘጽደቐ ተሓቢሩ እዩ።

ድሕሪ እቲ ክልተ ወርሒ ክመልእ ተቓሪቡ ዘሎ ውዕል ሰላም ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕያሽ የርኢ ከምዘሎ ዝተገለጸ ኰይኑ፡ ምስ ጠለብ ደለይቲ ሓገዝ ግን ዝመጣጠን ከምዘይኰነ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ይገልጻ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ እውን ኣገልግሎት ተሌፎንን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ጀሚሩ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ውሱናት ከተማታት ኣብዚ ሰሙን ኣገልግሎት ባንክ ከምዝጀመረ ተገሊጹ።

ኣካል እቲ ስምምዕ ዝዀነ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ግን ተግባራዊ ከምዘይኮነ መራሕቲ ትግራይ ብተደጋጋሚ ክዛረቡ ተሰሚዖም እዮም።

ክልተ ዓመታት ዘቝጸረ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅምር፡ ኤርትራ ሰራዊታ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሰሊፋ ክትዋጋእ ከም ዝጸንሀት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብቲ ብኽልቲኦም ወገናት ዝተፈረመ ውዕል ግን 'ሓይልታት ወጻኢ' ብዝብል እንተዘይኰይኑ ስማ ብወግዒ ኣይተጠቐሰን።

ብተወሳኺ ሓይልታት ትግራይ ካብ ብዙሓት ግንባራት ከምዝሰሓቡ'ኳ እንተተገለጸ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ብዛዕባ ምጅማሮም ግን ዝተባህለ ነገር የለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ 8 ታሕሳስ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነተ ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም ተግባራዊ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኰይኑ ግን ኣቦ መንበር ህወሓትን ፕረዚደንት ትግራይን ዶ/ር ደብረጽዮን ብሰንበት ኣብ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ እቲ ስምምዕ ሰላም ብወገን መንግስቲ ፌደራል ምሉእ ብምሉእ ይትግበር የለን ኢሉ።

ንሱ፡ "ብወገን መንግስቲ ፈደራል ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝነኣዱ ጉዳያት'ኳ እንተሃለዉ፡ ኣብ ዝተረፉ ነጥብታት እቲ ውዕል ሰላም ግን ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ኣይፈጸመን" ኢሉ።

ብኻልእ ዜና፡ መንግስቲ ፈደራል፡ መቐለን ካልኦት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዘይተቘጻጸሮም ከባቢታት ዝተወደበ ዘረፋ ይፍጸም ምህላዉ ብምሕባር፡ ድሕነት ህዝቢ ንምሕላው ስጕምቲ ከምዝወስድ ቅድሚ መዓልቲታት ምግላጹ ዝዝከር እዩ።