ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ጽባሕ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክልል ኣምሓራ ኣመልኪቱ ክእከብ እዩ

Published

ኣብ ዕረፍቲ ዝርከቡ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ጽባሕ 8 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ግእዝ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ ከካይዱ እዮም።

እቲ ባይቶ፡ ኣብቲ ጽባሕ ዘካይዶ ኣኼባ ነዚ ኣዋጅ ዝምልከት ውሳነ ከም ዘሕልፍ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ግጭት ተጓሃሂሩ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፡ ነቲ ግጭት ክቆጻጸሮ ከም ዘይከኣለ ብምግላጽ፡ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ፌደራል ከም ዝሓተተ’ውን ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ እዩ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ልዕሊ ክልል ኣምሓራ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝኣወጀ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት፡ ድሕነትን ሰላምን ህዝቢ ንምሕላውን ከምኡ’ውን ሕግን ስርዓትን ንምኽባር እቲ ኣዋጅ ከሕልፍ ከም ዝወሰነ ሓቢሩ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዘተግብር ብኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ዝምራሕ ኣካቢ ላዕለዋይ እዚ ህጹጽ እዋን ከም ዘጣየሸ’ውን ይፍለጥ።

እቲ ኣካቢ ላዕለዋይ እዚ ህጹጽ እዋን ቀዳማይ ምዕራፍ ንጥፈታት ገምጊሙ ቅድሚ ሒደት መዓልታት መግለጺ ዘውጽአ ክኸውን ከሎ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ፋኖ ስጉምቲ ከም ዝተወስደን “ልዕልና ሕጊ” ከም ዝተኸበረን ጠቒሱ’ዩ።

ኣብ ቀንዲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ፡ ምንቅስቓሳት ናብ ንቡር ይምለስ ከም ዘሎ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ሰላምን ምርግጋእን ንኽሰፍን ኣገዳሲ ዝበሎም ትእዛዛትን ክልከላታትን እውን ከም ዘውጽአ ዝዝከር’ዩ።

ኢሰመኮ እንታይ ኢሉ?

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ)፡ ኣብቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ውሳነ ንምሕላፍ ኣኼባ ክካየድ ንዝተጸውዐ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ትንታነ ሰብኣዊ መሰላትን ለበዋታትን ኣቕሪቡ ኣሎ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ በቲ ኣዋጅ ዝተቐመጡ ክልከላታትን ግዴታታትን ከምኡ’ውን ንመንግስቲ ዝተዋህበ ህጹጽ ስልጣን ክምርምር ኢሰመኮ ተላብዩ።

ብተወሳኺ እቲ ባይቶ፡ ኣገዳስነት፡ ተመጣጣንነትን ሕጋውነትን እቲ ኣዋጅ ከምኡ’ውን ስፍሓትን ገደብ ግዜን ኣፈጻጽማኡ ክምርመር ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ዳያኑን ብዘይ ውሳነ እቲ ባይቶ ናይ ዘይምኽሳስን ካልኦት ክድረት ዘይግቡኡ ፍሉይ መሰላቶምን ክሕለው’ውን ሓቲቱ።

ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ወፃኢታት፡ ምሕደራን ቁፅፅርን ዝዀነ ክርስቲያን ታደለ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ።

ብመሰረት እቲ ኮሚሽን፡ መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘጋጠመ ፀገማት ተኣልዩ፡ ምንቅስቓሳት ናብ ንቡር ክምለሱ ከም ዝጀመሩ መንግስቲ ስለ ዝገለጸ፡ እቲ ባይቶ ነቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከጽድቕ እንተድኣ ኰይኑ ካብ ሓደ ወርሒ ወይ ገለ ሰሙናት ንዘይበልጽ ግዜ ጥራይ ዝትግበር ክኸውን ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ምምሕያሽ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ከሓጽር ወይ እቲ ጸገም እንተዘይተፈቲሑ ድማ ክናዋሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክውስን ይኽእል እዩ።

እቲ ኣዋጅ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተለዓለ ግጭት መሰረት ዝገበረ’ኳ እንተዀነ ከም ኣድላይነቱ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር’ውን ክትግበር ከም ዝኽእል ይግለፅ።

ስለ ዝዀነ ድማ ኢሰመኮ፡ ተፈጻምነት እቲ ኣዋጅ "ኣብቲ ፍሉይ ሓደጋ ኣጋጢሙ ዝተባህለሉ ክልል ኣምሓራ ጥራይ ክድረት" ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ ኣዋጅ እንተጸዲቑ፡ "ኣብ ኣተረጓጉማ ከደናግሩ፡ ዘይግቡእ ኣተገባብራን ሓደጋታት ሰብኣዊ መሰላትን ከስዕቡ ዝኽእሉ ድንጋገታት" ምምሕያሻት ክግበረሎም ተላብዩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብታ ሃገር ዝተኣወጁ ኣዋጃት ህጹጽ እዋን ኣብ ዝትግበሩሉ እዋን ዝተፈላለዩ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸሙ ዘዘኻኸረ ኢሰመኮ፡ ዳግማይ ተመሳሳሊ ኵነታት ከይፍጠር ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።