እንግሊዝ ኣሰጋገርቲ ሰባት ንምምካት ሓደስቲ ውጥናት ኣዳልያ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሰር ኬር ስታመር፡ ንጕጅለታት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ክምክት ተወሳኺ 75 ሚልዮን ፓውንድ በጀት ወግዓዊ ክገብር እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሃገሩ ኣብ ጉዳይ ድሕነት ዶባት እትኽተሎ መስርሕ ዳግማይ ንምምሕያሽ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን፡ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዓለማዊ ትካል ፖሊስ (‘ኢንተርፖል’) ድሕሪ ልዕሊ 50 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ተወሳኺ ገንዘብ፡ጸጥታ ዶባት እንግሊዝ [ቦርደር ሰኵሪቲ ኰማንድ - ቢ.ኤስ.ሲ] ዝሕግዙ ሓደስቲ ማእከላት ቴክኖሎጂ ንምቛም ከምኡ’ውን ንኣባላት ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ስለያን ዓቃቢ ሕግን ዝወጽእ ወጻኢታት ንምሕያል ዝሕግዝ’ዩ።

ሰር ኬር ስታመር ኣብቲ ካብ ኣስታት 200 ኣባላት ሃገራት ኢንተርፖል ዝመጹ ላዕለዎት ፖሊስን ሚኒስተራትን ዘራኽብ ዋዕላ ግላስኮ "ዓለም ብኽብደት እዚ ብድሆ ክትበራበር ኣለዋ" ዝብል መጠንቀቕታ ከሕልፍ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣገባብ ጸረ-ሽበራ ኣብ ምሕላው ጸጥታ ዶባት ክትግብር ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ፖሊስ፡ ሓይሊ ዶባትን ትካላት ስለያን ዘሎ "ዘይምውዳድ" መፍትሒ ክገብረሉ ድልየት ኣለዎ።

ብማርቲን ሄዊት ዝምራሕ እዚ ጸጥታ ዶባት እንግሊዝ [ቦርደር ሰኵሪቲ ኰማንድ - ቢ.ኤስ.ሲ]፡ ብሓድሽ እማመ ድሕነት ዶብ፡ ዑቕባን ኢሚግሬሽንን ኣቢሉ ዝለዓለ ስልጣን ክወሃቦ እዩ። እዚ ድማ ነቶም ኣብ ዝተወደበ ገበን ኢሚግሬሽን ዝነጥፉ ሰባት ብቐሊሉ ንምልላይ፡ ንምፍራስን ንምዕጋትን ይሕግዞ።

ብተወሳኺ ኣብ ዕማማት ትካላት ስለያን ኣኽበርቲ ሕጊን ምስ ኣውሮጳውያን መዛኑኡ ክተሓባበር ኰይኑ ተወሳኺ ገንዘብ’ውን ክረክብን እዩ።

  • ዓለማዊ ሽርክነት ንምሕያልን ሓድሽ ሕጊ ንምፍጻምን ተወሰኽቲ 300 ሰራሕተኛታት ቢኤስሲ ክውሰኹ እዮም
  • ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝነጥፉ ገበነኛታት ንምምካት ተወሰኽቲ 100 ፍሉያት መርመርትን ሓለፍቲ ስለያን ናብ ሃገራዊ ትካል ገበን ክጽምበሩ’ዮም
  • ምቛም ሓደስቲ ኣሃዱታት ፍሉይ ስለያን ሓድሽ ቴክኖሎጂን ሓዊሱ ካልኦት ምምሕያሻት ከምዝግበሩ ተፈሊጡ’ሎ

ካብ ኣስታት 200 ኣባል ሃገራት ኢንተርፖል ንዝመጹ ወከልቲ መደረ ከቕርብ ዝተዳለወ ሰር ኬር፡ ኣብ ጉዳይ ንኣሽቱ ጀላቡ ከተኩር ምምራጹ ዘገርም ኣይኰነን።

ምኽንያቱ ኣብ ጥቅምቲ ጥራይ ልዕሊ 5 ሽሕ ሰባት ንመትረብ እንግሊዝ ከምዝሰገሩ እዩ ዝግለጽ።

ዓቃባዊ ሰልፊ ግን ድሮ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝሃቦ መግለጺ ነቒፉዎ ኣሎ።

"ሓደገኛ ጕዕዞ መትረብ ክገብሩ ንዝደልዩ ስደተኛታት ደው ንምባል ዘኽእል መከላኸሊ ኣገባብ እንተዘይሃልዩ ፍጹም ትርጕም የብሉን" ይብል እቲ ሰልፊ።

ኬር ስታመር ነቲ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስጓግ ውጥን ምስራዙ ይዝከር። እዚ ድማ መንግስቲ ዓቃባዊ ሰልፊ ነቲ ብመትረብ ዝፍጸም ምስጋር ንምግታእ ዝሓንጸጾ መደብ እዩ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚ ሰኑይ [04 ሕዳር 2024] ወግዓዊ ዝገብሮም ውጥናት ዝሓሸ ስራሕ ንኽሰርሑ ከምዘኽእሉ ጽኑዕ መርገጺ ኣለዎ።

ብገበን ዕጸፋርስ ንዓባይ ብሪጣንያ ዝጸሉ ከቢድ ዝተወደበ ገበናት ንምምካት ከኣ መንግስቱ ኣብዚ ዓመት ተወሳኺ 6 ሚልዮን ፓውንድ ንዓለምለኻዊ ስርሒታት ኢንተርፖል ብምሃብ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝህቦ ደገፍ ከምዘዕበዮ ወግዓዊ ክገብር ትጽቢት ይግበር።

ኣብ 2023 ምስ ምጥቃም ዕጸ-ፋርስ ብዝተኣሳሰር 5,448 ሞት ኣብታ ሃገር ተመዝጊቡ። እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበረ ብ11 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።