ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዜጋኣ ምቕታሉ ስዒቡ መጠንቀቕታ ኣውጺኣ

ባንዴራታት ቻይናን ኢትዮጵያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ከተማ ገብረ ጉራቻ ሓደ ዜጋኣ ድሕሪ ምቕታሉ ኣብቲ ክልል ንዝንቀሳቐሱ ዜጋታታ መጠንቀቕታ ኣውጺኣ።

ኤኤፍፒ ንኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ብሰኑይ 22 ጥሪ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኣንፈት ሰሜን ኣብ እትርከብ ገብረ ጉራቻ ዝተብሃለት ከተማ 9 ቻይናውያን ብዕጡቓት ጉጅለታት ተኹሲ ተኸፊትዎም ነይሩ።

ካብቶም ተኩሲ ዝተኸፈቶም ቻይናውያን እቲ ሓደ ከምዝሞተ ድማ ሮይተርስን ማዕከን ዜና ኤኤፍፒን ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ብምጥቃስ ሓቢሮም።

እቲ ኤምባሲ ቅትለት ዜጋ ሃገሩ ኣብ ዘፍለጠሉ መግለጺ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዕጡቕ ጉጅለ መንነቱ ኣይገለፀን። ከምኡ’ውን መንነት ናይቶም ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ቻይናውያን ኣየነፀረን።

ካብ ኤምባሲ ቻይና ዝወጸ መግለጺ ሓደ ቻይናዊ ከምዝተቐትለ ካብ ምግላፅ ወፃኢ ብዛዕባ ኣብ ካልኦቶም ዝበፅሐ መጉዳእቲ ዝበሎ ነገር የለን።

ካብ ኣዲስ ኣበባ 163 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣብ ልዕሊ ቻይናውያን ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ ጉዕዞ “ኣብ ልዑል ሓደጋ ዘለዎ ከባቢ እንተሃሊኹም ብቕልጡፍ ናብ ውሑስ ቦታ ክትከዱ ይግባእ" ኢሉ።

ኣብ ክልል ኦሮምያን ጎረባብቲ ክልላትን ብኣፅዋር ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ፣ ጭውያታትን ምዝማትን ብስፍሓት ይረኣይ ከምዘሎ እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኤኤፍፒ ነቲ ፍጻመ ብዝምልከት ርእይቶ ሰበስልጣን ክልል ኦሮምያ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ንባዕሉ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዝብል ዝፀውዕ ጉጅለን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ውግእ ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።

እዚ መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝፅውዖ ዕጡቕ ጉጅለ ሰበስልጣን መንግስትን ሰላማውያን ሰባትን ብምቕታል ከምኡ’ውን ወጻእተኛታት ሓዊሱ ሰባት እናጨወየ ገንዘብ ብምሕታት ይኽሰስ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ልዕሊ 20 መሃንድሳት ፋብሪካ ሲሚንቶ ዳንጎቴ ዝሓቖፈ ጉጅለ ጨውዩ ነይሩ።

እቶም ዝተጨውዩ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ሲሚንቶ ብዘይ ዝኾነ ጉድኣት ከምዝተፈትሑ ድማ ፀብፃብ ሮይተርስ የመልክት።

ቅድሚ ክልተ ወርሒ‘ውን ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ አደኣ በርጋ ልዕሊ 30 ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ስሚንቶ ብኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከምዝተጨወዩ ተገሊፁ ነይሩ።

ካብቶም ብ21 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ተጨውዮም ዝነበሩ ሰባት መብዛሕትኦም እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንዝሓተቶ በጃ ከፊሎም ዝወፅኡ ክኾኑ ከለዉ እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጨውዩ መሃንድሳት ግን በጃ ከፊሎም ድዮም ኣይከፈሉን ዝተፈለጠ ነገር የለን።