ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ምስ በዓልቲ ቤቱ ተፋቲሑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶን በዓልቲ ቤቱ ሶፊን

ምንጪ ስእሊ, PA Media

Published

ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶን በዓልቲ ቤቱ ሶፊን ድሕሪ 18 ዓመታት ፍትሕ ይፍጽሙ ኣለዉ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ድሕሪ፡ "ትርጕም ዘለዎን ከቢድን ዝርርብ" ከምዝዀነ ተሓቢሩ።

እዞም መጻምድቲ፡ ንሓዋሩ "ዓሚቝ ፍቕርን ምክብባርን ዘለዎም ናይ ቀረባ ስድራቤት" ኰይኖም ክቕጽሉ ምዃኖም፡ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝዘርግሕዎ ጽሑፍ ገሊጾም።

ንሳቶም፡ ኣብ 2005 ኣብ ሞንትርያል ከም ዝተመርዓዉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብሓባር ሰለስተ ቈልዑ ኣፍርዮም።

ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዞም መጻምድቲ፡ ስምምዕ ምፍልላይ'ኳ እንተፈረሙ፡ ገና ኣብ ህዝባዊ መድረኻት ብሓባር ክረኣዩ ክቕጽሉ ምዃኖም ሓቢሩ።

"ንውሳነ ምፍልላይ ብዝምልከት ኵሉ ሕጋውን ስነ-ምግባራውን መስርሓት ተኸቲሎም እዮም፤ ንቕድሚት ድማ ክቕጽሉ እዮም" ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ዝመጽእ ሰሙን ከም ስድራቤት ንዕረፍቲ ከምዝወጽኡ ገሊጹ።

እዞም መጻምድቲ፡ በዅሪ ወዶም ዛቪየር ወዲ 15 ዓመት፡ ኤላ-ግሬስ ጓል 14 ዓመት፡ ሃድሪን ወዲ ትሽዓተ ዓመት ን’ጽቡቕ ህይወቶም’ ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ድማ ቃል ኣትዮም።

ወዲ 51 ዓመት ሚስተር ትሩዶን ጓል 48 ዓመት ሶፊ ግሬጎር ትሩዶን፡ "ኣብ መንጐና ዝሃነጽናዮ ዓሚቝ ፍቕርን ምክብባርን ክንቅጽሎን ናይ ቀረባ ስድራቤት ኴንና ክንነብርን ኢና" ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶን በዓልቲ ቤቱ ሶፊን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ስይመተ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ብሓባር ተሳቲፎም እዮም።

ኣብ መጋቢት ድማ ኣብ ካናዳ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣአንጊዶም ነይሮም።

ካብዚ ወጻኢ፡ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ኣብ ህዝባዊ መድረኻት ክንድዚ ብሓባር ኣይተርአዩን እዮም።

ሚስተር ትሩዶ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2015 ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ኣብ ዝተመርጸሉ እዋን፡ እዞም መጻምድቲ ኣብ ሓደ ልዑል ፍሉጥ መጽሄት ቀሪቦም ነይሮም።

ኣብ እዋን ዕርክነቶም ኣብ ናይ መጀመርታ እንግዶት ድራር፡ "ኣነ ወዲ 31 ዓመት'የ፡ ንስኺ ድማ ጓል 31 ዓመት ክሳብ ትመልኢ እጽበየኪ ኣለኹ" ከምዝበላ፡ ነታ መጽሔት ተዛሪባ ነይራ።

ሚስ ግሬጎር ትሩዶ ኣብ ግንቦት 2022 ኣብ ዝኽሪ መርዓ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ብድሆታት ዝምድናታት ነዊሑ ዛንታ ዝጸሓፈት ኰይና፡፡ "ብሩህ መዓልታት፣ ከቢድ ህቦብላን ኵሉን ዓይነት ነገራት ሓሊፍና ኢና ብሓባር ተጓዒዝና " ኢላ።

ሚስተር ትሩዶ'ውን ብዛዕባ ኣብ ሓዳሮም ዘጋጠመ ብድሆታት ጽሒፉ ይፈልጥ እዩ።

ኣብታ ኣብ 2014 ኣብ ዘሐተማ ታሪኽ ውልቀ-ህይወቱ፡ "ሓዳርና ፍጹም ኣይኮነን፡ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን እውን ኣጋጢሙና እዩ። ምስ’ዚ ኩሉ ግን ሶፊ እታ ዝበለጸት ዓርከይ፣ መጻምድተይን ኣፍቃሪተይን ኰይና ትቕጽል ኣላ። ዋላ ኣብ ሕማቕ እዋን፡ ኣብ መንጐና ቅንዕና ኣሎ" ኢሉ።

ክልቲኦም ኣብ 2003 ዕርክነት ዝጀመሩ ኰይኖም፡ ሚስ ግሬጎር ትሩዶ ጋዜጠኛ ኰይና ትሰርሕ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እዩ ተጀሚሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮን ጸገማት ኣመጋግባን ብእትገብሮ ናይ ግብረ-ሰናይ ስርሓት ብሰፊሑ ትፍለጥ።

ሚስተር ትሩዶ ኣብ ስልጣን ኰይኑ፡ ሓዳሩ ከምዝተበተነ ዝገለጸ ካልኣይ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ኣቦኡ ነፍስሄር ፒየር ኢልዮት ትሩዶን ኣደኡ ማርጋሬት ትሩዶን ኰይኖም ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ብሓባር ኣብ 1977 ከምዝተፈላለዩ ኣፍሊጦም፤ ጸኒሖም ድማ ወዲኦም ተፋቲሖም።