መውስቦ ንኽሓትት ደቂ ኣንስትዮ ሽማግለታት ዝሰደደ ዘማሪ

እተን መውስበ ክሓታ ዝተላእካ ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, ABENEZER FIKRU

መግለጺ ስእሊ, እተን መውስበ ክሓታ ዝተላእካ ደቂ ኣንስትዮ
Published

ኢትዮጵያዊ ኣቤኔዘር ፍቅሩ ናብ ስድራ ኣፍቃሪቱ “ጓልኩም ንወድና” ኢለን መውስቦ ክሓታ ደቂ ኣንስትዮ ሽማግለታት ምልኣኹም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኰይኑ ይርከብ።

ንኸምዚ ዓይነት ተልእኾ ደቂ ተባዕትዮ ሽማግለታት ክለኣኹ እዩ ንቡር ዝርአ፤ ዘማሪ ኣቤኔዘር ግን ነዚ ልምዲ እዚ ንምቕያር፡ መወስቦ ክሓታሉ ደቂ ኣንስትዮ ሽማግለታት’ዩ ልኢኹ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ኣብታ ተባዕታዊ ዕብለላ ዝነገሰላ ኢትዮጵያ “ጓልኩም ንወድና” ኢለን ዝሓታ ሽማግለታት ምስዳድ ዘይልሙድ’ኳ እንተዀነ ክድገፍን ክድነቕን ዘለዎ ተግባር ምዃኑ ሓሳቦም ዝሃቡ ብዙሓት’ዮም።

ወዲ ንመርዓ ዝሓትት፡ ስድራ ጓል ከኣ ‘ሕራይ ወይ እምቢ’ ዝብሉ ገይርካ ምሕሳብ ዘይተዋሕጠሎም ገለ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ንሕቶ መውስቦ ደቂ ኣንስትዮ ይልኣኻ ዋላ ደቂ ተባዕትዮ ዝዀነ ለውጢ ከምዘይብሉ ይከራኽሩ።

ናብ ስድራ ኣፍቃሪት ኣቤኔዘር ዝተለኣኻ ሽማግለታት ደቂ ኣንስትዮ ባህላዊ ክዳን ገይረን ብሓባር ዝተሰኣላኦ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሰብ ብብዝሒ ይቐባበለሉ ኣሎ።

ምስ ቢቢሲ ቃለ መጠይቕ ዘካየደ ዘማሪ ኣቤኔዘር፡ ስድራ ኣፍቃሪቱ ነቲ መውስቦ ሕራይ ከምዝበሉ ብምሕባር’ዩ ዘረባኡ ጀሚሩ።

ደቂ ኣንስትዮ ሽማግለታት ናብ ስድራ ኣፍቃሪቱ ክሰድድ ምስ ሓሰበ መጀመርታ ምስ ኣቦኡ ከምዝተማኸረ’ዩ ኣቤኔዘር ዝሕብር።

“ንኣቦይ እዚ ሓሳብ ምስ ኣካፈልክዎ፡ ኣዝዩ’ዩ ባህ ኢልዎ”ይብል ኣቤኔዘር።

ኣቦኡ ንዘረባ ወዶም ድሕሪ ምስማዕ፡ “ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ክብሪ ከምዝህልወካ ጌርና ከምዘዕበናካ ዘርኢ ሓሳብ ኢኻ ኣምጺእካ ብምባል’ዩ መሊሱለይ” ይብል።

ናብ ስድራ ኣፍቃሪቱ’ውን ንመውስቦ ዝሓታ ደቂ ኣንስትዮ ክሰድድ ምዃኑ ኣቐዲሙ ከምዝሓበሮም ዝገልጽ ኣቤኔዘር፡ መልሲ ስድራ ኣፍቃሪቱ፡ “ደቂ ኣንስትዮ ምልኣኽ ብባህልን ብሃይማኖትን ነውሪ ዘብል ነገር ስለዘይብሉ ክትልእኽ ትኽእል ኢኻ ኢሎምኒ፡ ኣዝዮም’ዮም ተሓጒሶም” ኢሉ።

እተን ንመውስቦ ክሓታሉ ዝሓረየን ሽማግለታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓሳቡ ምስ ኣረድአን ንሰን’ውን ከይተማትኣ ንሕቶኡ ከምዝተቐበላኦን ባህላዊ ክዳነን ገይረን ናብ ስድራ ኣፍቃሪቱ ከምዝኸዳ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እተን መውስበ ክሓታ ዝተለኣኻ ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, ABENEZER FIKRU

መግለጺ ስእሊ, እተን መውስበ ክሓታ ዝተለኣኻ ደቂ ኣንስትዮ

15 ጥሪ 2015 [ግእዝ] ናብ ስድራ ኣፍቃሪት ኣቤኔዘር ዝተላእካ ሽማግለታት ደቂ ኣንስትዮ፡ በቶም ዝኸዳኦም ስድራ ጽቡቕ እንግዶት ተገይሩለን፡ እቶም ስድራ’ውን ነቲ መውስቦ ከምዝተቐተበልዎ ዝሕብር መልሲ ሒዘን ተመሊሰን።

ብወገን እንዳ ጓል’ውን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሽማግለታት ተኣኪቦም ከምዝጸንሑ ዝገልጽ ዘማሪ ኣቤኔዘር፡ ኵሉ ነገር ኣዝዩ ጽቡቕ ከምዝተዛዘመ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣቤኔዘር ነቲ ንዘመናት ሕቶ መውስቦ ብደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝቐርብ ዝነበረ ልምዲ ንምስባር ኢሉ ነዚ ሓሳብ ከምዘበገሶ’ዩ ዝገልጽ።

ተበግሶ ኣቤኔዘር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ኰይኑ ዝቐነየ ዛዕባ’ዩ።

ገለ ነዚ ተበግሶ ከም ፍሉይ ብምርኣይ ብኣድናቘት ክገልጽዎ እንከለዉ፡ ካብ ልምድን ባህልን ዝወጽእ’ዩ ብምባል ዝነቐፍዎ’ውን ኣይተሳእኑን።